ብዕሊ/ብሕጊ ናብ ጀርመን መእተዊ ሕጋውያን ስጉምትታት

ስራሕ ከም ቴክኒሽያን ኣብብ ሲመንስ ©dpa
ስራሕ ከም ቴክኒሽያን ኣብብ ሲመንስ ©dpa

ኣብ ጀርመን ክትሰርሕ ወይስ ክትመሃር ኢኻ ትደሊ? ኣብ ኢድ ናይ ሰብ ደለልቲ ኣይትውደቕ – ናብ ጀርመን ክትኣትወሎም እትኽእል ውሕስነታውያንን ሕጋውያንን መንገድታትን ኣለዉ፡ ብቑ ዕ ዓቕምታት ምስ ዝህልዉካ። ሃገረ ጀርመን ዝለዓለ ዓቕሚ ንዘለዎም ስባት ብዝለዓለ ደረጃ እትቕበለሉ ኣገባባት ኣለዉዋ።

ኣብታ „ናብ ጀርመን መጺእካ ዕዉት ኩን“ („Make it in Germany“) እትብል መርበብ መንግስቲ ጀርመን ንክኢላታት ሰራሕተኛታት፡ ቴክኒሽያንስ፡ ተመራመርቲን፡ ምልሙላት ሓከይምን ተቖጺሮም ክሰርሑሉ ዝኽሎም ቦታታትን ይሕብር፡፡ ኣስታታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ 200 ሃገራት ዓለም ነዚ መርበብ ዓመታዊ ይጥቀሙሉ። እዛ መርበብ -ንሓተተቲ ኣብ መስርሕ ምስላጥ ምንዳይ ስራሕ ኣብ ጀርመን ተሰንዮም። ካብ ስራሕ ምንዳይ ስጋብ ሓተታ ቪዛ፡ ኮምኡ ውን ስጋብ ኣብ ምግዓዚን፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝኣተኻሉ ናብራኻ ስጋብ ተጣጥሕን ትተሓባበር።

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ተወከስ፡

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 09.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 13.09.2017