ጀርመን ናብ ናይ መበቆልዓድኻ ክትምለስ ትሕግዘካ ድያ፧

ንዓዱ ኣብ መሬት ኣፍጋኒስታን ዝተመልሰ ወዲ ኣፍጋኒስታን
ንዓዱ ኣብ መሬት ኣፍጋኒስታን ዝተመልሰ ወዲ ኣፍጋኒስታን ©dpa

ናብ ዓድኻ ክትምለስ ምስ እትደሊ፡ ጀርመን ዘድሊ ዘበለ ሓገዝ ክትገብረልካ ኢያ። ኣዝዮም ብዙሓት ደገፋት ብመንግስቲ ጀርመን ዝወሃቡ ኣለዉ፡ ንዓድኻ ንምምላስን፡ ናብ ንቡር ሂወትካ ንምክንዋንን።

ዑቕባ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ጸቢብ ምስ ዝኸውን፡ ግን ድሮ ኣብ ጀርመን ኣቲኻ እንተኾንካ፡ ብወለንታኻ ክትምለስ ዝሕግዙኻ መደባት ኣለዉ። እዚ መደብ እዚ ካብ ዝጅምር ቅድሚ 40 ዓመታት ሙኻኑ ኢዩ፡ ልዕሊ 700.000 ሰባት ካብ ሙሉእ ዓለም ናይ ፋይናንስ፡ ወይ ውን ናይ ምሕደራ ረድኤት ረኺቦም ብወለንትኦም ናብ ዓዶም ወይ ውን ንኽትቅበሎም ድልውቲ ዝኾነት ሃገር ንክኸዱ ምትሕብባራት ተጌሩሎም እዩ።

ኩሉ ነዚ መደባት ዝምልከት ሓባሬታታት ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል፡ www.ReturningfromGermany.de– ግዝያዊ ሓበሬታ ተመልከት፡

ብጥርኑፍ ዝርዝር/h2>

1.መስርሕ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ብወለንትኦም ንዝምለሱ (RE AG/GARP)

ስደተኛታት ኣውቶቡስ ይስቀሉ @dpa

ን 40 ዓመታት፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ኮምኡ ውን መንግስቲታት ናይተን ዞናታት(ኣውራጃታት) ጀርመን፡ ብወለንታኻ ናይ ምምላስ (ወይ ንምቕጻል ጉዕዞ) ማለት ንወጻኢ ሃገር መኸዲ መደባት ንስደተኛታት ኣብ ጀርመን (REAG) ከምኡ ውን ብመንግስቲ ተሓጊዝካ ንዓድኻ መምለሲ ዘሎ መደባትን (GARP) ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታትካ ተኸፊሉ መጉዓዝያታት ውን ይቕረባልካ፡ ኣብ ዓድኻ ምስ ኣተኻ ድማ መበገሲ ናብራ ዝኾነካ ረድኤት ገንዘብ ንተመለስቲ ዜጋታት ውሱናት ሃገራት ኣሎ። ኩለን መደባት ብዓለም ለኻዊት ማሕበርን ወጻእተኛታት (IMO) ይመሓደር።

ብሽም ሃገር ጀርመን እትሰርሕ ዓለም ለኻዊት ማሕበር ንወጻእተኛታት (IMO) ብወለንትኦም ንዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ፡ ወይ ውን ናብ ካልኦት ክቕበልዎም ድሉዋት ዝኾና ሃገራት ክኸዱ ድሉዋት ንዝኾኑ ስደተኛታት ትተሓባበር፡፡

IMO ኣብዚ መዳይ ምሕደራዊ ኮነ ፋይናንሳዊ ረድኤታት ትገብር። REAG „ብወለንታኻ ናይ ምምላስ ወይ ንምቕጻል ጉዕዞ ማለት ንወጻኢ ሃገር መኸዲ መደባት ንስደተኛታት ኣብ ጀርመን“ ዝኣለመት ኮይና፡ GARP ድማ „ብመንግስቲ ተሓጊዝካ ንዓድኻ መምለሲ ዘሎ መደባትን“ ናይ ዑቕባ መሰል ንዘለዎም ስደተናታት ኮነ ንዝተነጽጉ ስደተኛታት ትሕግዝ። ንዝምለሱ ዘማኽሩ ትካላት ኣብ ጉዳያት ሓተታኻ ይተሓባበሩኻ፡ ብወለንታ መምለሲ ወረቓቕቲ ናይ ምስላጥ ስርሓት ን EU ዘ እትወካ ዕላዊ መጉ ዓዝያ ሰነዳት ከድልዩኻ ስለ ዝኽእሉ።

ብወለንትኦም ዝምለሱ ናይ ረድኤት መሰል ዘለዎም ሰባት (REAG/GARP):

ሓተቲ ዑቕባ፡ ናይ ጽላል ፈቓድ ዘለዎም ወጻእተኛታትን፡ ኮምኡ እውን ሓተታኦም ዝተነጽገ ሰባትን፡ መሰል ረድኤት ተመለስቲ ንዓዶም REAG ኣለዎም። ወጻኢታት መጉዓዝያኦም ክኽፈለሎም ኢዩ፡እታ ማሕበር ኣብ ግዜ ጉዕዞኦም ምትሕብባራትክትገብረሎም ድማ ትኽእል ኢያ።

ብተወሳኺ፡ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ሃገራት ምስ ዝመጹ ናይ መበገሲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ናይ GARP መደብ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣፍጋኒስታን፡ ግብጺ፡ ኣልጄርያ፡ ኣርሜንያ፡ ኣዛባርጃን፡ ኢትዮጵያ፡ ባንግላዴሽ፡ በኒን፡ ቡርኪና ፋሶ፡ ቻይና፡ ዲማክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣይቮርይ ኮስት፡ ኤርትራ፡ ጋምብያ፡ ጋና፡ ጊነያ፡ ጊነያ ቢሳው፡ ህንዲ፡ ኢራቕ፡ ኢንራን፡ ካመሩን፡ ከንያ፡ ሊብናን፡ ሊብያ፡ ማሊ፡ ማሮኮ፡ ሞንጎልያ፡ ኒገር፡ ናይጀርያ፡ ፓኪስታን፡ ፍልስጤም፡ ፌደራላዊት ራሻ፡ ሴኔጋል፡ ሲየራ ሊዮነ፡ ሶማልያ፡ ስሪላንካ፡ ሱዳን፡ ሶርያ፡ ታጂኪስታን፡ ቶጎ፡ ቱርኪ፡ ቱኔዝያ፡ ፡ቪየትናም ኮም ኡ ውን ዚምባበው። ነበርቲ ዩክረይን ን ቀዳማዊ ሓገዝ ጥራይ ጠለብ ከቕርቡ ይኽእሉ ናብ ጀርመን ኣብ ዝኣትዉሉ እዋንን ቅድሚ ናይ ቪዛ ሓርነት ምውሃቦምን።፡

መሰል ዘይብሎም ጃንዳታት ወይ ጉጀለታት ዝስዕቡ እዮም፡

ካብ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኦይሮጳ EU ዝመጹ (ብዘይካ ግዳያት ናይ መሸጣ ሰብን/ ወይ ውን ንዝምውና ዝተገደዱ/ዳ) ኣብ ናይ REAG/GARP መደባት ክሳተፉብቕዓት የብሎምን። ወላ ውን ካብ ስሉስ-ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ፡ ግን ብዘይ ቪዛ ንመሬት ጀርመን ዝኣተዉ፡ ዝጎደለ ናይ መጉዐዝያ ረድኤት ኵአሃቦም ይኽእል እዮ። ኣብቲ ብ ናይ “ናይ ዳብሊን መስርሕ“ ዝፍለጥ መስርሕ ኣብ እትህልወሉ እዋን ግን (ናብ ካልእ ሃገር ኦይሮጳ ኣብ እትሰጋገርሉ ግዜ) ናይ REAG/GARP ረድኤት መሰል የብሎምን።

መሰል ረድኤት ዘውህበካ ቅድመ ኩነት፡ ንስኻ ባዕልኻ ኮነ ማንም ካልእ ደገፍ ናይ መጉዓዝያኻ ክኸፍሎ ዘይክእል ምስ ዝኸውን እዩ።

ንኽትምለስ ዝወሃቡ ምኽሪታት፡/h3>

ኣብ https://www.ReturningfromGermany.de/centres ካብ መንግስቲ ነጻ ብዝኾኑ ኣብ ከባቢኻ ዝርገክቡ ሰንተራት ንኽትምለስ ዘድልዩኻ ምኽርታት ትረክብ። እዚ ድማ ኣብ ቦታኻ ዝርከብ ምሕደራ ወይ ብደረጃ ዞና (“ኣውራጃ“) (ንኣብነት፡ ኣብ ሶሻልኣምት/ምሕደራ ናይ ደግፍ ኦፊሳት ማሕበራዊ ረድኤት፡ ኣውስሌንደርበሆርደ/ ምሕደራ ጉዳያት ወጻእተኛታት) ናይ ረድኤት ትካላት፡ ኣብዚ ጉዳይ ዘተኮሩ ተሓባበርቲ ሰንተራት፡ ምእኩል ናይ ሓበሬታ ሰንተራት ኣብ ወለንታዊ ምምላስ፡ UNHCR ወይ ድማ IOM ብቐጥታ ተወከስ። ንኽትምለስ ዝወሃበካ ምኽሪ ውልቃዊ እዩ፡ ብዘይ ተጽዕኖን ብንጹህ ሕልናን። ኣብ እትምለሰሉ እዋንዘማኽሩ፡ ኣብ ምስላጥ ናይ ሓተታ ወረቓቕቲ ን REAG/GARP ዝተሓባበሩ ማሕበራት እዮም።

REAG/GARP ዝምልከቱ ረድኤታት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክወሃቡ ይኽእሉ።

  • ናይ መጉዓዝያ ወጻኢታት (ንኣብነት ብኣየር ወይ ብኣውቶቡስ)
  • ሓገዛት ኣብ ጉዕዞኻ
  • =ናይ ሓደ ግዜ መበገሲ ገንዘባዊ ደገፍ-ኣብ መበቆል ዓድኻ ዝተመርኮሰ ናይ ገንዘብ ሓገዛት ንመበገሲ ዳግመ ናብራ

ተወሳኺ ን REAG/GARP ዝምልከቱ ናይ ሓበሬታ መርበባት፡

2. ዳግመ መበገሲ ናብራን ካልኦን – ተወሳኺ ናይ ፋይናንስ ረድኤታት

ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ናይ REAG/GARP መደባት በቲ ናይ StarthilfePlus መደባት ክድገፍ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ መበቆል ዓድኻ ብምምርካስ ከም ኡውን ኣብቲ ናይ መንበሪኻ ህሉው ኩነታት ብምሙርካስ፡ እዞም ደገፋት ክትረክብ ትኽእል፡

A. ገንዘባዊ ደገፍ ኣብታ ትበጽሓላ ዘለኻ ሃገር (ካል ኣይ ቀዳማዊ ደገፍ) ወይ
B. ናይ ዳግመ ምርኻብ ደገፍ ኣብ ከባቢ ገዛውቲ ወይ
C. ናይ ዳግመ ምርኻብ ደገፍ ን ነዊሕ ግዚያት ዝዓለመ፡

እቲ ናይ ምምላስ ኣማኻሪኻ ነዚ ብሓንሳብ ምሳኻ ብሙኻን ጠለብ ናይ REAG/GARP ከተቅርቡ ትኽእሉ። እ ተን ብ GARP ዝፍለጣ ወይ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘራ ሃገራት ዝመጹ ጥራይ ነዚ ጠለብ ከቕርቡ ይኽእሉ።

ተወሳኺ ሓበሬታታት ኣብ መርበት

3. “ተመሊስካ ዝርከቡ ሓደስቲ ዕድላት“

ተመሊስካ ዝርከቡ ሓደስቲ ዕድላት ዝብል መደብ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪን ኤኮኖሚካዊ ምትሕብባርን ምዕባለትን (BMZ). ዝተዳለወ እዩ። ምስ ካልኦት ኣጀንሲስ ብምትሕብባር ናይ ዳግመ ምርኻብ ሓገዝ ነቶም ናብዘን ዝስዕባ ሃገራት ክምለሱ ዝደልዩ ክወሃብ ይኽእል ኢዩ ፡ኣልባንያ፡ ኮሶቮ፡ ሰርብያ፡ ቱኒዝ፡ ማሮኮ፡ ናይጀርያ፡ ጋና፡ ሰነጋል፡ ኢራክ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኮምኡ ውን፡ ግብጺ ንዝተመልሱ እግሪ ኣብ ምትካል ይተሓባበሩ።

ሓበሬታታት ብመርበብ ሓበሬታ

ንወለንታዊ ምምላስን ናብ ዝተፈላለስዩ መበቆል ሃገራት ተመሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ዕድላትን ዝምልከቱ ሓበሬታታት፡ ኣብ ዘን ሃገራት ንምርካብ፡ www.startfinder.de ን www.ReturningfromGermany.de ተመልከት።

መስመር ሓበሬታ ብቴሌፎን:

ናይ ሃገራዊ ምሕደራ ንኣለያ ወጻእተኛታትን ዑቕበኛታትን (BAMF) መስመር ሓበሬታ ብቴሌፎን ብዛዕባ ናይ ረድኤት መደባትን፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ኣማኻሪ ሰንተር ዝምልከት ሓበሬታታትን ክህበካ ኢዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ቀልጢፎም ብዛዕባ ኣብ ዓድኻ ተመሊስካ እግሪ ንኽትተክል ዝምልከቱ መደባትን ክሕብሩኻ ኢዮም።

+49 911 943-0

ተሓባበርቲ ኣብ እግሪ ምትካል መደባት፡

እዚ ኦም ውልቃዊ ኣማኸርትኻ ምስቲ መደባት ናይ ምሕደራ ምትሕብባር ንምዕባሌ (Entwicklungszusammenarbeit) ኣብ ዓድኻ ክኾኑኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዓድኻ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝምልከት ይተሓባበሩኻ፡ ምስ ኣብኡ ዝርከቡ ኣማኸርቲ ናይ ስደተኛታት ኣብ ኣውራጃታት ትካላት የትኣሳስሩኻን፡ ብዛዕባ ንተመለስቲ ዘሎ ሓገዛት ሓበሬታ ይህቡኻ፡ ምሳኻ ሓቢሮም ናይ ፋይናንስ ሓገዛት ይሓቱልካን። ዝተሓባበርካ ሰብ ብኢ-መይል ክትሓትት ይከኣል፡ reintegration@giz.de

ንተመለስቲ ዘማኽራ ሰንተራት፡

ኣብ ጀርመን ካብ 1000 ንላዕሊ መንግስታውያን ዘይመንግስታውያንን ንተመለስቲ ዘማኽራ ሰንተራት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ብወለንትኦም ክምለሱ ንዝደልዩ ወጻእተኛታት ብውልቀን ብዘይ ተጽዕኖን ብንጹህ ሕልና የማኽራ። ክልተ ንተመለስቲ ዘማኽራ ሰንተራት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ረቢበን ይርከባ።

  1. ካብ ጀርመን ንዝምለሱ፡ https://www.returningfromgermany.de/centres
  2. መደባት እግሪ ምትካል፡ https://www.integplan.de/Advisory-Centres.635.0.html?&L=1

4. ናብ ኮሶቮ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ? URA ኣብኡ ኮይኑ ክተሓባበረኩም እዩ

መንግስቲ ጀርመን ምስ ዝተፈላለዩ ዞናታት (ኣውራጃታት) ብምትሕብባር ንመደባት UR2 ኣብ ኮዞቮ ይሕግዝ። እዚ ፕሮጀክት ብቋንቋ ኣልባንያ “ድንድል” tebahilu ytrgom፡ ካብተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ንዝምለሱ ድማ መንነት ብሄሮም ኮነ መምለሲኦም ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ጭብጢ ዝኾኑ ኣብ ግብሪ ዝትርጎሙ ወይ ዝተሓዙሓገዛት ኣብ ቦትኦም የበርክቱሎም፡ ኮምኡ ውን፡ ማሕበራውን ሞራልውን/ሳይኮሎጂካል ምኽርታትን ይገብረሎም፡ መታን ኣብ ሕብረተሰብ ናብ ኮዞቮ እግሪ ክተክሉ ክኽእሉ። ብተወሳኺ እዛ ፕሮጀክት ፋይናንሳዊ ረድኤታት፡ ዝውንንዎ መንበሪ ገዝኦም ንኸምለሰለሎም ዘድሊ ወጻኢታት ይምልኡሎም፡ ክራይ ገዛ፡ መሃያ ወይ ውን ትካል ኣብ ምምስራትን ናይ ቋንቋ ትምህርትን፡ መምሃሪ መጽሓፍትን ኣብ ምርካብ ይተሓባበርዎም።

5. ተሓባበርቲ ጥርናፈ ኤውሮጳውያን ትካላት ንዝምለሱ መትከል እግሪ (ERIN)

ካብ . . . ዲኻ መጺእካ?

ኣፍጋኒስታን፡ ኣርመንያ፡ ኢትዮያ፡ ጋና፡ ጋምብያ፡ህንዲ፡ ዒራቕ፡ ማሮኮ፡ ናይጄርያ፡ ፓኪስታን፡ፌደራል ሩስያ ስሪ ላንካ፡ ኡክራኢነ፡ ሶማልያ

ከምኡ እንተኾይኑ፡ ናይ ዳግመ ምጽናባራት ኣገልግሎታት ናብ ሃገርካ ክህሉ ይኽልእል ኢዩ።

ናይጥርናፈ ን ምምላስን ኦይሮጳውያን ትካላት ንዝምለሱ መትከል እግሪ ተሓባበርቲ (ERRIN) ሓባራዊ መደባት ናይ ዝተፈላለዩ ኦይሮጳውያን መላፍንቲ ሃገራት እዩ። እቲ መደብ ዕላማታቱን ሽቶኡን ንምቅልጣፍ ንነብስወከፍ ድሕሪ ናብ ዓዲ (ናብ ስሉስ-ሃገር) ምምላስ ንግዲ ኣብ ምትካልን ማሕበራዊ ሓገዛትን ረድኤት እናኣቕረበ ይሕግዘካ። ኮምኡ እውን ምስ ስሉስ-ሃገራት ዘተ የተባብዕ፡፡

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 10.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017