ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ምስ ዝንጸግ ተገዲድካ ክትምለስ ትኽእል’ዶ?

መኪና ሓለዋ ዶብ ተኸታተልቲ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ዕለት 14.12.2016 ድሕሪ ሓቲ ኣየር ኣብ ፍራንክፎርት ኣም ማይን (ሄሰን) ጠጠው ኢላ ኔራ። ማሕበር ረድኤት ሓተቲ ዑቕባ – ፕሮ ኣዝዩልን – መዓከን ዜናንታት ከምዝሓበርኦ፡ ሮቡዕ ምሸት 50 ደቂ ኣፍጋኒስታን ዝሓዘት ኣየር ካብ ፍራንክፎርት ነቒላ ንካቡል ተበጊሳ። ሃገራዊ ፖሊስን ኣመሓዳሪ መዕለቢ ነፈርቲ ፍራፖርትን ንግዴታዊ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ፈቓደኛታት ኣይነበሩን፡ ሃገራዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሕተተሉ ግን ሓቢሮም። ስእሊ፡ ቦሪስ ሮስለር/ድ ©dpa
መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 07.05.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017