ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሃገረ-ጀርመን = መሰል ናይምጽንባር፥

ኣይፋል። ዝዀነ ይኹን ኣብ ሃገረ-ጀርመን ምስ ዝ(እት)ርከብ መጻምድቱ ክጽንበር ዝ(እት)ደሊ ሰብ፡ ገለ ቅድመ-ኵነታዊ ረቛሒታት ከማልእ ይግባእ።

እቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክግበር ዘለዎ፡ ቪዛ ናይ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤት ጠለብ ምግባር እዩ። እዚ ንኽወሃበብ፡ ዝምልከቶም መጻምድቲ ቅቡልብሕጊ ከምዝተመርዓዉን፡ቅቡል ወይ ሕጋዊ ናይ መርዓ ወረቀት ከምዘለዎምን ኣብ ጀርመን ብሓባር ንኽነብሩ መደብ ከምዘለዎምን ጭብጢ ከቕርቡ ይግባእ። ክልቲኣቶም መጻምድቲ ንሕጋዊ ዕድመ ብጽሕና ዝኣኸሉ ክዀኑ ይግባእ። ብዘይካ`ዚ፡ እቶም መጻምድቲ ብገንዘብ ዝመጸ ርእሶም ከምዝኽእሉ ብጭብጢ ከረጋግጹ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ብዘይ ዝኾነሓገዝናይ ኣውራጃ፡ ናይ ክልቲኣቶም ወጻኢታት መነባብሮን መድሕንን ክሽፍኑ ክኽእሉ ኣለዎም ማለት እዩ። እቲ እቶም መጻምድቲ ኣብ ጀርመን ንኽቕመጡሉ ዝሓዝእዎ መንበሪ ገዛ ድማ እኹል ምዃኑ ክረጋገጽ ኣለዎም።

ናብ ሃገረ-ጀርመን ክግዕዙ ዝደልዩ መጻምድቲ እውን ዝተፈላለዩ ወግዓውያን ቅድመ-ኵነታዊ ረቛሒታት ከማልኡ ይግባእ። ንኣብነት፡ ብወገን ዝምልከቶ/ታ መጻምድቲ መረጋገጺ መንነት ዝዀነ ወረቐት ክቐርብ የድሊ። ብተወሳኺ፡ ተቐባልነት ዘለዎፓስፖርት ወይ ተቐባልነት ዘለዎ ከም መተካእታ ፓስፖርት ዘገልግል ሰነድ እውን የድልዮም። እቲ/ታ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ምስ ዝ(እት)ነብር መጻምድቱ/ታ ንኽ(ት)ጽንበር ዝ(እት)ደሊ መጻምድቲ፡ መሰረታዊ ምልከት ቋንቋ ጀርመን ክህልዎ/ዋ፡ ከምኡ`ውን ነዚ ዝምልከት ምስክር ወረቐት ቋንቋ ክ(ት)ውንን የድሊ። እዞም ኣድለይቲ ጠለባት ድማ ኣብቲ ጠለብ ዝግበረሉ ሃገር ናይ ጀርመን ተወከልቲ ወጻኢ ሃገር ገጽ ናይ ወብሳይት፡ ክርከቡ ይኽእሉ።

እዞም ሕጋጋት እዚኣቶም ነቶም ዜግነት ናይ ጀርመን ይኹን ዜግነት ናይ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ዘይብሎም መጻምድቲ ዝምልከቱ እዮም። ሓደ ካብ መጻምድቲ ዜግነት ናይ ሃገረ-ጀርመን ዘለዎ ምስዝኸውን፡ብሓፈሻዊ ኣረኣእያ እቶም ቅድመ-ኵነታት ብመጠኑ ፍዅስ ዝበሉ ወይ ዝቀለለ ይኸውን። ስለዚ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዝበዝሐ እዋንገንዘብ ዝመጸ ርእሶም ከምዝኽእሉ ኰነ እኹል መንበሪ ገዛ ከምዘለዎም ብጭብጢ ከረጋግጹ ኣይግደዱን እዮም። ሓደ ካብ መጻምድቲ ዜጋ ናይ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ምስዝኸውን፡ ሕጊ ናጻ ምንቅስቓስ ናይ ዞባ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተተግባሪ ይኸውን።

እቲ/ታ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝ(እት)ነብር መጻምድቲ ዕቑብ/ቲ ስደተኛን ውሕስነት እተዋህቦ/ባን እንተዀይኑ/ና እሞ ኣብ ጉዳዩ/ያ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝተዋህቦ/ባ ምስዝ(እት)ኸውን፡ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ኵነታት ኣተጋባብራ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤት ተተግበርቲ ክዀኑ ይኽእሉ። ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ/ቲ ስደተኛ፡ ከምኡ`ውን መመልከቲ ናይ ስድራቤት ዳግመ-ምርኻብ ኣብ ግዚኡ ምቕራቡን ዘይምቕራቡን ድዩስ ካልኦት ረቛሒታት፡ ኣብ`ዚ ጉዳይ እዚ ወሰንቲ ጉዳያት ይዀኑ።

ንዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ዝህብ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ`ዚ ይርከብ፦ rumoursaboutgermany.info/rumours/do-all-refugees-in-germany-have-the-right-to-be-reunited-with-their-family-members.

ንዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ`ዚ ይርከብ፦ fap.diplo.de.

ነቝጣታት መርበብ ሓበሬታ ናይ ኤምባሲታትን ቈንስላትን ሃገረ-ጀርመን ከኣ ንጉዳያት ቪዛታትን ቅድመ-ኵነታት ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤትን ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ይርከበን እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 09.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 01.03.2019