ሃገረ-ጀርመን ኣብ ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስን ቱርኪን ንዝርከቡ ዕቑባት ስደተኛታት ደገፍ ትገብር

ሓድሽ ቤት-ትምህርቲ ኣብ መዓስከር ዕቑባት ስደተኛታት ©dpa
ሓድሽ ቤት-ትምህርቲ ኣብ መዓስከር ዕቑባት ስደተኛታት ©dpa

ህይወት ብዛዕባ መግብን መጽለሊን ጥራይ ኣይኰነትን፤ እንተላይ ብዛዕባ ሓበን፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ስነ-ጥበብ፡ ባህልን ቋንቋ እውን ደኣ’ምበር።

ካብ’ዚ ምኽንያት እዚ ብምብጋስ እዮም ጀርመናዊ ትካል Goethe-Institut ከምኡ’ውን መሻርኽቱ ብምዃን፡ ኣብ ሃገራት ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስን ቱርኪን፡ ፕሮጀክትታት ባህልን ትምህርትን ኣብ ምስልሳል ዝርከቡ።

Turkey

ምምጻእ በራሪ ቤት-ንባብ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ቱርኪ ©Goethe-Institut

ቱርኪ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ዕቑባት ስደተኛታት ኣብ ምእንጋድ እትርከብ ሃገር እያ። ከም ኣካል መልሰ-ግብሪ ናይ መንግስቲ ጀርመን፡ ትካል Goethe-Institut ከምኡ’ውን መሻርኽቱ፡ ኣብ’ዚ ኵነታት እዚ ንምሕጋዝ፡ ኣብ ውሽጥን ከባብን መዓስከራት ናይ ዕቑባት ስደተኛታት ንዝርከቡ ህጻናትን ኰተትየታት ደገፍ ኣብ ምግባር ይርከቡ።
እቶም ኣብ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ቱርኪ ኰነ ዓባይ ኢስታንቡል ዝርከቡ “በረርቲ ኣብያተ-ንባብ” ፍልጠት፡ ሓበሬታን ባህልን ዘስንቑ እሞ ሶርያውያንን ቱርካውያንን ህጻናት ዝራኸቡሎም ቦታታት ኰይኖም ኣለዉ። ናይ ስነ-ጥበብን ካልኦትን ፕሮጀክትታት ባህሊ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ መዓስከራት ዝርከቡ ህጻናትን ኰተትየታትን ብዛዕባ ምሕያል ዝመጸ ጩራ ተስፋ ዝህቡ ረቛሒታት እዮም። ስሩዓት ንጥፈታት፡ ስልጠናታትን ዓውድታት መጽናዕትን ይውደቡ ኣለዉ። ንኣብነት – ጕጅለታት ክቢ ንባብ፡ ክፍላተ-ትምህርቲ ታብለት/ኮምፕዩተርን ቋንቋን፡ ናይ ፊልም ምርኢታት፡ ማሕበራዊ ጕጅለታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከም ምንጋር ዛንታታት፡ ፈጠራዊ ስነ-ጥበብ፡ ቲያትርን ካልእን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘተኰሩ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት። ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት፡ ትካል Goethe-Institut ከምኡ’ውን መሻርኽቱ ብዛዕባ ዝወስድዎም ተበግሶታት ዝመጸ፡ ምስ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮኣዊ-በሰላ ብምምኻር፡ ኣብ ባይታ ንጥፈታት ሓገዝ ምስ ዘወሃህዱ ከባብያውያን ክኢላታት ይኹኑ ውድበ-ትካላት ድማ ብምትሕብባር ክሰርሑ ጸኒሖም።

ንኣብነት ሓደ “ዛንታኻ ንገረኒ” ዝተሰምየ ፕሮጀክት ስነ-ጥበብ ትረኻዊ፡ ስነ-ጽሑፋዊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ድምጸ-ተንቃሳቓሲ-ስእሊ ትሕዝቶ ዝጠቓሊሉ ቀሪቡ። ነኣሽቱ ሶርያውያን ዕቑባት ስደተኛታት ብመገዲ ጥበባት ምንጋር ዛንታ፡ ደረቕ ስእልን ቃለ-መሕትትን ኣቢሎም፡ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ፡ ኣብ እዋንን ድሕርን ካብ ሶርያ ምውጽኦም ዝነበሮም ግዜ፡ ዛንታዊ ሓበሬታታቶም ኣመሓላሊፎም። እዞም ዛንታታት እዚኣቶም፡ ኩሉ ሳዕ፡ ንተኣፋፊ ንቡርነት ምስ ልሙድ ጨፍላቒ ኣተሓሕዛ ብምንጻር፡ ብዛዕባ ዘይምኽኑይ ህይወታዊ ክዉንነት ጭብጢ ዘቕርቡ እዮም። እዞም ዛንታታትን ቃላት ምስክርን ኣብ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ Goethe-Institut ቱርኪ ብቐዋምነት ይሕተሙ።

ዕቑባት ስደተኛታት ዝዀኑ ህጻናት ፍልጠት፡ ሓበሬታን ባህልን ዝሰንቁሉ መራኸቢ ቦታ ©Goethe-Institut

ዮርዳኖስን ሊባኖስን

ብዝሒ ናይ’ቶም ኣዕቊብዎም ዝርከብ ሰባት 78,000 ዝበጽሕ – ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ መዓስከር ዛታሪ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝዓበዩ መዓስከራት ስደተኛታት ዓለምና እዩ። ኣብ’ዚ መዓስከር እዚ፡ ትካል Goethe-Institut ከምኡ’ውን እቶም ኣብ’ዚ እዋን እዚ ፕሮጀክትታት ተረኪቦም ዘለዉ ከባብያውያን መሻርኽቱ፡ ንዕቑባት ስደተኛታት ደገፍ ይገብሩን ከም ናይ ንባብ፡ ዓውደ-መጽናዕትን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ንህጻናት ዝምልከቱ ንጥፈታት ይውድቡ። ንሰራሕተኛታት ዕማማት ደገፍ እውን ዕድላት ስልጠና ይህቡ። ይኹን’ምበር፡ ዛታሪ ሓደ ኣብነት ናይ’ቶም ዝካየዱ ዘለዉ ብዙሓት ተመሳሰልቲ ንጥፈታት ጥራይ እዩ።

ስነ-ጥበብ፡ ሰባት ብዛዕባ ሓድሽ ነገር ከምዝሓስቡ ዝገብርን ፈጠራዊ ኣእምሮኣዊ ኣድህቦ ዝድርኽን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ረቛሒ እዩ። ከምዚ ብዝኣመሰለ መገዲ፡ ፈጠራውነት ኣብ ምብርባርን ሓድሽ መንጽረ-ኣረኣእያ ኣብ ምፍጣርን ሓጋዝነት ይህልዎ። ሙዚቃ ምጽዋት፡ ንጥፈታት ቅብኣ ምስልሳልን ሳዕስዒትን፡ ሰባት ካብ መዓልታዊ ክሊ-ሕንጻጽ ናይ ኣተሓሳስባ ብምውጻእ፡ ኣእምሮኣዊ በሰላ ንዝጠንቁ ድንዛዘ ንኸወግዱ ክሕግዝዎም ይኽእሉ። ስለዚ፡ ናይ መዓስከራት ዕቑባት ስደተኛታት ጻንሖት ብዝያዳ ዝጽወር ምእንቲ ክኸውን፡ እዞም ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣገደስቲ እዮም።

ዒራቕ

ንገለ ዓመታት፡ ኣብ ሶርያውያን ዕቑባት ስደተኛታት ከምኡ’ውን ኣብ መዓስከራት ዕቑባት ስደተኛታት ናይ ሰሜን ዒራቕ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ዒራቓውያን ዘተኰሩ ፕሮጀክትታት ስነ-ጥበብን ባህልን እውን ተሳላሲሎም ነይሮም። ዓውድታት መጽናዕቲ፡ ፕሮጀክትታት ስነ-ጥበብ፡ ከኡ’ውን ሓያለይ ዓውድታት ዝሽፍኑ ስልጠናታት – ንኣብነት፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ኮምፕዩተር፡ ስነ-ደረቕ-ስእሊ፡ ስእሊ ኢድ፡ ንባብ፡ ቅኒት ጐረሮ፡ ስነ-ተንቀሳቓሲ-ስእሊ – ንሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዕድላት ዝፈጥሩሎም ረቛሒታት ኰይኖም፡ ንማሕበራዊ ጥምረት እውን ከሐይልዎ ይኽእሉ። ነኣሽቱ ዕቑባት ስደተኛታት ድማ ካብ ኢርቢል ምስ ዝመጹ ህጻናት ክራኸቡ ይኽእሉ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ኣብ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ኣዕቈብቲ ኮማት ተመኵሮ ኣብ ምልውዋጥ ንዝረአ ተመኵሮ ዘሐይል እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 06.12.2019 ዝተሓትመሉ፥ 03.08.2017