ሃገረ-ጀርመን ንዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ ካብ ዝሰማምዓ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።

©UNHCR / ዳያና ዲያዝ

ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ እዋን ዝዀነ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ (GRF)፡ ንዕለት 17ን 18ን ታሕሳስ 2019 – ኣብ ጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ክካየድ እዩ። ዓመት ድሕሪ ምጽዳቕ ዓለም-ለኻዊ ውዑል ዕቑባት ስደተኛታት (GCR)፡ (GCR) ነቶም ዝረቐቑ ሸቶታት/ዒላማታት ንምትግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ዕድል ክፈጥር ክኢሉ። ከም ተሳማማዕቲ ሃገራት መጠን – ጀርመን፡ ኢትዮጵያ፡ ፓኪስታን፡ ኮስታ-ሪካን ቱርኪን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዳይ ኵነታት ዕቑባት ስደተኛታት ኣተኲርካ ኪውሰዱ ዝግባእ ዝሓየሉ ሓባራውያንን ዓለም-ለኻውያንን መልሰ-ግብርታት ድርኺት ኣብ ምፍጣር ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. (UNHCR) ብሓባር ኰይነን ይሰርሓ ኣለዋ።

ሸቶ ናይ’ዚ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ፡ ኣብ መዳይ ትግባረ ዓለም-ለኻዊ ውዑል ዕቑባት ስደተኛታት ድርኺት ከምዝበጋገስ ብምግባር፡ ኣብ ሞንጎ ዕቑባት ስደተኛታት ኰነ ኣዕቈብቲ ሃገራት ዝያዳ ምቕሩሕ ዝዀነ ሰኸምን ሓላፍነትን ንኽህሉ ምርግጋጽ እዩ።

#ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት መጋባኣያ፦ ቅጽበታዊ መልሰ-ግብርን ንነዊሕ እዋን ዝዀኑ ፍታሓትን

  1. ተሳተፍቲ GRF ኣብ’ዞም ሽዱሽተ ቴማውያን ሸነኻት ኣርእስቲ ከም ጽምዶኣውያን ተሰከምቲ ሓላፍነት ኰይነን ንኽዋስኣ ዕድመ ይግበረለን፦
  2. ተኻፋልነት ኣብ ሰከም
  3. ትምህርቲ
  4. Eጸዓትን ትሕተ-ቅርጽን
  5. ዕድላት ስራሕን ገንዘባዊ ኣታዊን
  6. መጽለልን ምምዕባል ዓቕምን
  7. ንነዊሕ እዋን ዝዀኑ ፍታሓት

ኣብ እዋን ምክያድ ናይ’ዚ መጋባኣያ እዚ፡ ነፍሲወከፍ ቴማዊ ሸነኽ ኣርእስቲ ብመልክዕ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ዝርርብ፡ ጐድናዊ ኣጋጣሚ/ውራይ፡ ከምኡ’ውን ብመልክዕ ኣቓልቦ ሚድያ ዝተዋህቦ ክፍለ-ግዜ ክቐርብ እዩ።

ዓለም-ለኻዊ ውዑል ዕቑባት ስደተኛታት (GCR) ብዛዕባ እቲ ኣብ መዳይ ኵነታት ዕቑባት ስደተኛታት ኣተኲርካ ክግበር ዝግባእ ምዝናቕ ኣወሳስዳ ሓላፍነት ዝመጸ፡ ዝያዳ ትንበያዊ ገምጋም ከረጋግጽ ዝኽእል ስርዓተ-ሕጊ ኰይኑ፡ ኣብ ዓመተ-2018 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ እዩ። GCR https://www.unhcr.org/gcr/GCR_English.pdfብመሰረት ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሃገራት፡ ዓለም-ለኻውያን ውድባት፡ ዕቑባት ስደተኛታት፡ ሲቪላዊ ማሕበረ-ሰብን ብሕታዊ ጽላትን – ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ሰፊሕ ምምይያጥ ዝጸደቐ እዩ። እዚ ዓለም-ለኻዊ ውዑል እዚ ብዘይ ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ኵነታት ዕቑባት ስደተኛታት ዝመጸ ዘላቒ ዝዀነ ፍታሕ ክረጋገጽ ከምዘይከኣል ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ሓንቲ ኣባል ዝዀነት ሃገር ቅኑዕ እዩ ንዝበለቶ ስጉምቲ መሪጻ ንኸተተግብር ኰነ ደረጃ መጠን ናይ’ቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ንኽትውስን፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ ውሳኔ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ትስከም እያ። ትግባረ ኣብ ወለንታዊ ኣበርክቶ ዝምርኮስ ኰይኑ፡ ብመንጽር ስነ-ሕጊ ቀያድነት የብሉን። ሃገረ-ጀርመን ኣብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ልዕሊ እቲ ዝድለ መጠን ዝኸዱ ትግባረታት ኣለውዋ።

YouTube

Mit dem Laden des Videos akzeptieren Sie die Datenschutzerklärung von YouTube.
Mehr erfahren

Video laden

 

ሃገረ-ጀርመን ንዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ ካብ ዝሰማምዓ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ንዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ ካብ ዝሰማምዓ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ከም ምዃና መጠን፡ ካልኦት ሃገራት ኣብ መዳይ ኣተሓሕዛ ኵነታት ዕቑባት ስደተኛታት ኰነ ምውሃብ ደገፍ ነቶም ኣዕቈብቲ ኮማት፡ ዝያዳ ተሳተፍቲ ንክዀና ኣብ ምውፋረን ትርከብ። ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዝነጥፍ ቴማዊ ጕጅለ፡ ዋሕስ ኰይና ክትኣልዮ እያ። ብዘይካ’ዚ፡ ንጕጅለ ዕማም ናይ ሳልሳይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመርሕ እያ።

ከም ኣካል ናይ’ዚ እትወስዶ ዘላ ጽምዶኣዊ ስጉምቲ፡ ሃገረ-ጀርመን ሓደስቲ ደገፍቲ ናይ’ቲ ንዕቑባት ስደተኛታት ዘገልግል ኣካዳምያዊ ተበግሶ ኣልበርት ኣንስታይን ጀርመን (DAFI)፡ ከምኡ’ውን ፕሮግራም ላዕለዋይ ማህደረ-ትምህርቲ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር./UNHCR ተዋፍር ኣላ። ፕሮግራም DAFI፡ ኣብ መላእ ዓለምና ዝርከቡ ዕቑባት ስደተኛታት ተጠቀምቲ ዕድላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንክዀኑ ቀንዲ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ዓመተ-1992 ካብ ዝምስረት ንዳሓር ብቐሊሉ ዘይጥመት ዕብየት ከርእይ ክኢሉ ኣሎ። ዛጊት 15,500 ተማሃሮ፡ ኣብ ልዕሊ 50 ዕቝባ ዝሃባ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ኣትዮም ንኽመሃሩ ደገፍ ገይሩ ኣሎ።

ሃገረ-ጀርመን – ኣአንጋዲትን ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር./UNHCR ደገፍ እትገብር ኣገዳሲት ሃገርን

ጀርመን፡ ሓምሸይቲ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ዘለዎም ዕቑባት ስደተኛታት ዘስፈረት፡ ከምኡ’ውን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝዀነ ትካል ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር./UNHCR ልግሲ ካብ ዝገብራ ካልኣይቲ ዝዓበየት ሃገር። እዚ ዕቑባት ስደተኛታት ይኹኑ እቶም ዘዕቍብዎም ኮማት ደገፍን ውሕስነትን ከምዝረኽቡ ኣብ ምግባር ዝዓለመ ጽምዶኣዊ ተበግሶ እዚ፡ ሰፊሕ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ዘለዎ እዩ።

ቀንዲ ሓቃዊ ነጥብታት

  • 1ይ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ፦
17/18 ታሕሳስ 2019 ኣብ ጀኔቫ (ስዊዘርላንድ)
  • ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ፡ ፓኪስታን፡ ኮስታ-ሪካን ቱርኪን ብምዃን፡ ንዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ እትሰማማዕ ዘላ ሃገር እያ። ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር./UNHCR ከምኡ’ውን ሃገረ-ስዊዘርላንድ ነዚ መጋባኣያ እዚ የአንግድዎ ኣለዉ።
  • ኣቐዲሙ ትንበያዊ ግምት እተወስደሉ ውጽኢት፦ ንዕላማታት ዓለም-ለኻዊ ውዑል ዕቑባት ስደተኛታት (GCR) ድርኺት ክፈጥሩሉ ዝኽእሉ ጭቡጣት መብጽዓታትን ኣበርክቶታትን።
  • እዚ ንዕቑባት ስደተኛታት ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ መጋባኣያ እዚ፡ ነገራዊ ቀረባትን ዕዮታትን ናብ ምርግጋጽ ትግባረ ዓለም-ለኻዊ ውዑል ዕቑባት ስደተኛታት ገጾም ከምዝቐንዑ ምግባር ኣብ ዝብል ዕላማ ብምትኳር፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣርባዕተ ዓመታት ክካየድ እዩ።
  • ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ዘን ኣባላት ዝዀና ሃገራት ኣብ ነፍሲወከፍ ክልተ ዓመታት ክጋብኡን ኵነተ-ገስጋስ ክከታተሉን እዮም።
  • ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓመታዊ፡ ገስጋሳዊ ጸብጻብ ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ፦

መንግስቲ ሃገረ-ጀርመን
https://www.bundesregierung.de/breg-de/themen/migration-und-integration
(ኣብ ጀርመን)

ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ
https://www.auswaertiges-amt.de/en/aussenpolitik/themen/migration
ትዊተር፦ @GermanyDiplo #RefugeeCompact #RefugeeForum

ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር./UNHCR
https://www.unhcr.org
https://www.unhcr.org/global-refugee-forum.html
https://www.unhcr.org/dach/de/was-wir-tun/globaler-pakt (ኣብ ጀርመን)
https://www.unhcr.org/the-global-compact-on-refugees.html
ትዊተር፦ @refugees #RefugeeCompact #GCR #RefugeeForum

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 13.01.2020 ዝተሓትመሉ፥ 16.12.2019