ጀርመን፤ 25% ካብቶም ኩሎም እቶም ብ’ዓዲ-ጥልያን ጌሮም ን’አውሮጳ ዝአተው ስደተኛታት፤ ተቐባልነት ኽትህብ’ድያ?

አይፋልን ! ጀርመን’ን ኻልኦት ብዙሐት ሃገራት ናይ አውሮጳ-ሕብረትን፤ አብ’ማእከላይ ባሕሪ ሒይወት-ንምድሐን ተባሂሉ፤ ንግዚኡ ዝኸውን ሐደ-ዓይነት ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም ንኽጥቀሙ ተሰማሚዖም ኢዮም። ሃገር-ጀርመን፤ ካብ ዓዲ-ጥልያን ኽትቅበሎም ትደሊ፤ ሐደ ውሱን-ዝኾነ ኮታ ወይድማ ቁጽሪ ናይ ስደተኛታት የለን።

አብ’ታ ሒይወት ተድሕን ዘላ መርከብ ዝአትው ስደተኛታት፤ ስሞም ብድሕሪ ምምዝጋብ፤ ድሕሪ-ባይቶኦም ንምርግጋጽ፤ ቁጽጽር ይግበለርሎም። ብድሕር’ዚ ድማ፤ አብ’ሐጺር እዋን ክቕበላ ድሉዋት ናብ’ዝኾና ካልኦት ሃገራት ናይ አውሮጳ-ሕብረት፤ ይላአኹ። አብ’ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እተኻፈላ ሃገራት ከም ፈረንሳይ፤ ጀርመን፤ ጣልያን ኾምኡውን ማልጣ ኢየን።

ናብ ሃገር ጀርመን ዝተላእኹ ስደተኛታት፤ እቲ መስርሕ ናይ ዑቕባ-ምሕታት፤ አብ’ዝቐልጠፈ ኢዮም ዝጅምሩዎ። ምናልባት ሙሉእ-ዝኾነ ዑቕባ ንኽትወስዱ መሰል እንተዘይሃሊዩኩም፤ አብ’ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ናይ ትውልዲ-ሃገርኩም ኽትላአኹ ኢኹም።

እዚ ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም ዘገልግለሉ ግዜ፤ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ/Okt. 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ፤ ንሽድሽተ-ወርሒ ኢዩ። እዚ’ድማ፤ ብስምምዕ ናይ’ቶም ተኻፈልቲ-አካላት፤ ክናዋሕ ይኽእል’ዩ። እቲ ቑጽሪ ናይ ስደተኛታት ኻብ-መጠን ንላዕሊ ምስ’ዝውስኽ ግን፤ ዝኾነት ሃገር፤ ነቲ ስምምዕ ብ’ናታ ወገን ከተቋርጾ ትኽእል’ያ።

ብኽብረትኩም ሕሰቡሉ፡ እዚ ግዝያዊ-ዝኾነ ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም፤ ነዚ ምስ’ዚ ንሒይወትካ ሐደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ናይ ማእከላይ-ባሕሪ ዝተሐሐዙ ስግአታት፤ ዝቕንስ አይኮነን።

 

ዝያዳ ሐበሬታ ትረኽቡሉ አብ፡

https://www.bmi.bund.de/SharedDocs/kurzmeldungen/EN/2019/09/agreement-malta-on-temporary-emergency-mechanism.html

ብዛዕባ ገበነኛ ዝኾኑ ተግባራት ናይ ንግዲ-ደቂ’ሰባት/ደቂ’ሰብ-ምስግጋር ብዝምልከት፤ አብ’ትሕቲ፡

https://www.infomigrants.net/en/post/19326/corruption-and-migration-in-italy-did-you-know-you-can-make-more-money-with-immigrants-than-with-drugs

ኻልእ፤ ብዛዕባ’ቲ ናይ አብ’ካልእ ሃገራት ተቐባልነት ንዘለዎም ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ መወዳእታ ምዕባሌታት ናይ ጀርመን ዑቕባ-መመልከቲ ዝምልከት ተወሳኺ ሐበሬታታት ትረኽቡዎ፤ አብ’ትሕቲዚ ዝቕጽል ኢዩ፡

https://www.infomigrants.net/en/post/15805/germany-eligible-to-deport-refugees-to-eu-countries-with-poor-living-conditions

ብዛዕባ ምትኽኻል ናይ ዑቕባ-መመልከቲ ሐላፍነት ትወስድ (ናይ ዳብሊን መስርሕ) ሀገር ናይ አውሮጳ-ሕብረት ወይድማ ኖርወይ፤ አይስላንድ፤ ስዊዘርላንድ ወይድማ ሊሽተን’ሽታይን፤ አብ’ትሕቲዚ ዝቕጽል ኢዩ፡

http://www.bamf.de/EN/Fluechtlingsschutz/AblaufAsylv/PruefungDublinverfahren/pruefung-dublinverfahren-node.html

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 07.11.2019 ዝተሓትመሉ፥ 29.10.2019