icon-share
Go to main content

ሃገረይ ዜጋታታ ናብ ሃገራት ሸንገን ብዘይ ቪዛ ንኽንኣቱ ዘኽእል ስምምዕ ኣለዋ። ኣነ ከም ዜጋ ኣብ ሃገራት ሸንገን ንዝደለኽዎ እዋን ክጸንሕ ይኽእል ዶ?

ጀርመን ኣካል ሃገራት ሸንገን ከም ምዃና መጠን ን ዜጋታት ዝተወሰና ሃገራት ብዘይ ቪዛ ናብ ግዝኣታ ክኣትዉ ተፍቅድ ያ። እንተኾነ ግን ወላ ዉን ዜጋ እዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት እንተኾንካ ንዘይተወሰነ ግዜ ክትጸንሕ ግን ኣይፍቀደካን ዩ። ናብ ሃገራት ሸንገን ንክትመጽእ ቪዛ ዘድልየካ እንተኾይኑን፡ ቅድሚ ምምጻእካ ክትፈልጦ ዝግበኣካ ሕግታት ንክትፈልጥን ሓበሬታ ምውካስ የድልየካ።

ዜጋታት ሃገራት ሸንገን ብዘይ ቁጽጽር ፓስፖርት ካብን ናብን ዶብ ሸንገን ሃገራት ክሰግሩ ይኽእል ዮም። ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ምስ ዝኾኑ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ን ሓጺር ምብጻሕ ናብ ሃገራት ሸንገን ንክፍጽሙ ክሳብ ን 90 መዓልታት ዘገልግል ናይ ሸንገን ቪዛ የድልዮም። ብተወሳኺ ዜጋታት ገለ ሃገራት ናብ ሃገራት ሸንገን ንምጋሽ ቪዛ ዘይሕተቱ ኣለዉ። ገለ ካብዘን ሃገራት ንምጥቃስ ኣልባንያ፡ ቦዝንያን ሀርዘጎቪና፡ ሰሜን ማስዶንያ፡ ጆርጂያ፡ ማልዶቫ፡ ሰርቢያ፡ ዩክረይንን። ምሉእ ዝርዝር ናይተን ሃገራት ንምርካብ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል። https://ec.europa.eu/home-affairs/sites/homeaffairs/files/what-we-do/policies/borders-and-visas/visa-policy/apply_for_a_visa/docs/visa_lists_en.pdf

ሃገራት ሸንገን ንጀርመን፡ ኦስትርያ፡ በልጁም፡ ቸክ ሪፓፕሊክ፡ ዴንማርክ፡ ኤስቶንያ፡ ፊንላንድ፡ ፍራንስ፡ ግሪኽ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ጥልያን፡ ላቲቭያ፡ ሊቸተንስተይን፡ ሊትወንያ፡ ላክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ነዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ስሎቫክያ፡ ስሎቨንያ፡ ስፐይን፡ ስዊድንን ስዊዘርላንድን የጠቃልል።

ዜጋ ናይዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ምስ ትኸውን ን ነዊሕ ወይ ዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ሃገራት ሸንገን ምጽናሕ ከምዘይፍቀደካ ምስትውዓል ይግበኣካ። ልክዕ ከም ኣብ ሸንገን ንምጽናሕ ቪዛ ዝሓዘ ሰብ ክሳብ 90 መዓልታት ኣብ ነፍሲወከፍ 6 ወርሒ ክትጸንሕ ይፍቀደካ።

መደብካ ንነዊሕ እዋን ምጽናሕ ምስ ዝኸውን ግን ሃገራዊ ቪዛ ምሕታት ከድልየካ ዩ። ዝያዳ ሓበሬታን ምርጫታትን ንምርካብ ኣብ ሃገርካ ካብ ዘሎ ኤምባሲ ጀርመን ምርካብ ይከኣል። ቅድሚ ምጋሽካ ምሉእ ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ’ዩ ምኽንያቱ ሓንሳብ ናብ ሃገራት ሸንገን ምስ ገሽካ ዘለካ ግዜ ምንዋሕ ስለ ዘይከኣል።

ካብ ዝተፈቅደለይ መዓልቲ ንላዕሊ ተጸኒሐ እንታይ የጋጥመኒ?

ካብ ዝተፈቅደልካ ግዜ ንላዕሊ ምጽናሕ ክልኩል ዩ። ዋላ ውን ናብ ሃገራት ሸንገን ንምብጻሕ ቪዛ ናይ ዘይሕተታ ሃገራት ዜጋ እንተኾንካ። ዝተፈቅደልካ ግዜ ቅድሚ ምውድኡ ካብ ሃገራት ሸንገን ብቅልጡፍ ክትወጽእ ኣለካ። ኣስተውዕል።

  • ግዜኡ ዘሕለፈ ሰብ ከይተፈልጠ ክወጽእ ኣይክእልን’ ዩ። ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገራት ሸንገን ዝገይሽ ሰብ ክኣቱን ክወጽእን ብ ኣባላት ኢሚግረሽን ኣብ ዳታበይዝ (ማዕከን ዳታ) ምዝጉብ ዩ። ወላ ዉን ሓንቲ መዓልቲ ዘሕለፈ ሰብ ምዝጉብ ዩ።
  • ካብ ዝተፈቅደሉ ዕለት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘሕለፈ ገያሺ ከይተቀጽዐ ከምልጥ ኣይክእልን ዩ። ከም ውጽኢቱ ከከም ኣድላይነቱ ብ ገንዘባዊ መቅጻዕቲ፡ ምጥራዝ፡ ወይ ናብ ሃገራት ሸንገን ንዝተወሰነ ግዜ ንከይኣቱ ብምኽልካል መቅጻዕቱ ይቅበል።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ኣንብብ።

https://www.auswaertiges-amt.de/en/aamt/zugastimaa/buergerservice/faq/-/606848

ዝጸንሓሉ ግዜ ንከናውሕ እንታይ ሰነዳት የድልየኒ (ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ጥራይ)?
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዌብሳይት (ድሕረ ገጽ) ቤትጽሕፈት ኢሚግሬሽን በርሊን ወይ ኣብ ዝምልከቶ ቤትጽሕፈት ምውካስ ይከኣል። ሊንክ ተመልከት
https://service.berlin.de/dienstleistung/324785/standort/327589/en/

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 21.07.2020 ዝተሓትመሉ፥ 14.05.2020

ጀርመን፤ 25% ካብቶም ኩሎም እቶም ብ’ዓዲ-ጥልያን ጌሮም ን’አውሮጳ ዝአተው ስደተኛታት፤ ተቐባልነት ኽትህብ’ድያ?

አይፋልን ! ጀርመን’ን ኻልኦት ብዙሐት ሃገራት ናይ አውሮጳ-ሕብረትን፤ አብ’ማእከላይ ባሕሪ ሒይወት-ንምድሐን ተባሂሉ፤ ንግዚኡ ዝኸውን ሐደ-ዓይነት ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም ንኽጥቀሙ ተሰማሚዖም ኢዮም። ሃገር-ጀርመን፤ ካብ ዓዲ-ጥልያን ኽትቅበሎም ትደሊ፤ ሐደ ውሱን-ዝኾነ ኮታ ወይድማ ቁጽሪ ናይ ስደተኛታት የለን።

አብ’ታ ሒይወት ተድሕን ዘላ መርከብ ዝአትው ስደተኛታት፤ ስሞም ብድሕሪ ምምዝጋብ፤ ድሕሪ-ባይቶኦም ንምርግጋጽ፤ ቁጽጽር ይግበለርሎም። ብድሕር’ዚ ድማ፤ አብ’ሐጺር እዋን ክቕበላ ድሉዋት ናብ’ዝኾና ካልኦት ሃገራት ናይ አውሮጳ-ሕብረት፤ ይላአኹ። አብ’ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እተኻፈላ ሃገራት ከም ፈረንሳይ፤ ጀርመን፤ ጣልያን ኾምኡውን ማልጣ ኢየን።

ናብ ሃገር ጀርመን ዝተላእኹ ስደተኛታት፤ እቲ መስርሕ ናይ ዑቕባ-ምሕታት፤ አብ’ዝቐልጠፈ ኢዮም ዝጅምሩዎ። ምናልባት ሙሉእ-ዝኾነ ዑቕባ ንኽትወስዱ መሰል እንተዘይሃሊዩኩም፤ አብ’ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ናይ ትውልዲ-ሃገርኩም ኽትላአኹ ኢኹም።

እዚ ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም ዘገልግለሉ ግዜ፤ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ/Okt. 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ፤ ንሽድሽተ-ወርሒ ኢዩ። እዚ’ድማ፤ ብስምምዕ ናይ’ቶም ተኻፈልቲ-አካላት፤ ክናዋሕ ይኽእል’ዩ። እቲ ቑጽሪ ናይ ስደተኛታት ኻብ-መጠን ንላዕሊ ምስ’ዝውስኽ ግን፤ ዝኾነት ሃገር፤ ነቲ ስምምዕ ብ’ናታ ወገን ከተቋርጾ ትኽእል’ያ።

ብኽብረትኩም ሕሰቡሉ፡ እዚ ግዝያዊ-ዝኾነ ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም፤ ነዚ ምስ’ዚ ንሒይወትካ ሐደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ናይ ማእከላይ-ባሕሪ ዝተሐሐዙ ስግአታት፤ ዝቕንስ አይኮነን።

 

ዝያዳ ሐበሬታ ትረኽቡሉ አብ፡

https://www.bmi.bund.de/SharedDocs/kurzmeldungen/EN/2019/09/agreement-malta-on-temporary-emergency-mechanism.html

ብዛዕባ ገበነኛ ዝኾኑ ተግባራት ናይ ንግዲ-ደቂ’ሰባት/ደቂ’ሰብ-ምስግጋር ብዝምልከት፤ አብ’ትሕቲ፡

https://www.infomigrants.net/en/post/19326/corruption-and-migration-in-italy-did-you-know-you-can-make-more-money-with-immigrants-than-with-drugs

ኻልእ፤ ብዛዕባ’ቲ ናይ አብ’ካልእ ሃገራት ተቐባልነት ንዘለዎም ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ መወዳእታ ምዕባሌታት ናይ ጀርመን ዑቕባ-መመልከቲ ዝምልከት ተወሳኺ ሐበሬታታት ትረኽቡዎ፤ አብ’ትሕቲዚ ዝቕጽል ኢዩ፡

https://www.infomigrants.net/en/post/15805/germany-eligible-to-deport-refugees-to-eu-countries-with-poor-living-conditions

ብዛዕባ ምትኽኻል ናይ ዑቕባ-መመልከቲ ሐላፍነት ትወስድ (ናይ ዳብሊን መስርሕ) ሀገር ናይ አውሮጳ-ሕብረት ወይድማ ኖርወይ፤ አይስላንድ፤ ስዊዘርላንድ ወይድማ ሊሽተን’ሽታይን፤ አብ’ትሕቲዚ ዝቕጽል ኢዩ፡

http://www.bamf.de/EN/Fluechtlingsschutz/AblaufAsylv/PruefungDublinverfahren/pruefung-dublinverfahren-node.html

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 07.11.2019 ዝተሓትመሉ፥ 29.10.2019

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሃገረ-ጀርመን = መሰል ናይምጽንባር፥

ኣይፋል። ዝዀነ ይኹን ኣብ ሃገረ-ጀርመን ምስ ዝ(እት)ርከብ መጻምድቱ ክጽንበር ዝ(እት)ደሊ ሰብ፡ ገለ ቅድመ-ኵነታዊ ረቛሒታት ከማልእ ይግባእ።

እቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክግበር ዘለዎ፡ ቪዛ ናይ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤት ጠለብ ምግባር እዩ። እዚ ንኽወሃበብ፡ ዝምልከቶም መጻምድቲ ቅቡልብሕጊ ከምዝተመርዓዉን፡ቅቡል ወይ ሕጋዊ ናይ መርዓ ወረቀት ከምዘለዎምን ኣብ ጀርመን ብሓባር ንኽነብሩ መደብ ከምዘለዎምን ጭብጢ ከቕርቡ ይግባእ። ክልቲኣቶም መጻምድቲ ንሕጋዊ ዕድመ ብጽሕና ዝኣኸሉ ክዀኑ ይግባእ። ብዘይካ`ዚ፡ እቶም መጻምድቲ ብገንዘብ ዝመጸ ርእሶም ከምዝኽእሉ ብጭብጢ ከረጋግጹ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ብዘይ ዝኾነሓገዝናይ ኣውራጃ፡ ናይ ክልቲኣቶም ወጻኢታት መነባብሮን መድሕንን ክሽፍኑ ክኽእሉ ኣለዎም ማለት እዩ። እቲ እቶም መጻምድቲ ኣብ ጀርመን ንኽቕመጡሉ ዝሓዝእዎ መንበሪ ገዛ ድማ እኹል ምዃኑ ክረጋገጽ ኣለዎም።

ናብ ሃገረ-ጀርመን ክግዕዙ ዝደልዩ መጻምድቲ እውን ዝተፈላለዩ ወግዓውያን ቅድመ-ኵነታዊ ረቛሒታት ከማልኡ ይግባእ። ንኣብነት፡ ብወገን ዝምልከቶ/ታ መጻምድቲ መረጋገጺ መንነት ዝዀነ ወረቐት ክቐርብ የድሊ። ብተወሳኺ፡ ተቐባልነት ዘለዎፓስፖርት ወይ ተቐባልነት ዘለዎ ከም መተካእታ ፓስፖርት ዘገልግል ሰነድ እውን የድልዮም። እቲ/ታ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ምስ ዝ(እት)ነብር መጻምድቱ/ታ ንኽ(ት)ጽንበር ዝ(እት)ደሊ መጻምድቲ፡ መሰረታዊ ምልከት ቋንቋ ጀርመን ክህልዎ/ዋ፡ ከምኡ`ውን ነዚ ዝምልከት ምስክር ወረቐት ቋንቋ ክ(ት)ውንን የድሊ። እዞም ኣድለይቲ ጠለባት ድማ ኣብቲ ጠለብ ዝግበረሉ ሃገር ናይ ጀርመን ተወከልቲ ወጻኢ ሃገር ገጽ ናይ ወብሳይት፡ ክርከቡ ይኽእሉ።

እዞም ሕጋጋት እዚኣቶም ነቶም ዜግነት ናይ ጀርመን ይኹን ዜግነት ናይ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ዘይብሎም መጻምድቲ ዝምልከቱ እዮም። ሓደ ካብ መጻምድቲ ዜግነት ናይ ሃገረ-ጀርመን ዘለዎ ምስዝኸውን፡ብሓፈሻዊ ኣረኣእያ እቶም ቅድመ-ኵነታት ብመጠኑ ፍዅስ ዝበሉ ወይ ዝቀለለ ይኸውን። ስለዚ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዝበዝሐ እዋንገንዘብ ዝመጸ ርእሶም ከምዝኽእሉ ኰነ እኹል መንበሪ ገዛ ከምዘለዎም ብጭብጢ ከረጋግጹ ኣይግደዱን እዮም። ሓደ ካብ መጻምድቲ ዜጋ ናይ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ምስዝኸውን፡ ሕጊ ናጻ ምንቅስቓስ ናይ ዞባ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተተግባሪ ይኸውን።

እቲ/ታ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝ(እት)ነብር መጻምድቲ ዕቑብ/ቲ ስደተኛን ውሕስነት እተዋህቦ/ባን እንተዀይኑ/ና እሞ ኣብ ጉዳዩ/ያ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ዝተዋህቦ/ባ ምስዝ(እት)ኸውን፡ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ኵነታት ኣተጋባብራ ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤት ተተግበርቲ ክዀኑ ይኽእሉ። ኵነተ-ሃለዋት ናይ ዕቑብ/ቲ ስደተኛ፡ ከምኡ`ውን መመልከቲ ናይ ስድራቤት ዳግመ-ምርኻብ ኣብ ግዚኡ ምቕራቡን ዘይምቕራቡን ድዩስ ካልኦት ረቛሒታት፡ ኣብ`ዚ ጉዳይ እዚ ወሰንቲ ጉዳያት ይዀኑ።

ንዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ዝህብ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ`ዚ ይርከብ፦ rumoursaboutgermany.info/rumours/do-all-refugees-in-germany-have-the-right-to-be-reunited-with-their-family-members.

ንዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤታት ዕቑባት ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ`ዚ ይርከብ፦ fap.diplo.de.

ነቝጣታት መርበብ ሓበሬታ ናይ ኤምባሲታትን ቈንስላትን ሃገረ-ጀርመን ከኣ ንጉዳያት ቪዛታትን ቅድመ-ኵነታት ዳግመ-ምርኻብ ስድራ-ቤትን ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ይርከበን እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 09.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 01.03.2019

ኣብ ሃገረ-ግሪኽ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት፡ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ንኽሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ ዝብል ዘረባ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?

ግጉይ ዘረባ እዩ። ብመሰረት ሕጊ፡ ዜጋታት ናይ’ተን ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘይኰና ሃገራት ናብ ፈደራላዊት ሪፓብሊካዊት ሃገረ-ጀርመን ንኽኣትዉ ኰነ ኣብኣ እናተቐመጡ ንኽሰርሑ ኣይፍቀደሎምን እዩ፤ እቲ ሓቂ’ውን ከምኡ እዩ። ናብ’ዛ ሃገር ቅድሚ ምእታዎም ናይ ስራሕ ቪዛ ንኽወሃቦም መመልከቲ ከቕርቡ ይግባእ። እዚ ድማ ነቶም ብኻልእ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር፡ ሰነድ መገሻ ናይ ዕቑብ ስደተኛ ዝተዋህቦም ሰባት እውን ዝምልከት መምርሒ እዩ፤ ንኣብነት፡ ብሃገረ ግሪኽ።

ተወሳኺ ንናይ ስራሕ ቪዛ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ’ዚ ገጽ እዚ ክርከብ ዝከኣል እዩ፦

https://www.auswaertiges-amt.de/en/aamt/zugastimaa/buergerservice/faq/-/606852

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 28.01.2019 ዝተሓትመሉ፥ 21.01.2019

ደቆም ንዕቑባት ስደተኛታት ኣብ`ዛ ሃገር ዝተወልዱ እንተዀይኖም፡ ኣብ ጀርመን ንኽጸንሑ ተፈቒዱሎም ዶ?

ኣይፋል። ህጻናት ዋላ`ውን ኣብ ጀርመን ዝተወልዱ ይኹኑ፡ ብቐጥታ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦም እዩ ማለት ኣይኰነን።

ክልቲኣቶም ወለዲ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ምስዝዀኑ ወይ ድማ ገና ኣብ መስርሕ ምቕራብ ሕቶ ዕቝባ ምስዝህልዉ፡ ውላዶም እውን ኣብ ጀርመን ንኽጸንሕ ክፍቀደሉ ተኽእሎ ኣሎ። ጉዳይ ውላዶም ብመንጽር ፍሉይ ሕጊ ሕቶ ዕቝባ ዝረአ ክኸውን እዩ። ወለዲ ወይ ዝምልከቶ ናይ ወጻኢ ትካል-መዚ ብዛዕባ ዕለት ልደት ናይ`ቲ ህጻን ንፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስደትን ዕቑባት ስደተኛታትን (BAMF) ክሕብር ይግባእ።

ኣብ ጀርመን ተወሊድካ ማለት፡ ዜግነት ናይ ሃገረ-ጀርመን © dpa ከምዝወሃበካ ትሑዝ እዩ ማለት ኣይኰነን

ሓደ ካብ ወለዲ ዜጋ ናይ ሃገረ-ጀርመን ምስዝኸውን፡ ነቲ ሓድሽ ውላድ እውን  ዜግነት ናይ ጀርመን ክወሃቦ እዩ። ጉዳያት ናይ ደቂ ዜጋታት ወጻኢ ብመንጽር ካልኦት ሕጋጋት ዝረኣዩ እዮም። ኣቦ ወይ ኣደ ናይ ዝምልከቶ ህጻን፡ እቲ ህጻን ኣብ ዝተወልደሉ እዋን፡ ኣብ ሃገረ-ጀርመን እንተወሓደ ንሸሞንተ ዓመታት ብሕጋዊ መገዲ ዝተቐመጠ እሞ ቀዋሚ መሰል ነባርነት ዘለዎ ምስዝኸውን ጥራይ፡ ንህጻን ብቐጥታ ዜግነት ናይ ጀርመን ይወሃቦ።

ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስደትን ዕቑባት ስደተኛታትን ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ከቕርብ ይኽእል እዩ፦

http://www.bamf.de/EN/Fluechtlingsschutz/FamilienasylFamiliennachzug/familienasyl-familiennachzug-node.html

ንዳግመ-ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፦

https://rumoursaboutgermany.info/rumours/do-all-refugees-in-germany-have-the-right-to-be-reunited-with-their-family-members/

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 11.01.2019 ዝተሓትመሉ፥ 23.11.2018

ኣብ ሓደ ናይ ዳግመ ጥየሳ ፕሮግራም መንበሪ ቦታ ንምግዛእ ይክኣል ድዩ፧

©dpa

ኣይፋል። እቶም ኣብቲ ናይ አጀመርያ ዑቕባ ዝሓተቱላ ሃገር ናይ UNHCR ዑቕባ መሰል ዝተዋህቦም ጥራይ ኢዮም ናይ ምክልኻል ወይ ዑቕባ ናይ ምንባር ምቅያር መሰል ዝወሃቦም። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኢዩ ናይቲ ውልቀ ሰብ ዝኾነ ዓይነት ናይ ምምላስ ናብ መበቆል ዓዱ ወይ ናብታ ናይ መጀመርያ ጠለብ ናይ ዑቕባ ሓቲቱ ኵአሃቡ ፍቃድ ዝሃበቶ ሃገር፡ ዕድል ዘይብሉ።፡ ፍሉይ ዝኾነ ዕድላት፡ ነቶም ዝሓመሙ ሰባት፡ ግዳያት ናይ መጥቃዕቲ ዝኾኑ፡ ወይ ከኣ ኣዴታትን ቆልዑን ቀዳምነታት ይህብ።/mark>

ናይ ዒራቅ ስደተኛታት፡ ሃኖቨር ኣየርፖር/መዕርፎ ነፈርቲት፡ ጀርመን ©dpa

ኣድላይነት ሓለዋ እቲ ወሳኒ ረቛሒ እዩ

እቲ UNHCR ብመትከል ነቲ ናይ ዳግመ ጥየሳ ፕሮግራም ብቑዕ ዝኾነ ሰብ መን ምዃኑ ይግምግም።

ኣፍጋኒስታንዊት ጋል @dpa

ናይ ዝተባዝሐ-መድረኽ ኣገባብ

እቲ ውሳነ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣካል ናይቲ ናይ ጀርመን ፕሮግራም ናይ ዳግመ ጥየሳ ተጠቀምቲ ክኾኑ ይኽእሉን ኣይክእሉን ኣብቲ ናይ ብዝሐ-መድረኽ ዘለዎ መስርሕ ምስ በጽሐ ይውሰን። ንምጅማር፡ እቲ UNHCR ብመትከል ናይ ዑቕባ ተጠቀምቲ ንሙኻን ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ይሓሪ። ኣብቲ ዝቕጽል መድረኽ፡ እቲ ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስደትን ስደተኛታትን ካብዞም ዝተሓጽዩ ናይ ብሓቂ ቅቡላት ክኾኑ ይኽእሉ ንዝበሎም ንምውሳን ቃለመጠይቓት የካይድ።እቶኦም ናይዚ መወዳእታ ናይ ቃለመጠየቕ ተወዳደርቲ ናይ ውሕስነት ፈተሻ ክገብረሎም ይኽእል፡ በዚ ድማ ነቲ ናይ መወዳእታ መስርሕ ናይ ቪዛ ክሰግሩ ኣለዎም።

ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድላት ዝረኸቡ ናይ ሳላሳይ ኣካል ናይ መወከሲ ኮርሳት ነዞም ዝስዕቡ ዝሽፍን የዳሉ፡ ናይ ትምፍርቲ፡ ናይ ገዛ መንበሪ፡ ከም ኡውን ናይ ስራሕ ዕድላት ኣን ጀርመን። ኣብ ጀርመን እቶም ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድል ዝረኸቡ ናይ ስራሕ ዕድል ኣለዎም፡ ከምኡውን ናይ ማሕበራዊ ደገፋት ናይ ገንዘብን ናይ መራኸቢ ኮርሳት ምቅሳምን ዕድላት ይወሃቦም።

ኣብ ጀርመን ምስበጽሑ፡ እቶም ናይ ዳግመ ጥየሳ ስደተኛታት ናይ መጀመርታ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ መሰጋገሪ መዓስከር ስደተኛታት Friedland ክልተ ሰሙን ይገብሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ናይ መላለዪ መኣድታት ትምህርቲ ብዛዕባ ናይ ጀርመን ባህልን ቋንቋን ጀርመን ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛባ ህይወት ኣብ ጀርመን የቕርቡሎም። ብተወሳኺ፡ ውልቃዊ እዋናት ከም ኣካል ኣገልግሎታት ናይ ደገፍ ስደት ኣለዉ፡ ኣብኡ ውልቃውን ግባራውን ሕቶታት ኣብ ምስጢራዊ ሃዋሁው ክልዓሉ ይኽእሉ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ሕክምናዊ ክንክን፡ መንበሪ ገዛ ወይ ኣተኣላልያ ማሕለኻታት ቤት-ጽሕፈት ኣብቲ ሓድሽ መንበሪ ቦታ ዝምልከት። ኣብ Friedland ዘሕልፍዎ ግዜ ተኸቲሉ፡ እቶም ስደተኛታት ታብ መንጎ’ቶም ምምሕዳር ከተማታት ኣብቶም ዝተፈለለዩ Länder ፋሕ ከምዝብሉ ይግበር።

ኣብ ውሽጢ ናይቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ዳግመ-ምጥያስ መደባት ናይ 2020፡ ጀርመን 5,500 ሰፈራት ክትዕድል ኢያ። እቲ ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድል ንምርካብ ዘድልዩ ጠለባት ድማ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ናይ ፈደራል ሚኒስትሪ ሕጋጋት ኢዮም ዝምርኮሱ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 10.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 26.10.2018

ናብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ክትገዝእ ይከኣልዶ፧

ተልእኾታት ወጻኢ ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ጥራይ እየን ቪዛታት ከውጽኣ ©dpa

ኣይፋሉን። ናብ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ንሓደ ዝተወሰነ ውልቀሰብ ፍሉይ መለለዪ ተገይርሉ ዝስራሕን ዝወጽእን እዩ። ቪዛታት ናብ ካልእ ሰብ ክሽየጡ ወይ ክውሃቡ ኣይክእሉን’ዮም። ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ኤምባሲታትን ሓፈሻዊ ቆንስላትን ጥራይ እየን ቪዛታት ከውጽኣ ዝኽእላ። ኣብ ገለኢን ሃገራት፡ ብመንገዲ ሓደ ግዳማዊ ወሃቢ ኣገልግሎት ቪዛታት ክወሃቡኻ ምሕታት ይክኣል’ዩ – ይኹን እምበር፡ እቶም በቲ ጀርመናዊ ተልእኾ ውጻኢ ውዕል ዝተገብረሎም ጥራይ እዮም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ። ካብቶም ኣብቶም መርበባት ሓበሬታ ተዘርዚሮም ዘለዉ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ወይ ትካል ቪዛታት ከውጽእ ኮነ ናይ ቪዛ መምልከቲ ቆጸራታት ክሕዝ ኣይክእልን። ቪዛታት ናይ ጸረ-ምድንጋር ጠባያት ኣለውዎም። ስለዚ ንሳቶም ክትምየኑ ኣይክእሉን እዮም። ዝተተምየኑ ብቕጽበት ኣብቲ ዶብ ክልለዩ እዮም።

ሓደ ቪዛ ንምንታይ የድሊ፧

ብዙሓት ናብ ጀርመን ክኣትዉ ዝደልዩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምኡ ንምግባር ወግዓዊ ፍቓድ የድልዮም፡ ብመልክዕ ቪዛ። እቲ ቪዛ ናብ ጀርመን ቅድሚ ምብጻሕካ ክትሓዝ ኣለዎ። ብዘይ ቪዛ ምእታው ዘይሕጋዊ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ሸንገን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዝህሉ ክሳብ 90 መዓልታት ናይ ምጽናሕ መደብ፡ እቲ ብዛዕባ ቪዛ ክወጽእ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝውሃብ ውሳነ ብመሰረት ዘይቀያየር መለክዒታት እዩ ዝውሰድ። እቲ ከባቢ ሸንገን 26 ሃገራት ኤውሮጳ ዘጠቓለለ እዩ። መብዛሕትአን ካብዚኣተን ኣባላት ናይቲ ኤውራጳዊ ሕብረት (EU) እየን። ሓደ ሸንገን ቪዛ እቲ ቪዛ ብቑዕ ክሳብ ዝኾነ ንተሓዚኡ ኣብቲ ከባቢ ሸንገን ንኽጸንሕ መሰል ይህቦ። ግን ኣብ ዝኾነ ናይ 180-መዓልቲ ግዜ ካብ 90 መዓልታት ዘይበዝሕ። ሓደ ቪዛ ኣብ ዝውሃበሉ እዋን፡ ንዙረት፡ ምብጻሕ ኣዕሩኽን ስድራቤትን፡ ከምኡ’ውን ንግዲ ንምክያድ ዝዓለሙ ጽንሖታት ብሓፈሻ ፍቑዳት እዮም። ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) ናይ ቪዛ ሕግታት ዝርዝር ናይ ዜጋታተን ቪዛ ዘድልዮምን ዜጋታተን ቪዛ ዘየድልዮምን ናይ ሳልሳይ ኣካል ሃገራት ዝሓዘ እዩ (https://www.auswaertiges-amt.de/en/einreiseundaufenthalt/-/231148).

ኣመልከትቲ ሸንገን ቪዛ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ጠለባት ከማልኡ ኣለዎም ።

  1. 1. ናብ ጀርመን ትኸደሉ ዘለኻ ዕላማ ዝእመንን ንምርድኡ ዝክኣልን ክኸውን ኣለዎ።/li>
  2. እቲ ኣመልካቲ ናይ መነባብሮን ናይ መጓዓዝያን ወጻኢታቱ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ/ርእሳ ማዕከን ወይ ኣታዊ ዝሽፍን ወይ ዝኽፈል ክኸውን ኣለዎ። ገሊኦም ኣመልከትቲ ነዚ ውሕስነት’ዚ ባዕሎም ከቐርቡ ኣይክእሉን። ንኣኣቶም፡ ሓደ ኣብ ጀርመን ዘሎ ዝፈልጥዎ ሰብ ወይ ዘመድ ናይቲ ዝጸንሑሉ ወጻኢታት ክሽፍንሎም ክሰማማዕ ይኽእል – እዚ ግን ኣብ ሓደ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ወግዓዊ መፍለጢ ናይ መብጽዓ ብምግባር ጥራይ ይፍጸም።
  3. ናብ ጀርመን ክኸይድ ዝደሊዝኾነ ሰብ ናቱ/ናታ ሸንገን ቪዛ ግዚኡ ድሕሪ ምውድኡ ንሱ/ንሳ ካብታ ሃገር ክወጹ ምዃኖም ከርእዩ ወይ ከብርሁኣለዎም።
  4. ቪዛ ንምርካብ፡ ንብምልኡ ኣብ ጀርመን ትጸንሓሉ እዋን ዝሽፍን ሰነዳዊ ናይ መጓዓዝያ ጥዕናዊ መድሕን ክቐርብ ኣለዎ። እቲ መድሕን ኣብ ብምልኡ እቲ ከባቢ ሸንገን ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ፡ ከምኡ’ውን እንተውሓደ 30,000 ዩሮ ክሽፍን ኣለዎ። ካብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንላዕሊ
    ልዕሊ 90 መዓልታት ኣብ ዝኾነ ናይ 180-መዓልታት እዋንምጽናሓት በቲ ናይ ሸንገን መስርሕ ኣይምሓደርን እዩ። ነዚ፡ ሃገራዊ ሕግታት ኣብ ግብሪ ይውዕሉ። ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ዳርጋ ክሎም ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) ዘይኮኑ ሰባት ቪዛ ክሕዙ ትጠልብ። ኣስተውዕል፥ ዝነውሑ ጽንሖታት ንከም ምስ በዓል ሓዳርካ
    ምጽንባር፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር ወይ ንስራሕ (ብፍላይ ምርምር ዘካይዱን ልዑል ክእለት ዘለዎም ሰራሕተኛታትን) ዝኣመሰሉ ውሱናት ዕላማታት ጥራይ ይፍቀድ። ኣብቲ መንበሪ ቦታ ብምምርኳስ፡ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ኲነታት ክማልኡ ኣለዎም፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ሰነዳት ክቐርቡ ኣለዎም። ሓደ ኣመልካቲ ቪዛ ክውሃቦ ድዩ ኣይክውሃቦን በቲ ዝምልከቶ ክፍሊ ቪዛ እዩ ዝውሰን፡ ኣብቶም ዝቐረቡ ሰነዳት ብምምርኳስ። እቶም ነዚ ዝሕተቱ ሰነዳት፡ ኣብቲ ጒዳይ ብምምርኳስ፡ ዝተፈላለዩ እዮም።

ቪዛ ብኸመይ ክርከብ ይኽእል፧

ንኽልቲኡ ንሸንገንን ሃገራውን ቪዛታት፡ ዝኾነ ከመልክት ዝደሊ ሰብ ናብ ሓደ ጀርመናዊ ተልእኾ ወጻኢ ብኣካል ክኸይድ ኣለዎ። ቆጸራ ይሕተት እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ናይ ቪዛ መመልከቲታት ብመንገዲ በቲ ጀርመናዊ ተልእኾ ወጻኢ ውዕል ዝተገብረሉ ሓደ ግዳማዊ ወሃቢ ኣገልግሎት ክቐርቡ ይኽእሉ። ኣብ ገሊአን ተልእኾታት ናይ ወጻኢብኢንተርነት እውን ቆጸራ ክትሕዝ ይክኣል። ኣብ ካልኦት፡ ደዊልካ ቆጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ንኽሎም ኣድለይቲ ሓበሬታን ቊጽርታት ተሌፎንን፡ ኣብቲ ከተምልክተሉ ትደሊ ሃገር ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ናይተን ተልእኾታት ብጻሕ። ኣቐዲምካ ቅድሚ ነዊሕ ቆጸራ ምሓዝ ከድልየካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ናይ ብሓቂ ቆጸራኻ ድሕሪ ደዊልካ ምስራዕካ ድሕሪ ብዙሕ ሰሙናት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብቲ ኣብ ሃገርካ ትረኽቦ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ጀርመናዊ ተልእኾ ዘለዉ ኣገልግሎታት ቪዛ ጥራይ ተጠቐም።

እቲ ቆጸራ ኣዚኻ ኣቀዲምካ ክትሕዝ ኣሎካ። ኣብ ገለ ገለ እዋን ድሕሪ ተለፎን ምድዋልካ፡ እቲ ቆጸራኻ ድሕሪ ገለ ሰሟት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ናይ ጀርመን ልኡኽ ወጻኢ ኣብ ሃገርካ፡ ኣብ እትረኽቦ ሓበሬታ ናይ ወብሳይት ብምጥቃም ጥራይ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

ቆጸራታት በቲ ተልእኾ ወጻኢ ጥራይ እዮም ዝስርዑ። ኣመልከትቲ ብቐጥታን ብኣካልን ቆጸራ ክሕዙ ኣለዎም። ሓጺር ቆጸራ ክሕዘልካ ይኽእል እየ ዝብል ዝኾነ ወኪል እየ በሃላይ ኣይትእመን። ከምኡ ኣይክኣልን እዩ።

ክሎም ኣድለይቲ ሰነዳት ናብቲ ቆጸራኻ ምሳኻ ሒዝካዮም ክትመጽእ ኣለካ። እቶም ዝሕተቱ ሰነዳት ኣየኖት ምዃኖም ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ሓበሬታ። እዚ’ውን ኣብቶም መርበባት ሓበሬታ ናይተን ተልእኾታት ወጻኢ ክርከብ ይኽእል።

እቲ ቪዛ ክወጽእ ድዩ ኣይክወጽእን ንኽውስን ነቲ ናይ ቪዛ ክፍሊ ክንደይ ይወስደሉ፧

ብሓፈሻ፡ ተልእኾታት ወጻኢ ናይ ክሳብ 90 መዓልታት ጽንሖታት ዝኾኑ ቪዛታት ውሳነ ንኽህቡ ካብ ክልተ ክሳብ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ይወስደሎም። ንዝነውሑ ጽንሖታት፡ ሓደ ውሳነ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል፡ ምኽንያቱ ሰብ መዚ ጀርመን ክሳተፉ ስለዘድልዮም።

ናይ ቪዛ ክፍሊት ኣሎ’ዶ፧

ናይ ሓደ ሸንገን ቪዛ ክፍሊት 80 ዩሮ እዩ። ንቡር ክፍሊት ናይ ሓደ ንጀርመን ዝኸውን ሃገራዊ ቪዛ 75 ዮሮ እዩ። እቲ ክፍሊት ብናይቲ ሃገር ባጤራ’ውን ክኽፈል ይክኣል’ዩ። ንኣብነት፡ ኣመልከትቲ ናይ ሞያዊ ስልጠና ወይ ናይ ትምህርቲ ቪዛ ክፍሊት ክኸፍሉ ኣይሕተቱን እዮም። ትሕቲ ዕድመ ጎደሎ ይኸፍሉ። ናይ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ጽንሖታት ተወሳኺ ዋጋ የኽፍሉ፡ ከም በዓል ክፍሊት ናይ ጀርመናዊ መንበሪ ፍቓድ ዝኣመሰሉ።

ቪዛይ ተነጺጉ እንተነይሩ፡ ደጊመ ከመልክት ይኽእል’ዶ፧

እወ። ኩሉ ሰብ ኣብ ናይ ወጻኢ ናይጀርመንልኡኽ ቪዛ ክሓትት ማዕጾ ርሑው’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኣቐዲሙ ናይ ቪዛ መመልከቲኻ ተነጺጉ እንድሕር ኣሎ፡ እቲ ናይዚ ምንጻግ ምኽንያት ሕጂ ከምዘየሎ ከተርኢ ኣለካ። ዝበዝሐ መመልከቲታት ብዘእተኻሉ መጠን እዚ ዝያዳ እናኸበደ ይኸይድ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕግታት፡ ኣብዚ ብጽሑ፥
https://www.auswaertiges-amt.de/en/einreiseundaufenthalt/visabestimmungen-node

ተውሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጀርመን ናይ ቪዛ ጠለባት፥ https://www.bmi.bund.de/EN/topics/migration/law-on-foreigners/visa-policy/visa-policy.html

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 10.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 21.08.2018

ኩሎም ሓተትቲ ዑቕባ ኣን ገርመን ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ይፍቀደሎም ዲዩ፥

መን ኢዩ ዝፍቀዶ፡ ነየናይ ክፋል ናይ ስድርኡኸ ናብ ጀርመን ከምጽእ ይኽእል፧ ©dpa

ወላካ እቶም ቤተሰብካ ምሳኻ ክራኸቡ ወይ’ውን ዘይክራኸቡ ዘለዎም ተኽእሎ፡ ኣብቲ መጀመርያን ቀንዲን ናትካ ሕጋዊ ህሉው ኩነታት ዝምርኮስ ኢዩ።ን ናይ ዑቕባ ወይ ናይ ዕቅባ ውሕስነት ዕድላት ዝተዋህቦም ምስቶም ዝቀረቡ ክፋላት ናይ ስድራኦም ክተኣኻኸቡ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ናይ ስድራቤት ምትሕውዋስ ጠለብካ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ (እንተተኻኢሉ) ናይ ምክልኻል ውሕስነት ምርካብካ ወይ ጠለብካ ተቐባልነት ምርካቡ፡ ከተቅርብ ኣሎካ።

ካብ ነሓሰ 1, 2018 ጀሚሩ፡ እቶም ካልኣዊ ሓለዋ ኣብ ጀርመን ዝረኸቡ፡ ምስቶም ኣዝዮም ቀረባ ክፋላት ስድረኦም ክራኸቡ ይኽእሉ ኢዮም። ብውሑድ ዓቀን ዝወሃብ ናይ ምክልኻል ደገፋት ነቶም ብውልቂ ናይ ዓመጽ ኩነታትኣብ መበቆል ዓዶም ዘየጋጠሞም ኢዩ ከም ኣብነት ብ ናይ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ወይ ድማ ብ ምኽንያት ናይ ሃይማኖታዊ ኮሚኒቲ ተነጽሎታት ክኸውን ይኽእል፡ እንተኾነ ግን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ስቓይ ሓደጋ ዘለዉ- ከም ኣብነት ብሰንኪ ናይ ሲቪላዊ ኪናት ኣብ
ሶርያ። ናይ ውሑድ ዓቀን ደገፋት ኣብ መጀመርያ ን ሓደ ዓመት ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ፡ እንተኾነ ግን ጸኒሑ ክናዋሕ ይኽእል ኢዩ። እቶም ናይዚ ተጠቀምቲ ናይ ስድራቤት ኣባላት ናይ ዳገም-ምርኻብ ኣብ ጀርመን ኣብ ወርሒ ናይ 1000 ቁጽሪ ገደብ ኢዩ ዘለዎ። ስለዚ ኩሉ ስድራቤታት ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ክራኸብ ይኽእል ኢዩ።

እቶም ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ጌና ዘይተረጋገጸ ሰባት ናይ ዳግመ-ምርኻብ ዕድላት መሰላት ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ዘይክወሃቦም ይኽእል ኢዩ።

ብሓፈሻ ንምዝራብ፡ እቶም ኣዝዮም ቀረባ ኣባላት ናይ ስድራቤት ጥራይ ኢዮም ነዚ ናይ ዳገ ምርኻብ ዕድላት ክጥቀሙሉ ዕድል ዝወሃቦም። እቲ ናይ ኒክላር ስድራቤት ዝበሃል፡ ከም ውሉድ ወይ ሕጹይ/ሕጽይቲ ክኸውን ይኽእል።እንተኾነ፡ ካልእ ዓይነት ገደባት ውን ኵአሃብ ይኽእል ኢዩ። ከም ኣብነት ፡ እቲ ናይ ውሑድ ዓቀን ደገፋት ኵአሃብ መሰል ዝተዋህቦ ናይ ሕጹይ/ሕጽይቲ ናይ ዳግመ-ምርኻብ ዕድል ዝወሃቦ፡ እቲ መርዓ ቅድሚ ናይ sዳግመ-ምጥያስ ዕድል ዝወሃቦ ኣመዝጊብዎ ወይ ኣመዝጊባቶ ምስ እዝጸንሑ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ደገፋት ኣለዉ፡ እዚ ድማ እቲ ናይ ስድራቤት ዳግመ ምርኻብ ተኽእሎታት ግብራዊ ይገብር። እቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይ ስደተኛታት (IOM) ነቶም ናይ ስድራቤት ኣባላት ኣብ ጀርመን ጀርመን ኣብ ከም ስደተኛ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ንጥቅምታት ናይ ውሕስነት ናይ ምክልኻል ኵወስዱ ብቑዓት ዝኾኑ ደገፋት ይህብ። IOMናይ ስድራቤት ደገፋትማእከል ኣብ ኢስታንቡል፡ በይሩት፡ አርቢል ከም ኡውን ኣማን ከፊቱ ኣሎ። ናይ ስድራቤት ናይ IOM ደገፋት ማእከል ምስ እትራኸብ፡ ነቲ ናይ ቪዛ ጠለብ ግዚያት ከሕጽሮን ኣብሓጺር እዋን ድማ ጉዳያትካ ከም ዝሳለጥ ክገብሮን ይኽእል፡ እዚ ድማ እቶም ደገፋት ዝረኽቡ ሰባት ከም ኣብነት ከም ምርብ ኣገደስቲ ደኩመንትታት ክሕግዙ ስለ ዝኽእሉ ኢዩ። እዚ ውን ነቲ ናይ ኣባል ስድራቤት ካብ ጀርመን ዝወጻሉ እዋናት ከም ዝሓጽር ክገብሮ ተኽእሎታት ኣለዎ። ኣብ ኢስታንቡል IOM ቅድሚ እቲ ጠለብ ናይ ኢምባስይ ቆንስል ናይ ጀርመን ምቅራብካ ዘድሊ ደገፋት ወይ ምኽርታት ክህበካ ይኽእል።

ብሓፈሻ፡ እቶም ዳግመ-ምርኻብ መደብ ዘለዎም ሰባት ናብብቲ ተወካሊ ናይ ናይ ናይ ጀርመን ኤምባሲ ወይ ቆንስል ጠለባቶ ከቕርቡ ኣለዎም። እዚ ድማ ቆጸራ ምስ እትሕዝ ጥራይ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፡ በጃኻ ድማ ኣስተውዕል ተወከልቲ ል ኡኻት ናይ ጀርመን ብዛዕባ ናይ ቆጸራ ኣገባባት ዘድሊ ሓበሬታ ኣብቲ ገጻት ናይ ወሳይቶም ቀሪቦምልካ ኣልዉ፡ ከም ኡውን እንታይ ዓይነት ዶኩመንት ከተቅርብ ከም ዘለካ ኣብዚ ወብሳይት ክትረኽቦ ይከኣል።እንተኻነ፡ እቲ ናይ ትጽቢት ግዚያት ኣዝዩ ክነውሕ ይኽእል፡ እዚ ድማ ናይ ጀርመን ወኪል ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ መስርሓት ክሓልፉ ዘለዎም ጠለባት ስለ ዝቕበል ኢዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብቃንቃ ጀርመን፡ ኢንግሊሽ ከም ኡውን ዓረብ ኣብዚ ሊንክ ክትረክብ ትኽእል፡ Fap.diplo.de

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 09.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 01.08.2018

ንጀርመን ንምእታው ሎተሪ ኣሎ ዶ?

ናይ ሓሶት መድረ ገጽ (ስእሊ)

የለን! ሎተሪ ንጀርመን ክትነብሩ ትደልዩ ኣብዚ ብምጥዋቕ ትኣትዉ፡ ንክትሰምዖ ብ ጣዕሚ ጽቡቕ ዶኒ? እወ ሐሶት እዩ፡ ንጀርመን መእተዊ ዝኸውን ሎተሪ የለን. ኣስተውዕሉ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት መርበባትን (ዌብሳይት) ቤላቤለዉ ወረን ኣብ ምድረ ገጻት ዝወጽእ ተጠንቀቑ፡፡

ጌና እውን እንተኾነ ሓደ ዘየተኣማማኒ ዌብሳይት “ናብ ጀርመን ክንስድደኩም ” ከም ዝብል ኣብ ዘረባ ሰባት ይዘዋወር ኣሎ። እቲ ዌብሳይት፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ናብ ዘኽይድ ሎተሪ ቅድሚ ምምዝጋቡ ናብ 30 ናይ ዋትስኣፕ (Whatsapp) የዕሩኽካ ሓደ ባዕሉ ዘዳለዎ መልእኽቲ ንኽትልእኽ ይሓተካ። ብርግጽ እዚ ዌብሳይት እዚ ናይ ሓሶት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ዘሰድድ ሎተሪ ስለዘየልቦ።

ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዌብሳይታት ዘዳልዉ ሰባት፡ ዕላምኦም ንዓታትና ንምትላል እዩ። እቶም ኣብዞም ዌብሳይታት ዘለዉ መልሰግብሪ ወይ ድማ ርእይቶ-ዕግበት ናይ ሰባት፡ ዋላ እኳ ሓቀኛታት እንተ መሰሉ፡ ነቲ ዘለዉሉ ዌብሳይት ሓቀኛ ንምምሳል ተባሂሎም ዝተዳለዉ ናይ ሓሶት ርእይቶታት እዮም። ንሕና ግና ብቐሊሉ ክንታለል የብልናን፣ ሓደ ዌብሳይት ናይ ሃገረ ጀርመን ባንዴራ ስለዘለዎ ወግዓዊ እዩ ኣይበሃልን። በዚ ኮነ በቲ፡ መንግስቲ ጀርመን  እውን ናብ የዕሩኽካ ብላሽ መልእኽቲ ልኣኽ ኢሉ ብፍጹም ኣይእዝዝን እዩ።

በዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ጨወይቲ ሓሶታት ንከይንታለል ክንጥንቀቕ ይግበኣና! ስደት ንሂወትካ ምሉእ ዝትክፍ ኣዝዩ ዓቢ ውሳነ እዩ— ኩሎም ነገራት ሓቅነቶም ከየጻረና ከም ቀሊል ውሳነ ኣይንውሰዶ። ናብ ኤውሮጳ

ናይ ምስዳድ ሓሳብ እንተድኣ ሃልዩኩም፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ጽሑፋት ከገድሱኹም ይኽእሉ፡
https://rumoursaboutgermany.info/ti/life-situation/%e1%89%a5%e1%88%ad%e1%8c%8d%e1%8c%bd-%e1%8a%ad%e1%89%b5%e1%8c%89%e1%8b%93%e1%8b%9d-%e1%88%98%e1%8b%b2%e1%89%a5%e1%8a%ab/

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 06.04.2018 ዝተሓትመሉ፥ 14.03.2018

ናይ ስደተኛታት ፓስፕርት ግሪኽ = ሙሉእ ኣለያ ጥዕና ኣብ ኣብ ጀርመን?

ኣይፋል፡ ኣብ ግሪኽ ምዝጉባት ዑቕበኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ኦይሮጳ እንኮላይ ናብ ጀርመንን ክገሹሉ ዘኽእሎም ሰማያዊ ፓስፖርት ንኽወሃቦም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም እዮም፡፡ንዑኡ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲ ብዘይ ቪዛ ናብ ካልእ ሃገር ኦይሮጳ ኮምኡ ውን ጀርመን ክገሹ ይኽእሉ፡ እንተኾነ ግን ንመምጽኢኦምን ንመምለሲኦምን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ምስ ዝህልዎም ጥራይ እዩ ዝኸውን። ንሱ ምስ ዘማልኡ እውን  ናይ ኣለያ ጥዕና መሰላቶም ድሩት ኮይኑ ዑቕባ  ክሓቱ ድማ ኣይክ እሉን እዮም።

ኣብ ግሪኽ ዘይተኣማመነ ወረ ይውረ ኣሎ። „ኣብ ግሪኽ ብዙሓት ዑቕበኛታት ናይ ስደተኛታት „ውዕል ጂነቫ 1951“ ዝብል ኣብ ዝባኑ ዝተጻሕፎ  ሰማያዊ ፓስፖርት ይሓቱ እሞ“ ትብል ናብቲ ቦታ ዝተመደበት UNHCR „እዞም ሰባት ነዚ ፓስፖርት ምስ ተዋህቦም ብዕሊ ንጀርመን ከይዶም ኣብኡ ሙሉእ ናይ ሕክምና ኣገልሎት ዝግበረሎምን ክረኽቡ ዝኽእሉን ይመስሎም፡፡“

እዚ ወረ እዚ ዓቢ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ። ንእሽቶይ ክፋል ናይቲ ትሕዝቶኡ ጥራይ እዩ ሓቂ። ብሓደ ሃገር ኦይርጳ ዝተዋህበ መጉዓዝያ ፓስፖርት ዝሓዙ ምዝጉባት ስደተኛታት፡ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራት ኦይሮጳ ክገሹ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ግን ነቲ ናይ ጉዕዞ መምርሒታት ምስ ዘማልኡ ጥራይ እዩ። ኣብ ግዜ መገሻኦም መቐነዪኦም ዝኸውንን፡ ንዓዶም – ማለት ንግሪኽ መምለሲ ዝኸውንን እኹል ገንዘብ ከምዘለዎም ከርእዩ ግድን እዩ። ንጀርመን ንኽኣትዉ እንተተፈቐደሎም፡ “ሙሉእ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብነጻ“ ክረኽቡ ዝብል ወረ ሓቅነት የብሉን። ብናይ ስደተናታት ኣብ ውዕል ጂነቫ 1951 ዝተመርኮሰ ፓስፖርት ጌሾም ንጀርመን ዝመ‘ጹ ካብ ኣገልግሎት ረድኤታት ብሕጊ ግሉላት እዮም።

እኹል መእለይኻ ዝኸውን ገንዘብ ዘይብልካ ናብ ጀርመን መጺእካ፡ ብዕዳ መግስቲ  ሕክምና ክትራክብ ምፍታን ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ሕጋዊ ሳዕቤናት እውን ከስዕበልካ ይኽእል እዩ።  ብዕሊ ዘይተደረተ መንበሪ ፈቓድ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ሙሉእ ናይ መንበርን ናይ ሕክምናን ረድኤታት ክግበረሎ ዝፍቀድ። እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ምስቲ ንነበርቲ ዜጋታት ዝወሃብ ክወዳደር ዘይክእል ትሑት ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እዩ ዝግበረልም።

ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ መሰጋገሪ ካምፕ ግሪኽ @ dpa

ኣብ ግሪኽ ምዝጉባት ስደተኛታት፡ ኣብ ግሪኽ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ ከምዝኾኑ ከስተብህሉ

ብኣቋራጭ ኣብ ጀርመን ክርከብ ዝኽእል መሰል ዑቕባ የለን።

እቲ ኣገዳሲ፡ ሰመያዊ ናይ ዑቕበኛታት ፓስፖርት ተጠቒሞም ንጀርመን ወይ ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ኦይሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ኣብኡ ናይ ዑቕባ ሓተታ ከቕርቡ ዘይከኣል ሙዃኑ እዮ። እዚ ምስ ዝስ ዝኸውን፡ ሓተትኦም ብቐጥታ እዩ ዝንጸግ፡፡ ከም ስደተኛታት አብ ዝተመዝገቡሉ ሃገር – ናብ ግሬኽ ንኽምለሱ ድማ ይግደዱ። ካብ ጀርመን ምልቃቕ እንተ አብዮም ድማ  ብሓይሊ ክምለሱ ክግበር ይከኣል እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 05.10.2017

መንግስቲ ጀርመን መንበሪኻ ገንዘብ ይህበካ ድዩ?

ጀርመን ንዑቕበኛታት ጥረ-ገንዘብ ኣይትህብን እያ ©dpa

ኣብ ጀርመን ሓተቲ ዑቕባ ገለ ሓገዛት ይረኽቡ እዮም።  ግን ኣብ ጽንኩር ውሳኔታት ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ዝቖጠብዎ ኩሉ ምስተጠቐሙሉ እዩ ዝወሃብ። ብተወሳኺ ኩሉ ሓገዛት ዝወሃበሉ መንገዲ ብመልክ ዕ መጽለሊ ቦታ፡ መትሓጻጸቢታትን ክዳውንትን እዩ።

ክዳውንትን መትሓጻጸቢ እንዳተቐበልካ ኣብ መጽለሊ ቦታ እናተቐመጥካ ነዚኦም ነገራት መግዝኢ ጥረ-ገንዘብ ኣይክወሃበንካን እዩ።

ጉዳይ ሓተታ ዑቕባኻ ኣብ መጽናዕቲ ስጋብ ዘሎ፡ ግዝያዊ ኣብ ጀርመን መንበሪ ፈቓድ ተዋሂቡካ እንተኾይኑ፡ ኣብ ጥቓ መቐበሊ ስደተናታት ሰንተር ከተጽልል ክግበር እዩ። ምስኡ ዝኸይድ ኣገዳሲ ሓበሬታ እንተሎ፡ ቀዳማይ፡ ትነብረሉ ቦታ ክትመርጽ ዘይትኽእል ሙኻንካን፡ ካልኣይ፡  መብዛሕትኦም ትረኽቦም ረድኤታት ብመልክዕ ጥረ ነገራት፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን መግዝኢ-ወረቐት (vouchers/Gutscheine) ሙኻኑ እዩ። ስለዚ ክዳውንትን መትሓጻጸብን እንዳተቐበልካ፡ ብመምርሒ መንግስቲ መዐቀኒታት ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ዘማልኡ ነገራት እናተማልኣልካ ነዚኦም ነገራት ዝኸውን ጥረ-ገንዘብ ኣይክወሃበንካን ኣብ ፍሉይ ኩነት እንተዘይኮይኑ።

ኣብ ክንዲ ጥረ-ገንዘብ መግዝኢ-ወረቐት (vouchers/Gutscheine)

ዑቕበኛታት ዓሸራ እናሃቡ እዮም ዝምዝገቡ ©dpa

እዚ ክዳውንትን ካልኦት ንመዓልታዊ ሂወትካ ኣድለይቲ ነገራትን ንኽትገዝእ ዘኽእለካ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘለካ፡ ኣብ ጀርመን ኣስቤዛ  ካብቶም ዝመጻእኩሙሎም ካልኦት ሃገራት ዝኸበረ ሙኻኑ እዩ፡ በዚ ምኽንያት ንኻልኦት ነገራት ክትጥቀመሉ እትኽእል ገንዘብ ኣይክህልወካን እዩ፡ ክትቁጥብ ውን ኣይክትክ እልን ኢኻ።

መወዳ እትኡ፡ እቶት እንተ ኣልዩካ፡ ወይ ውን ንጀርመን ንኽትመጽእ ዝተጠቐምካሉ ዝቖጠብካዮን ዝዓቖርካዮን እንተሎ፡ መጀመርያ ነዚ ገንዘብ እዚ ክትጥቀመሉ ክትግደድኻ። ንኽራይ መንበሪኻ ቦታን፡ ንመውዓዪን፡ ንክወሃቡኻ ዝግባእ ዝነበረ ነገራት እውን ውሱን ገንዘብ ክትከፍል ክትሕተት ኢኻ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 13.09.2017

ዜግነትካ = ናይ ዑቕባ መሰላትካ፧

ኣብ ናይ መቐበሊ ስደተኛታት ባቫርያ ጀርመን ©dpa

ኣይፋል። ስቓይ ዝወረዶም ወይ ውን ከይክህደኑን፡ ከቢድ ግፍዒ ከየጋጥሞምን ዘስግኡ ሰባት ጥራይ እዮም ዑቕባ ክረኽቡ መሰል ዘለዎም። በብውልቀ እውን ጉዳዮም ብረቂቕ ይጽናዕ፡፡ ነቲ ዘድሊ መዐቀኒታት ናይ ውዕል ጂነቫ ሕጊ ስደተኛታት ወይ ናይ ጀርመን ሕጊ ስደተኛታት ዘየማልኡ ምስ ዝኾኑ፡ ካብ ጀርመን ክወጹን መበቆል ሃገሮም፡ ወይ ናብቲ መጀመርያ ዝኣተውሉ ሃገር ክምለሱ ክግደዱ እዮም፡፡

ፖለቲካዊ መምርሒ ጉዳያት ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ጀርመን

መሰል ዑቕባ ነቶም ዘድዮም ኣብ ሕጊ ጀርመን ብተሪር ኣገባብ ጽዱቕ እዩ። ብ ናይ ጀርመን ፖለቲካዊ መምርሒ ጉዳያት ዑቕባ ስደተኛታት፡ ንመሪር ግፍዕታት ዝወርደዶም ሰባት፡ ውልቃዊ ዑቕባ ማለት መንበሪ መሰል ይግብኦም እዩ። ኮይኑ ግን ዕላዊ መንበሪ መሰል ዘይረኸቡ ሰባት ነዚ ዓዲ ለቒቖም ንኽወጹ ኣለዎም፣ እንተዘይ ኮነ፡ ብሓይሊን ብወክፍሊቶም ወጹ ክግደዱ እዮም።

ዝርዝር ኣገባባት ናይ መስርሕ : ዑቕባ ኣብ ጀርመንከመይ ከም ዝኾነ ብግብሪ የርኢ፡

ኣብ ጀርመን ሓታቲ ዑቕባ ኮንካ ንኽትኣቱ ምስ ዝፍቀደልካ፡ ኣብ ጥቓኻ ኣብ ዝርከብ ዝምልከቶ መቐበል ስደተኛታት ናይቲ ክፍለ ሃገር ትመሓላላፍ። እዚ ኣብ ሙሉእ ጀርመን ዘሎ መስርሕ እዩ። ኣበይ ንኽትነብር ትምደብ፡ ምስቲ ኣብ ጀርመን ዘሎ መስርሕ መምርሒ ዝተሞርከሰ መስርሕ እዩ። ብዘየገድስ በየን ወገን ናብ ጀርመን ኣቲኻ፡ ኣበየናይ ክፍለ ሃገር ትምደብ ኣብ ምውሳን ግደ ወይ ዕድል የብልካን።

ተወሳኺ ናይ ጀርመን ኣገባባት መስርሕ ዑቕባ ዝምልከቱ ሓበሬታታትን፡ከምኡውን ዝርዝር ነጥብታት ሕግን መስርሕን ኣብዚ ዝስ ዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ፌደራል ምሕደራ ጀርመን ንጉዳያት ኣጋይሽን ስደተኛታትን ይርከብ። http://www.bamf.de

ቀጺሉ፡ ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ናብ ምሕደራ ጀርመን ጉዳያት ኣጋይሽን ስደተኛታትን (BAMF) ይመሓላለፍ። ሰራሕተኛታት ናይዚ ምሕደራ ንጉዳይካ ሰነዳትካ ብምውካስ ኣጥቢቖም መርሚሮም ውሳኔ ይህቡሉ። ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ኣወንታዊ መልሲ ምስ ዝረክብ፡ „ናይ መንበሪ ፈቓድ“ ይወሃበካ። ንሱ ድማ ስጋብ ጉዳይካ ኣብ መስርሕ ዘሎ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ እዩ ዝኸውን።

ውልቃዊ ቃለ መጠይቕ

ሰራሕተኛ BAMF ንኹሉ ሓታት ዑቕባ ብሓገዝ ተርጓማይ ነቲ ዝሃደመሉ ምኽንያት ውልቃዊ ሓተታ ይገብሩሉ። ኣብዚ ኣስተብህል፡ ዑቕባ ዝረክብ፡ ብፍሉይ ምኽንያት እዩ፡ እቲ ቀንዲ ድማ ብምኽንያት ሃደን ኣብ ስግኣት ንዝነብሩ፡ ወይ ውን ብመሰረት ውዕል ጂነቫ ንኡቕባ ስደተኛታት ዝሕብሮ ከቢድ ሓደጋ ከየጋጥሞም ዘስግእ ምስ ዝኸውን እዩ።

ቪዛ ጀርመን ንሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ©dpa

እቲ ቃለ መጠይቕ ይምላእን ይምዝገብን፡ ብቋንቋኻ ድማ ይትርጎመክላ። ናይቲ መዝገብ ቅዳሕ ይወሃበካ። ሓታቲት ዑቕባ ኡኣል ኣንስተይቲ ምስ እትኾኒ፡ ብሓደ ወዲ ተባዕታይ ሓተታ ክትርጎመልኪ እንተተሰኪፍኪ፡ እቲ ዘስደደኪ ምኽንያታት ውን ብፍላይ ምስ ጾታኺ ዝተኣሳሰረ ምስ ዝኸውን፡ ብሓንቲ ዝተመልመለትት ጓል ኣንስተይቲ ቃለ መጠየቕ ንኽግበረልኪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ ወይ መሰል ኣሎኪ።

ዓይነት መሰል ዑቕባን ተገዲድካ ንኽትምለስ ክውስነሉ ዘኽእለሉ መዳይን

ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡እቶም ናይ ዑቕባ መሰል ዝረኸቡ ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ይወሃቦም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ይፍቀደሎም፡ ኮምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካልኦት ናይ ኢንተግረሽን መደባት ክሳተፉ ክግደዱ ይኽእሉ እዮም።

ከምቲ መምርሒ ዝብሎ፡ ናይ ዑቕባ ሕትቶኦም ዝተነጽገ ሰባት ዓዲ ገዲፎም ክኸዱ ኣለዎም።
ንዝያዳ ሓበሬታ፡
https://www.bamf.de

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 10.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017
ናብ ጸፍሒ ተመለስ