ብዘይ ሕጋዊ ኣስገርቲ ዝንገሩ ዝዓበዩ ሓሶታት

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ገበናዊ ንግዲ እዩ። ዓማዊል ንምድላብን መኽሰብ ንምኽዕባትን ከኣ፡ ኣስጋገርቲ ሰባት ብዙሕ ሓሶታትን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ይጥቀሙ። ነቶም ቀንዲ ልሙዳትን ትርጉም ኣልቦ ብምዃኖም ከኣ መስሓቓትን ዝኾኑ ንስደተኛታት ብገበነኛታት ዝተነግርዎም ሓሶታት ኣኪብና ኣለና።

ሓሶት ቁ. 1
“ኣብ ጀርመን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ስራሕ በዚሕዎም ኣሎ። ሕጂ ናብኡ ትኸድሉ ዝበለጸ ግዜ እዩ።”

ጀርመን ነቶም ጽልዋታት ናይ ዓለም-ለኻዊ ቅልውላው ጥዕና ንምግጣም ኣብ ጽዕጹዕ ስራሕ ትርከብ፡ ናይ ዕቚባ ሕግታት ግን ከም ቀደሞም ጽኑዓት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ©dpa

ኣይፋል! ነዚ ምሉእ ሓሳብ’ዚ ከእምነኩም ንዝፍትን ዝኾነ ሰብ ኣይትእመኑ። እወ፡ እቶም ሳዕቤናት ናይቲ ዓለም-ለኻዊ ቅልውላው ጥዕና ንጀርመን’ውን ብኸቢድ ጸልዮማ ይርከቡ። ከም ሓቂ፡ ብሰንኪ ግዝያዊ ናይ ዶብ ቁጽጽራት፡ ናብ ጀርመን ንምእታው ዝያዳ ዝኸበደ ኮይኑ ኣሎ።

ሓሶት ቅ. 2
“ጥኑሳት ደቀንስትዮ ኣብ ጀርመን ዝሓሸ ዕድል ናይ ምውሃብ ዕቚባ ኣለወን።”

ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንእሰያት ደቀንስትዮ ኣብ ጀርመን ዕቊባ ናይ ምርካብ ዕድለን ንምምሕያሽ ክጠንሳ ይመኽርወን። ©istock

ብንጹር ኣይፋል! ኣብ ጀርመን ምሉእ ናይ ስደተኛ ሓለዋ ክትረኽቡ ዲኹም ኣይትረኽቡን ኣብ ስለምንታይ ካብ መበቆል ሃገርኩም ክትሃድሙ ከምዝተገደድኩም እዩ ዝምርኮስ። ካብ ጎነጽ ትሃድሙ ምህላውኩም ክተረጋግጹ እንተኽኢልኩም ጥራይ፡ ማለት ኣብ መበቆል ሃገርኩም ሓደጋ ናይ ፖለቲካዊ ግፍዒ ወይ ካልእ ከቢድ ጉድኣት ክበጽሓኩም ከምዝኽእል እንተረጋጽኩም ኣብ ጀርመን ሓለዋ ክትረኽቡ ትኽእሉ። እዚ ኣብ ጥኑሳት ደቀንስትዮ’ውን ሓቂ እዩ።

ሊንክታት/መላገቢታት፥

ኣብ ጀርመን ክቕመጥ ዝፍቀደሉ መን’ዩ ዘይፍቀደሉ’ኸ መን’ዩ፧

https://rumoursaboutgermany.info/facts/who-is-allowed-to-stay-in-germany-and-who-is-not/

ስእላዊ ገላጺ ናይቶም መድረኻት ናይ ጀርመን መስርሕ ዕቚባ፥

http://www.bamf.de/SharedDocs/Anlagen/EN/Publikationen/Plakate/schema-ablauf-asylverfahren-a4.pdf?__blob=publicationFile

ሓሶት ቁ. 3
“ጀርመን ንኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝኾኑ ስፍራታት ሓዚኣ ኣላ።“

ምዝገባ ናይ ስደተኛታት ©dpa

ንጹር ኣይፋል! ንውሱናት ሃገራት ዝኾኑ ዝተሓዝኡ ስፍራታት የለዉን። ነፍስ ወከፍ ጉዳይ በብውልቂ እዩ ይምርመር። ደለይቲ ዕቚባ ካብ ጎነጽ፡ ኲናት ወይ ግብረ-ሽበራ ይሃድሙ ምህላዎም ከረጋግጹ ከድልዮም እዩ። ኣፍጋኒስታናዊ ምዃን ኣብዚ ውሳነ’ዚ ዝኾነ ብልጫ ኣየውህበኩምን እዩ። ንኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝተሓዝኡ ገዛውቲ ከኣ የለዉን

ሓሶት ቁ. 4
“እንተድኣ ኣብ እዋን ናይ ዶብ ቁጽጽራት ፈሊጥካ ደቂስካ፡ መኮንናት ፖሊስ ከበራብሩኻ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ክትሓልፍ ትኽእል ኢኻ።”

ፈልጥካ ምድቃስ ንምስዓር ኤውሮጳዊ ቁጽጽራት ዶብ ዘገልግል ሜላ ኣይኮነን። @dpa

ኣይፋል! ዝኾነ ነዚ ዝነግረኩም ሰብ ኣብ መጻወድያ ከእትወኩም ዝደሊ እዩ! ንተኸታተልቲ ኤውሮጳዊ ዶብ ካብ ምፍታሽኩም ክዓግቶም ዝኽእል ሕጊ የለን፡ ዋላ’ውን እንተደቀስኩም። ስለዚ፡ ቅድሚ ናብቲ ግዝኣት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምእታውኩም፡ ብጽኑዕ ክትፍተሹ ኢኹም። ናብታ ሃገር ናይ ምእታው ሕጋዊ ምኽንያት ዘይብልኩም እንተኾይንኩም ከኣ፡ ደው ከብልኹም እዮም ክትምለሱ ከኣ ኣለኩም።

ሊንክታት/መላገቢታት፥

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዝዕባ ወለንታዊ ምምላስን ግዱድ ምምላስን ኣብዚ ዝስዕብ ርኸቡ፥

https://rumoursaboutgermany.info/facts/3-facts-about-voluntary-return-and-forced-return/

ሓሶት ቁ. 5
“እንተድኣ ኣብ ጀርመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ እናሰራሕኩም ከለኹም ተታሒዝኩም፡ ብኡ ንብኡ ወረቓቕቲ ክውሃብኹም እዮም።”

እንተድኣ ቋንቋ ጀርመን ዝይትዛረቡ ኮይንኩም ወይ ሞያ ዘይብልኩም እንተኾይኑ ኣብ ጀርመን ስራሕ ምርካብ ኣመና ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ©istock

እዚ ሃተውቀጠው እዩ! ናይ ጀርመን ዕዳጋ ዕዮ ልዑል ቀይዲ ዘለዎ እዩ። ጽኑዓት ሕግታትን ጽኑዓት መቕጻዕትታትን ግብራውያን እዮም። እንተድኣ ፖሊስ ጀርመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምትሰርሑ ዘለኹም ፈሊጦም፡ ንገዛእ ርእስኹም ኣብ ጸገም ክተእትውዋ ኢኹም። ኣብ መንበሪ ፍቓድኩም ብምምርኳስ፡ እዚ ናብ መበቆል ሃገርኩም ምጥራዝ ከስዕብ ይኽእል።

ሊንክ/መላገቢ፥

ብዛዕባ እቶም ጠለባት ናይ ምምጻእ ናብ ጀርመንን ኣብኡ ምስራሕን ኣብዚ ዝስዕብ ርኸቡ፥ https://www.make-it-in-germany.com.

ሓሶት ቁ. 6
“እንተድኣ ትሕቲ ዕድመ እየ ኢልኩም፡ ብቕጽበት ዕቚባ ክውሃበኩም እዩ። ዕድሜኹም 18 ምስመልአ ናይ ጀርመን ፓስፖርት ክህብኹም እዮም።”

ብቕጽበት ናይ ጀርመን ዜግነት ዝረክብ ስደተኛ የለን። ©dpa

እዚ ምፍጹም ሓቂ ኣይኮነን! ትሕቲ ዕድመ ምዃን ኣብ ጀርመን ዕቚባ ናይ ምውሃብ ዕድላትኩም ኣይከመሓይሽን እዩ። ካብ ጎነጽ፡ ኲናት ወይ ግብረሽበራ ትሃድሙ ምህላውኩም ክተረጋግጹ ከድልየኩም እዩ። ብድሕሪኡ ጥራይ፡ ድሕሪ ዕዉት ናይ ዕቚባ መመልከቲ ምእታውኩም፡ ክትቅመጡ ትኽእሉ። ሰበ ስልጣን ጀርመን ከኣ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ መርመራታት ተጠቒሞም ብጽኑዕ ዕድሜኹም ክምርምሩ እዮም። ዕድሜኹም 18 ምምልኡ ብቕጽበት ናይ ጀርመን ፓስፖርት ኣየውህበኩምን እዩ። እዚ መኽሰብ ንምኽዕባት ጥራይ ብዝግደሱ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ዝተፈጥረ ካልእ ናይ ምቕጫጭ ጽውጽዋይ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ መስርሕ መመልከቲ ዕቚባ ኣብዚ ዝስዕብ ርኸቡ፥

http://multimedia.gsb.bund.de/BAMF/Video/Asylfilm/Asylantrag_english.mp4

ሓሶት ቁ. 7
“ንስራሕ ናብታ መዛወሪት መርከብ ምሳና ምጹ፡ ገንዘብ ተኸፈሉ ብድሕሪኡ ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ክነውርደኩም ኢና።“

ንስደተኛታት ዝኾኑ ቀለልቲ ናይ መዛወሪ መርከብ ጉዕዞታት የለዉን። ©dpa

እቲ ናይ መዛወሪት መርከብ ዛንታ ውጹእ ሓሶት እዩ! ዘይሕጋዊ ኣሰጋገሪ ደቂሰብ ናብ መርከቦም ክትጽንበርዎም ክዕድምኹም ከለዉ፡ እቲ እንኮ ዕላምኦም ገንዘብ ምርካብ እዩ። ዋላ’ውን ኣብ ጥቓ ኤውሮጳ እንተውረድኹም፡ ናይ ምቕማጥ መሰል የብልኩምን። ናብ ኤውሮጳ ብሕጋዊ መንገዲ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኣቐዲሙ ቪዛ እንተተዋሂብኩም ጥራይ እዩ። ኣብ ከምዚ ኲነት፡ ክትዕገቱ ኢኹም። ይኹን እምበር፡ እዞም ገበነኛታት እዚኦም ክምለሱን ንዛንትኦም ከኣ ነቶም ዝቕጽሉ ጉጅለ ስደተኛታት ክነግርዎምን እዮም፡ ንገበናዊ ንግዶም መሊሶም ክደግምዎ እዮም።

ሓሶት ቁ. 8
“እታ መስገሪት መርከብ ኣዝያ ዓባይ እያ፡ መሐንበስን ሲነማን ከይተረፈ ኣለዋ።”

እቲ ሓቀኛ ኲነታት ብዛዕባ ብዙሓት ናይ ስድተኛታት ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣመና ሓደገኛ እዩ። ©dpa

ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ነተን ክረኽብወን ዝኽእሉ ዝኣረጋን ዝሓሰራን ጀላቡ ጥራይ ይጥቀሙ። ብዙሓት ካብዚአን ንባሕሪ ዝኾና ኣይኮናን። እዚ ንዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ መኽሰቦም ንምዕባይ የኽእሎም። ኣብ 2019 ጥራይ፡ ልዕሊ 1300 ሰባት ኣብ ከምዚአን ዝኣመሰላ ጀላቡ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ከለዉ ሞይቶም።

ሓሶት ቁ. 9
“ናይ 25 ዓመታት ተመኩሮ ኣለና፡ ጉዕዞኹም ናብ ኤውሮጳ ከኣ 100 ካብ ሚእቲ ሕጋውን ተበጻሕን እዩ።”

ማዕበል ዝበዝሖ ፈለግ ዝሰግሩ ዘለዉ ስደተኛታት። ©dpa

ኣሰጋገርቲ ሰባት ገበነኛታት እዮም ከምኡ ድማ ገንዘብኩም ጥራይ እምበር ህይወትኩም ኣየገድሶምን እዩ! ኣሽሓት ዘይስሩዕ ስደተኛታት ነፍስ ወከፍ ዓመት ይንጸጉ። ዘሕዝን ከኣ፡ ብዙሓት ኣብ እዋን’ቲ ሓደገኛ መገዲ ይሞቱ።

ሓሶት ቁ. 10
“ዓበይቲ ናይ ጀርመን ኮርፖረሽናት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ይደልያ። ጀርመን መዓልታዊ 5000 ስድተኛታት ትወስድ።”

ኣብቲ ወኪል ስራሕ ሪጋ ምጽባይ። ©dpa

ሓሶት። ንስደተኛታት ዝኸውን ናይ ስራሕ ብጽሒት የለን። ዋላ’ኳ ክኢላዊ ሰራሕተኛታት ዝድለዩ እንተኾኑ፡ እቶም ናብ ጀርመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሰባት ስራሕ ክረክቡ ኣይክኽእሉን እዮም። ከምኡ’ውን መንግስቲ ጀርመን ንስደተኛታት ስራህ ከምዘይቅርብ ኣስተውዕሉ።

ነቶም ህሉዋት ሕግታት ነቲ ስደት ናይ ክኢላዊ ሰራሕተኛታት ናብ ጀርመን ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎም ትኽእሉ፥

https://rumoursaboutgermany.info/facts/germany-opens-labour-market-for-skilled-workers-from-non-eu-countries/

ሓሶት ቁ. 11
“ንነፍስ ወከፍ ስደተኛ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም 2,000 ዩሮ ይውሃቦ።”

ሕልሚ ጥራይ እዩ፥ ኣብ ጀርመን ዝውሃብ ዝኾነ ገንዘብ የለን። ©istock

ዘይከም ንዘይህጋዊ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ዝዝርግሑ ቤላቤለዋትን ግጉይ ሓበሬታን፡ ጀርመን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ክፍሊት ኣይትህብን እያ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሓሶታት ብምዝርጋሕ፡ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ብፍላጥ ናይ ሰባት ህወት ኣብ ሓደጋ የእትዉ። ኣብ ጀርመን ንዕቚባ ምምልካት ማለት ብመገዲ ነዊሕን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን መስርሕ መመልከቲ ክትሓልፉ ኣለኩም ማለት ክኸውን እዩ። እንተድኣ ዕዉታት ኮይንኩም፡ ነቲ ቀንዲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣብታ ክትነብረላ ክብርቲ ዝኾነት ሃገረ ጀርመን ንመዓልታዊ መነባብርኾም ዘድሊ ገንዘባዊ ደገፍ ክትቅበሉ ኢኹም። ማእለያ ዘይብሎም ልዑል ክፍሊታት ንስደተኛታት ዝብሃል ነገር ካብ ገበናዊ ልብወለድ ኣንኢስካ ዝርአ ኣይኮነን።

ሓሶት ቁ. 12
“ጀርመን ንነፍስ ወከፍ ስደተኛ ገዛ ትህብ።”

ንእሽቶ ቦታ ኣብ ልሙድ መዓስከር ስደተኛ ኣን ጀርመን። ©dpa

ናይ ገዛእ ርእሱ ዝውሃብ ዝኾነ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ከም ሓቂ፡ ትነብረሉ ቦታ ምርካብ ኣብ ጀርመን እናኸብደ ክመጻ ጸኒሑ ኣሎ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት። ከምኡ’ውን ዕቚባ ኣብ ትደልይሉ እዋን ኣበይ ክትነብሩ ከምዘለኩም ናጻ ኮይንኩም ክትመርጹ ዘይትኽእሉ ምዃንኩምን ቋንቋኹም ዝርድኣልኩም ኣብ ዘይብሎም ርሑቕ ቦታታት ክትቕመጡ ክትግደዱ ከምትኽእሉን ኣስተውዕሉ።

ሓሶት ቁ. 13
“ኣብ ግዜ በዓል ልደት፡ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ዘእትዋ ኣውቶቡሳት ናብ ኤውሮጳዊ ዶባት ይልኣኻ።”

ናይ ጀርመን ናይ ዕቚባ ሕግታት ንገጸ በረኸት ወይ ህያባት ዝኸውን ቦታ የብሉን። ይኹን እምበር እቶም ሕግታት ፍትሓውያን፡ ግሉጻትን ሰብኣውነት ዘለዎምን ክኾኑ እዮም ተነዲፎም። @istock

ኣይፋል! መንግስቲ ጀርመን ንስደትኛታት ብናጻ ናብ ጀርመን ንምምጻእ ናብ ናይ ኤውሮጳ ግዳማዊ ዶባት ኣውቶቡሳት ኣይልእኽን’ዩ። ኣይትእመንዎ ምኽንያቱ ኣብ መገድኹም ክትጠፍኡን ክትዕገቱን ኢኹም።

ሓሶት ቁ. 14
“…ንጀርመን እንተዘይፈቲኹማ፡ ናብ ካናዳ ዘእቱ ቪዛ ክህብኹም እዮም።“

ካናዳ ብዙሓት ክኣትውዋ ዝሓልሙ ቦታ እያ። ግን ጀርመን ናብኣ ተብጽሕ መንገዲ ኣይኮነትን። ©dpa

እዚ ጽሩይ ሃተውቀጠው እዩ። ዝኮነ ከምኡ ዓይነት ውዕል ኣብ መንጎ ጀርመንን ካናዳን የለን – ወይ’ውን ምስ ዝኾነት ካልእ ሃገር ከምኡ ዓይነት ውዕል የለን።

*ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ከም ሓፈሻዊ ግምገማ ናይ ስደተኛታትን ዕቚበኛታትን ገዛእ ርእሶም ዝረኽብሎም ዝተፈላለዩ ኲነታት ክትርድእዎም ይግባእ። ሕጋዊ ቀያድነት ዘለዎም ኣይኮኑን። ውልቃዊ ጉዳያት ብሕጋዊ መንገዲ ዳግመ-ግምገማ ክግበረሎም የድሊ።
መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 15.05.2020 ዝተሓትመሉ፥ 06.07.2017