icon-share
Go to main content

ብዛዕባ

እዚ መርበብ ሓበሬታ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጀርመን ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝዝርግሖ ምእኩል ናይ ሓበሬታ ጎስጓስ እዩ፡ ክብገሱ ንዝምድቡ ኮነ ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ጉዕዞ ንዝርገቡ ሕብረተ ሰባት፡ ኣብ ግጉይን ዘይተረጋገጸን ብደላሎ ዝምመሓላለፍ ሓበሬታት ከይምርኮሱ ንምድሓን ዝኣመተ እዩ።

ዕላማ እዛ መርበብ፡ ንምስንባድኩም ዘይኮነትስ ንሓበሬታኹም እዩ። ጉዕዞ ንኦይሮጳ ብሓደገኛ መንገዲ ምውሳን ቀሊል ውሳኔ ኣይኮነን፡ ስለዚ ውሳኔኻ ኣብ ጭብጢታት ዝተመርኮሰ እንበር ኣብ ዘይተረጋገጸ ወረ ዝተመርኮሰ  ክኸውን የብሉን። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ብዙሓት ተጉዓዝቲ ኣብ ዘይተረጋገጸ ወረ ተመርኪሶም ናብ ኦይሮጳ ይብገሱ።

እዛ መርበብ ሓበሬታ፡ ሓቀኛ ኩነት ተጉዓዝቲ ናብ ኦይሮጳ ብምሕባር ንዝዝርጋሕ ዘሎ ዘይተረጋገጸ ወረ ክትምክት ትእምት። ወጻኢታ መጉዓዝያን፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሙ ሓደጋታትን፡ ሕጋውን ተግባራውን መስርሓት ኣተሓትታ ዑቕባ ኣብ ጀርመን፡ ምስኡ እውን፡ ንመን ዑቕባ ክወሃብ ይከኣል፡ ንመንከ መሰል ዑቕባ ከይረኸበ ንዓዱ ክምለስከ ይግደድ ዘጠቓለለ ሓበሬታ ኣለዎ።

ብተወሳኺ እዛ መርበብ ሓበሬታ ኣብ መንገዲ ጐዕዞ ናብ ኦይሮጳ ንዝርከቡ፡ እሞ ካልእ ኣማራጺ ጉዕዞ ወይ ውን ናብ ዓዶም  ክምለሱ ዝኽእሉ መንገዲ ኣብ ምድህሳስን፡ ረድኤት ኣብ ምርካብን ሓበሬታ ትህብ። ተወሳኺ ብተመሳሳሊ ኣገባብ እዛ መርበብ ሓበሬታ ንኣብ ጀርመን ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት በወለንትኦም ንዓዶም ንኽምለሱ ናይ ረድኤት መደባት ኣበይ ከምዝረኽቡ ትሕብር።
ብሓፈሽኡ፡ እዛ መርበብ ሓበሬታ፡ ሃገረ ጀርመን ንስደተኛታትን ወጻእተናታትን ዓዶም ገዶፎም ንኽስደዱ ዝግድድዎም  ብድሆታት ኣብ ምግጣም ዘለዋ ተበግሶን ተወፋይነት፡ ንኣብነት፡ ጀርመን ዘለዋ ተወፋይነት ኣብ ምብርካት ሰብኣዊ ረድኤትን ምትሕብባር ኣብ ምድንፋዕ ልምዓትን ምዕባለን ኣጉሊሓ ብምቕራብ ትሕብር።

ናብ ጸፍሒ ተመለስ