መንእሰያት ስደተኛታትን ቅልስ ኣንጻር ወራር ኮቪድ-19ን

ተመሃሪት DAFI (ዳፊ) ኣብ ኬንያ ዝኾነት ኣድሂዩ ሳሙናን ናይ ገጽ ማስክን ን መዓስከር ስደተኛታት ተፍሪ።

ስደተኛታትን ዝነብርሉ ሕብረተሰብን ኣከባብን ዝያዳ ኹሉ ን ኮቪድ-19 ተነቀፍትን ቅሉዓትን ይኾኑ። ዝተወሰኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራይ ዝመጹ ጉጅለ ስደተኛታት መንእሰያት ነዚ ተስፋ ዘቁርጽ ዝመስል ሓደገኛ ሕማም ክቃለስዎ ይፍትኑ። ንሳቶም ኣብ መንእሰያት ዘተኮረ ኣንጻር እዚ ቫይረስ ዝቀንዐ ወፍሪ ጀመሩ። መብዛሕትኦም ዉፉያት ኣባላት ናይዚ ጉጅለ ድማ ተመሃሮን ምሩቃትን ናይ ማህደረ ትምህርቲ UNHCR ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ብ DAFI (ዳፊ) ዝፍለጥ ፕሮግራም ዮም። ብቀረባ ንኣብ ኬንያ ዘሎ ኩነታት ንከታተል።

ዜጋ ደቡብ ሱዳን ዝኾነት መንእሰይ ኣድሂዩ ንነብሳ ብጣዕሚ ዕድለኛ እያ ትገልጻ። እዚ ኣገራሚ ዝገብሮ ድማ ካብ ሃገራ ብሰንኪ ዘሎ ሓድሕድ ውግእ ኣምሊጣ ክትስደድ ምግዳዳን ከም ኩሎም ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ዝገጥሞም ኣደራዕን ኣፈላላይን ክወርዳ ብምኽኣሉ ዩ። ንሳ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ካብ ሃገራ ምስ ተሰደደት ኣብ ጎረቤት ሃገራ ዝኾነት ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ክትቅመጥ ያ ተገዲዳ። ዕድለኛ ዝገብራ ድማ ኣብቲ ግዜቲ ምስ ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ክትላለ ምብቅዓ ዩ። [https://rumoursaboutgermany.info/facts/dafi-programme/]. እዚ ዝተጠቅሰ ናይ UN (ውዱብ ሕቡራት) ናይ ስደተኛታት ወኪል ካብ ናይ ጀርመን ፈደራላዊ ፎሬን ኦፊስ (Germany’s Federal Foreign Office) ብዝረኽቦ ባጀት ንመንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ዝነብርሉ ሃገር ናይ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲትን ማህደረ ትምህርቲ ብነጻ ይህብ። ኣድሂዩ ድማ ከም ካልኦት ተመሃሮ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ብምርካብ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጆሞ ኬንያታ ብ ዓውዲ Commerce (ኮመርስ) ትምህርታ ዛዚማ ኣብ ዓመተ 2022 ንክትምረቅ ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብ። ቅድሚ እዚ ኣብዚ ግዜ ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ን ከምኣ ደቀንስትዮ ብ ሜላታት ቢዝነስ ወይ (entrepreneurial skills) ክትምህርን ክተሰልጥንን በቂዓ እያ።

ተመሃሪት DAFI (ዳፊ) ዝኾነት ኣድሂዩ ባዕላ ዝሰርሓቶ ናይ ገጽ ማስክ ንካልኦት ስደተኛታት ትዕድል።

ብገዛእ ርእሳ ዝተሰርሐ ናይ ገጽ ማስክ፡ ሳምናን ቨንቲለይተርን

ኣድሂዩ ትነብረሉ ሕብረተሰብ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓለማዊ ቫይረስ ክጽሎ ምስ ጀመረ ብቅልጡፍ ገለ ንእሽተይ ሓገዝ ከተበርክት ከም ዝተበገሰት ያ ትገልጽ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ድማ ልዕሊ 3000 ማስክ ብምስራሕ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ክትዝርግሕ ክኢላ። እዛ መንእሰይ ብወለንትኣ እዚ ዝተጠቅሰ ሓገዝ ድሕሪ ምብርካታ፡ “ዝኾነ ክተበርክቶ እትኽእል ሓገዝ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ብቅልጡፍ ግበሮ ምኽንያቱ እቲ ትኽክለኛ ግዜ ሕጂ ዩ” ትብል። ብድሕሪ እዚ ኣድሂዩ ብኸመይ ብዘይ ቴክኒካዊ መሳርሒ ወይ ማሽን ብቀሊሉ ሳምና ከም ዝስራሕ ብገዛእርእሳ ድሕሪ ምጽናሕ ንጽሬትን ንጽህናን ሓጋዚ ዝኾነ ሳምና ከተፍሪ ከኣለት። ንሳ ዝኾነ ገባሪ ሰናይ መሰረታዊ ሳምና ዘፍሪ ማሽን ክቅርበላ ምስ ዝኽእል ብብዝሒ ሳምና ብምፍራይ ንነብሳን ንኩሉ ትነብረሉ ሕብረተሰብን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ምዃኑ ትገልጽ። ንሳ በዚ ደው ከይበለት ንካልኦት ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ስደተኛታት ተመሃሮ ዉን ን ሕሙማት ኮቪድ-19 ንመተንፈሲ ሓገዝ ዝውዕል ቬንትሌተር ከፍርዩ ከተተባብዕ ጀመረት። ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ ትውልዲ ሃገራን ናብ ካልኦት መዓስከራት ስደተኛታትን ክውዕሉ ዝኽእሉ ብቀሊሉን ብቀረባን ክርከብ ብዝኽእል ነገራት ተጠቂሞም ኣብ ምስትንፋስ ትሕግዝ ቬንትሌተር ክሰርሑ በቂዖም ኣለዉ።

ኣተኩሮ ናብ ኣብነተውያንን ዉፉያትን ተመሃሮን ኣበርክትኦም ኣብዚ ለበዳ ሕማምን

ኣባላት ናይ Global Youth Advisory Council (ዓለማዊ ኣማኻሪ መንእሰያት ካውንስል፡ GYAC)ን፡ ብ ተመሃሮ ዝምራሕTertiary Refugee Student Network (ስሉሳዊ ናይ ስደተኛታት ተመሃሮ ኔትዎርክን፡ TRSN) ከም ናይ ኣድሂዩ ዝመሰለ ኣብነታዊ ስራሕ ናይ ዝሰርሑ ስደተኛታት ተመሃሮ ዛንታ ክእክቡ ጀመሩ። እዚ ብ ቪድዮ፡ ስእሊን ጽሑፍን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ጀሚሩ ዘሎ ናይዞም ኣብነታውያን ተመሃሮ ስራሕ ድማ ዕላምኡ ኣዎንታዊ ስራሕ ናይ ስደተኛታት ተመሃሮን ክግለጽን ንካልኦት ተመሃሮ ድማ ስጉምቲ ንክወስዱ (ብሕክምናዊ ምርምር ዝተደገፈን ብውሑስን መንገዲን) ንከተባብዕን ዩ። ገለ ሓጸርቲ ኦንላይን ቪድዮታት ድማ ንኣሽቱ ስደተኛታት ንሰራሕተኛታት ሕክምና ክሕግዝዎምን፡ ንካልኦት ብወለንትኦም ከሰልጥንዎምን፡ ከምኡ ዉን ኣብ ሓደጋ ንዘለዉን ተነቀፍትን ሰባት ሓገዝ እንሃቡ ይርኣዩ። ንተኸታተልቲ ናይቲ ቪድዮ ድማ ሼር ክብልዎን ናይ ገዛእ ርእሶም መሃሪ ቪድዮ ክሰርሑን የተባብዑ።

https://www.unhcr.org/stories.html

Follow (ፎሎው): @UNHCR_GYAC @StudentRefugee

https://sites.google.com/view/trsn/home

ምሩቅ ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ዝኾነ ነርስ ዒራቃዊ ሞሀይማን ንኢራናውያንን ንስደተኛታት ብጾቱን ብዘይ ዕረፍቲ ኣብዚ ናይ ኮቪድ-19 ለበዳ ኣብ ምትሕግጋዝ ይርከብ

መንእሰይ ስደተኛ “ሞሀይማን ኣልክሃታቪ” ኣብ ውሽጢ እቲ ከም ነርስ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ንሕሙማት ኮቪድ-19 ሓገዝ ክህብ ይርአ። ንሱ ናይ ነርስ ግቡእ ክዳን ብምልባስ፡ ገጹ ዉን ብማስክ ብምሽፋን፡ ኣብ ክሳዱ ስቴተስኮፕ ብምንጥልጣል ስርሑ የካይድ።
©UNHCR

“ድሌተይ ኣወንታዊ ለውጢ ምምጻእ ዩ…………”

“ሞሀይማን ኣልክሃታቪ” ወዲ 24 ዓመት ዒራቃዊ ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ኣባዳን ከተማ ኩዘስታን ናይ ኢራን እስላማዊ ሪፓፕሊክ ንሸነኽ ደቡባዊ-ምዕራብ “ቴለግሃኒ” ኣብ ዝብሃል ሆስፒታል ከም ነርስ የገልግል።
“ሞሀይማን” ኣባል ናይ ሓንቲ ብጻዕቂ ትሰርሕ ግሩፕ ነርስ ኮይኑ ብ ሺፍት እናተቀያየሩ ሰሙናዊ ክሳብ 50 ንዝበጽሑ ክውሸቡ ንዝመጹ ተሓከምቲ ብምቅባል ክሳብ ውጽኢት ኮቪድ-19 ዝመጽእ ይከናኸኑ። ንሱ ብስሩዕ ናይ ተሓከምቱ ኣተነፋፍሳን ካልእ ምልክታትን እናተኻታተለ ዝግበኦም መድሃኒት እንሃበን ካብ ቃንዛ ክናገፉ ይሕግዞም። “ሞሀይማን” ኣቡኡ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመታት ብሰንኪ ስእነት ውሕስነት ካብ ከተማ ኣማረህ ደቡባዊ ምብራቅ ዒራቅ ሃዲሙ ናብ ኣህዋዝ ኢራን ብስደት ምስ መጸ ተወሊዱ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ ከኣ ብ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ዝምወል ናይ UNHCR DAFI (ዳፊ) ማህደረ ትምህርቲ ብ ነርሲን ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ትምህርቱ ክከታተል በቂዑ። ንሱ “ ከም ዝዝክሮ መብዛሕትኡ ሰብ ስደተኛ ብምዃነይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር ክሓስቦ ከም ዘይብለይን፡ እንተኽኢለ ቀሊል ናይ ንግዲ ትምህርቲ ክወስድን ይመኽረኒ ኔሩ” ይብል። ቀጺሉ “ኣነ ግን ኣብ ሂወት ሰባት ኣዎንታዊ ለውጢ ከምጽእ ዩ ድሌተይ” ይብል።

https://www.unhcr.org/ph/18521-covid19-refugeenurse.html

ናይ ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ምርቅቲ ርዋንዳዊት ነርስ “ባሃቲ” ናይ ቅድመ ምረቃ ግዜኣ ኣብ ሆስፒታል ናይሮቢ ናይ ምሸታዊ ክፍለግዜ ንኬንያውያን ናይ ኮቪድ-19 ተሓከምቲ ትኣሊ

እዛ ኣብ ስእሊ ትርአ ርዋንዳዊት ነርስ “ባሃቲ” ሰማያዊ ናይ ነርስ ክዳን ተኸዲና፡ መሸፈኒ ጸጉሪ ጌራ፡ ማስክ ከኣ ን ሓጺር ዕረፍቲ ኣብ ክሳዳ ተንጠልጢሉ። ስእሊ ንምውሳድ ፍሽኽ ኢላ ትርአ።
©UNHCR

“ነርስ ንምዃን ዝመረጽክሉ ምኽንያት ኩሉ ግዜ ኣብ ዝሕተተሉ ሓገዝ ንምሃብ ድልውቲ ንምዃን ስለ ዝደሊ የ።”

“ባሃቲ ኤርነስቲን ሃተገኪማና” ዕድመ 25 ብማህደረ ትምህርቲ DAFI (ዳፊ) ኣብ 2014 ብዝረኸበቶ ዕድል ነርሲን ኣብ ምጽናዕ ትርከብ። ንሳ ኣብ ርዋንዳ ድሕሪ ምውላዳ ኣብ 1996 ምስ ወለዳ ናብ ኬንያ ተሰዲዳ። ኣብኡ ድማ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ። ካብ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ትኾነሉ ግዜ ብወለንትኣ ምስ ‘ኣህጉራውያን ፊዚሻን ን ምክልኻል ንዩክሌራዊ ኩናትን ብድሕሪ ሳይንስ ዘሎ ጠንቂን’ ምስ ዝተባህለ ጉጅለ ትሰርሕ። ባሃቲ ኣብ 2019 ትምህርታ ብምዝዛም ተመሪቃ። ካብ 2020 ጀሚራ ድማ ብ UNHCR ኬንያ ኣብ ሃገራዊ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ውጥን ተቆጺራ ትሰርሕ ኣላ። ብተወሳኺ ንመንእሰያት ኣብ ምንቃሕ ትሰርሕ። ኣብ ናይ ሕክምና ኢንተርንሺፕ ግዚኣ ድማ ኣብ ሆስፒታል ናይሮቢ ትሰርሕ። ባሃቲ ንጥፍቲ ኣባል ናይ ስሉሳዊ ናይ ስደተኛታት ተመሃሮ ኔትዎርክን ኮይና ኣብ ኣንጻር ኮቪድ-19 ኣብ ዝግበር ብ መንእሰያት ዝምራሕ ቅልስ ድማ ኣበርክቶኣ ዕዙዝ እዩ።

https://www.unhcr.org/ph/18491-apr2020-enews-covid19refugees.html/bahati

ምሩቅ ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ተወላዲ ኮንጎ ዶክተር ጆናስ ኣብ ሆስፒታል ርዋንዳ ንምልክታት ኮቪድ-19 ዝተራእዮም ተሓከምቲ ይተሓጋገዝ።

ተወላዲ ኮንጎ ዝኾነ መንእሰይ ዶክተር ጆናስ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ቆይሙ ጻዕዳ ክዳን ብግቡእ ብምኽዳን፡ ስቴተስኮፕ ድማ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢሉ ይርአ።
ዶክተር ጆናስ ከም ሜዲካል ዶክተር መጠን ንሕሙማት ኮቪድ-19 ምቅልጡፍ ብምልላይ ሓገዝ ይህብ። ©UNHCR

”ካብ ዓባይን ዘይተማህረትን ስድራቤት እየ ተወሊደ። ትምህርቲ ኣብ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ዝህቦ ጥቅሚ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ብምስትውዓለይ ዩ ድማ ዝዓበየ ተበግሶይ።”

ዶክተር ጆናስ ወዲ 29 ዓመት ኮይኑ ኣብ 1996 ዝጀመረ ኪዚባ ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ጎቦታት ዝተደኮነን ናብ ቀላይ ኪቩ ዝጥምትን ናይ ርዋንዳ ዝገደመ መዓስከር ምስ ልዕሊ 17,000 ስደተኛታት ይቅመጥ ነበረ። እዚ መዓስከር እዚ ነቶም ካብ ጎረቤት ሃገር ዲሞክራስያዊት ሪፖፕሊክ ኮንጎ (DRC) ኣብ ዝነበረ ኩናት ሃዲሞም ዝመጹ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝተደኮነ እዩ። ካብ 2012 ጀሚሩ ናይ DAFI (ዳፊ) ተመሃራይ ዝነበረ ጆናስ ካብ 800 ተወዳደርቲ ተመሪጹ ክመሃር በቂዑ። ከምቲ ልዑል ትጽቢት ዝተገብረሉ ድማ ኣብ 2018 ብ ሜዲካል ዶክተር ክምረቅ በቂዑ። ኣብ መዓስከር ኪዚባ ወላ ዉን ኣብ ምሉእ ርዋንዳ ቀዳማይ ስደተኛ ብዓውዲ medicine (መዲሲን) ዝተመረቀ ክኸውን በቂዑ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ብዩምባ ዝተባህለ ዞባዊ ሆስፒታል ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት ብዝለዓለ ይሰርሓሉ ኣሎ። ንሱ “ብ ኮቪድ-19 ዝተጠርጠሩ ሰባት ብምውሻብ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ድማ ንዝለዓለ ሕክምናን ክንክንን ኣብ ፍሉይ ክፍልታት ንሰዶም” ይብል።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 28.08.2020 ዝተሓትመሉ፥ 16.06.2020