ናብ ሶማል ትምለስ ኣለኻ? ነዚ ዝኸውን ሓገዝ ኣሎ።

ፍሩታ ምምእራር ኣብ ሶማል ©dpa

ኤሌትሪሻን፡ ሞያውያን ምዕራይ ቱቦታት ማይ፡ ሞያውያን ስርሓት ብዕንጨይቲ ሞያ ህንጻ፡ ሰፈይቲን ካልእን። ዝተመልመሉ ሞያውያን ኣብ ኣርኣያዊት ከባቢ፡ ኪስማዓዮ፡

ካብ 1990ታት ኣትሒዙ 2 ሚልዮን ሰባት ብምኽንያት ውግእ ሓድሕድን፡ ግፍዒታት ወትሃደራዊ ጃንዳ ኣል-ሸባብ ወይ ውን ጥምየት ካብ ሶማል ሃዲሞም። ብዙሓት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ውን ኣብ ዘትኣማምን ከባቢታት ሶማል ጽላል ረኺቦም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን፡ ብዙሓት ሰባት ተመሊሶም።

ሓገዝ ንነኣሽቱ ትካላት

ዝኾነ ኣብ ደቡብ ሶማል ሞያ ክመሃር ዝደሊ ሰብ፡ ዕድል ኣለዎ። ከም ኤሌክትሪሻን፡ ምትዕርራይ ቱቦታት ማይ፡ ብዕንጸይቲ፡ ናይ ህንጻ፡ ሰፍየት ካልእን ዝተመልመሉ ሞያታት ክትምልመል ይኽእል። ጀርመን ምስ መላፍንቲ ትካላት ሓቢራ ንዜጋታትን ተመለስትን ኣብ ከተማ ክስማዓዮ – 70,000 ዝተመዛበሉ ሰባትን 3,000 ዝተመልሱን ኣብ ዘጽልሉላ ቦታ ናይ ሞያ ምልመላ ዕድል ፈጢረናለን። ንእሽቶይ ትካል ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት፡ መበገሲ ዝኾኖም ካፒታል፡ ምኽሪን ቀጻሊ ምትሕብባርን ትልግሰሎም። ብዝያዳ ሓገዛት ንበይኖም ስድርኦም ክናብያ/ዩ ዝግደዳ/ዱ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ይወሃብ፡ ምትዕርራይ ጽርግያታትን ድንድላትን ቱቦታት ማይን ንስደተኛታት ደቀባትን መናበሪኦም ዝኸውን እቶት ዝረኽቡሉ ዕድላት ይፈጥሩሎም፡፡ መስርሕ እዚ መደብ ንዘይተኾስከሰ ጎልጎል ይኹስኮስ። በዚ ኣገባብ ንነዊሕ ዝኣመቱ ዕድላት ይፍጠሩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 02.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017