ጀርመን ኣብ ጆርዳን፡ ኣብ ሊብናን ኮምኡውን ኣብ ቱርኪ ንዝርከቡ ስደተኛታት ትሕግዝ

ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ኣብ ናህር ኣል ባረድ፡ ፍልስጤም @dpa

ሂወት ማለት ትበልዖ መግብን ተጽልለሉ ክህልወካ ጥራይ ኣይኮነን። ሓበን፡ ክብሪ፡ ስነ-ጥበብን፡ ባህሊን ቋንቋን እውን የማልእ እዩ።

በዚ ምኽንያት ጎተ ኢንስቲቱት ጀርመን (German Goethe Institute) ባህላውን መሃርን ፕሮጀክትታት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ጆርዳን፡ ሊብናን፡ ኣብ ምብራቕ ቱርኪ ኮምኡ እውን ኣብ ኢስታንቡል ቀሪቡ ኣሎ።

መዓስከር ስደተናታት ቱርኪ

ቤት ትምህርቲ ኒዚፕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ቱርኪ ©dpa

ቱርኪ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ኣዕቂባ ኣላ። መንግስቲ ጀርመን ነቲ ኩነታት ንምግጣም ብዝገብሮ ዘሎ መደባት፡ ኣብኡ ዝርከብ ጎተ ኢንስቲቱት ጀርመን (German Goethe Institut) ኣብቲ ካምፒ ንዝርከቡ ቆልዑትን መንእሰያትን ስደተኛታት ይሕግዝ። በቲ ኢንስቲቱት ዝተመደቡ ናይ ተዋስኦ ፕሮጀክትታት ቁሩብ ተስፋ ይህቦምን የተባብዖምን። ካልኦት ዝትገብሩ ፕሮጀክትታት ከም ስቲልትዋልኪንግ ዎርክሾፕ፡ ወይ ውን ናይ „ኣትሓባባእ ጸወታታት ኮምኡውን ናይ ሳዕስዒት ወርክሾፕ ይርከብዎ። ተወሳኺ መዘናግዒታት ከም ሂፕሆፕሰሚናር ምስ ጀርመናውያንን ቱርክን ተዋሳእቲ፡ ኣለያ ጥዕና ብሙዚቃን፡ ወርክሾፕ ንመማህራን ብሓደ ክኢላ መምህር ናይቲ ኢንስቲቱት ንግዳያት ጭንቂ ምምሃር ዓቕሚ ንመማህራን ናይቲ ካምፒ፡ ብካብ በርሊን ዝመጸ፡ ቋንቋ ኩርዲን ዓረብን ዝመልኽ መምህር ጎተ ኢንስቲቱት ብኣመሃህራ ግዳያት ጭንቀት ኣብ መዓስከር ንኽምልምሎም ምልምልዎም፡፡ ቋንቋታት ከርዲ ዓረብን ዝመልኽ። ጎተ ኢንስቲቱት ምስ ክኢላታትን ኣብ ኣለያ ግዳያት ጭንቀት ሓቢራ ኣብ ዝግበር ናይ ስራሓትን ተበግሶታትን ተማኽርን ስርሓት ተወሃህድን።

ኢስታምቡል

ጎተ ኢንስቲቱት ኣብ ኢስታምቡል ናይ ፊልም ፕሮጀክትታትን ወርክሾፓትን ንስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን፡ ኮምኡ እውን ኣብ ጀርመን መንበሪ ፈቓድ ንዝረኸቡ ስደተኛታት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ መዲባትሎም ኣላ። ንኣብነት „ታሪኽካ ኣዘንትወለይ“ ትብል ብናይ ምዝንታውን ስነጽሑፋውን፡ ንኽስማዕን ብስእላዊ ኣገባብ ክርአን ዝኽእል ስነ-ጥበባዊ መደብ ኣካይዳ። ብናይ ምዝንታው ሜላታትን ደረቕ ስእልን ቃለ-መሕትትን ዝተሰነየ፡ ብዙሓት ሶርያውያን ስደተኛታት መንእሰያት ብዛዕባ ቅድሚ ምስዳዶም ዝነበረ ሂወቶምን፡ ተመኩሮ ጉዕዞ ስደቶምን፣ ኮምኡ ውን ድሕሪ ምስዳዶም ተመኩሮታቶም ኣዘንትዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ታሪኻት መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስክራዊ ሰነዳት ናይቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣስደማሚ ሂወት ይሕብር፡ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ፈርካሽ ሃለዋንትን ኣብ ቅሉዕ ግፍዕታትን ዝርከብ እዩ። እቲ ዝህብዎ ዓይነ-ምስክራዊ ታሪኾም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ጎተ ኢንስቲቱት ቱርኪ ቀጻሊ ክርኣ ክዝርጋሕ እዩ።

ጆርዳንን ሊብናንን

ሶርያውያን ስደተኛታት ቆልዑት ኣብ መዓስከር ስደተናታት ዛዕታሪ  ኣብ ጆርዳን ©dpa

ኣብ ጆርዳን ዝርከብ 83,000 ዘጽለለ መዓስከር ስደተኛታት ዛዕጣሪ ካብ ሙሉእ ዓለም ብዕብየቱ ካልኣይ ደረጃ ዝኾነ መዓስከር እዩ። ካብ 2013 ኣትሒዙ ጎተ ኢንስቲቱት ጀርመን ኣብኡ ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ንባብን ትምህርቲ ቋንቋን ንቖልዑት ብምስንዳእ ይተሓባበር።  ዛዕጣሪ ሓደ ካብቲ ኣብነታት እዩ። ጎተ ኢንስቲቱት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ቖልዑት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶርያ፡ ብፍላይ ነቶም ስደተኛታት ኮታ ዝበሃሉ፡ ናብ ስድርኦም ንኽጽንበሩ ዝዳለዉ ዘተኮረ እዩ፡፡ ማለት ነቶም መጻኢ ሂወቶም ኣብ ጀርመን ንክኸውን ዝተረጋገጸ እዩ።

ናይ ባህሊ መደባት ብፋይናንስ ዝሕግዝ ሓደ ትካል ንሶርያውያን ስነ-ጥበባውያን ኣብቲ መዓስከር ተዋሳእቲ ንኽኾኑ የተባብዕ፡ ሰባት ኣብቲ መዓስከራት ንውሑድ ዓመታት ጥራይ ዘይኮነ ንነዊሕ ዓመታት ኣብኡ ክነብሩ ክግደዱ ስለ ዝኾኑ። „ስነ-ጥበብ ዓቢ ግደ ኣለዎ፡ ወላ እኳ ዝግብኦ ኣተኩሮ እንተዘይረኸበ“ ይብል ክርስትያን ሉፈ፡ ዳይሬክቶር ናይ ጎተ ኢንስቲቱት ኢስታንቡል። „ሰባት ሓድሽ ኣትሓሳስባ ከጥርዩን፡ ንጡፋት ንኽኾኑን የተባብዕን፡ ኣድህቦ ንስነ-ጥበባውነት ውን ይፈጥር ንምትኳር የተባብዕ፡።

ሙዚቃ ምጽዋትን፡ ምስኣልን ወይ ውን ሳዕስዒት፡ ካብቲ መዓልታዊ ዕንክሊል መዋጽኦ ክፈጥር ይኽእልን፡ ወላ ነቲ ዘደንዝዝ ቃንዛ ጭንቀት እውን ይፈትሕ።

በዚ ኣገባብ፡ ስነ-ጥበባዊ ክእለታት ከምብሓድሽ የበራብርን፡ ይውልዕን ኮምኡ እውን ሓድሽ ራኢታትን ይፈጥርን። ሙዚቃ ምጽዋትን፡ ምስኣልን ወይ ውን ሳዕስዒት፡ ካብቲ መዓልታዊ ዕንክሊል መዋጽኦ ክፈጥር ይኽእል፡ ወላ ነቲ ዘደንዝዝ ቃንዛ ጭንቀት ይፈትሕ። ስለዚ ሂወት ብመጠኑ ንኸረሳርስ ኣገዳሲ እዩ።