ሓበሬታ ብዛዕባ ንዓደይ መምለሲ ዝኸውን ሓገዛት ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ማእከል ምኽሪ ንወጻእተኛታት ©dpa

ንዓድኻ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ? ምናልባት ብኸመይን መዓስን ክትምለስ ይከኣል ኣፈለጥካን ትህሉ – ወይ ውን ምስተመለስኩ ከመይ ጌሬ እግሪ ክተክል እየ ኢልካ ትወላወል ትህሉ፡፡ ምናልባት ንረድኤትካ ዝተዳለወ መደባትን ሓበሬታታትን ክህሉ ይኽእል እዩ።

ሰለስተ ጽቡቕ ናይ ምእታው/ምጅማር ዕድላት፤

ጽንኩር ተመኩሮታትካ ንድሕሪት ገዲፍካ ክትምለስ ምስ እትደሊ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ንምዕዋትካ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጀርመን ንውልቃዊ ምኽሪኻ ኣርባዕተ መንገድታት ኣዳልያትልካ ኣላ፡-

  1. ሓበሬታ ብኢንተርነት/ኦንላይን፡- ኣብ‘ዚ፡ ንወለንታዊ ምምላስ ድዩስ ንኣማራጺታት ዳግመ-ማሕበራዊ-ምውህሃድ ብዝምልከት ሓበሬታ ርኸቡ፤ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ድማ ኣብ www.returningfromgermany.de and www.startfinder.de
  2. ቀጥታዊ መስመር ቴሌፎን፦ መስመር- ሓበሬታ ንተመለስቲ ብናይ ሃገራዊ ምሕደራ ወጻእተናታትን ስደተኛታትን (BAMF) ብመስመር-ሓበሬታ ንተመለስቲ፡ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ሓገዝ መደባት ይሕብራኹም፡፡ ኣብ ጥቓኹም ዝርከባ ኣማኻርቲ ቤት ጽሕፈታት ድማ፡ ኣብቲ ኣገባባት ይተሓባበራኹም። እቶም ሰራሕተኛታት ስለ ኣብ ዓድኹም እግሪ መትከሊ መደባት ውን ይሕብሩኹም። ናብ +49 911 943-0 ደውሉ።
  3. ማእከላት ምኽሪ ንተመለስቲ፦ ኣብ ጀርመን ልዕሊ 1,000 ዝቝጽረን ናይ ውልቅን ብመንግስቲ ዝውነናን ማእከላት ምኽሪ ንተመለስቲ ኣለዋ። ኣብ‘ዘን ማእከላት እዚኣተን፡ ስደተኛታት፡ ንወለንታዊ ምምላስ ብዝምልከት፡ ውልቃውን ቀያዲ ዘይኰነን ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ። ኣብ ማእከላት ምኽሪ ንተመለስቲ ዘተኰረ ማዕከን ሓበሬታ (ዳታበይዝ) ዘለወን ክልተ ነቝጣታት መርበብ ሓበሬታ ኣለዋ፦
    www.startfinder.de
    https://www.integplan.de/Advisory-Centres.635.0.html?&L=1

ኣብ ሃገርኩም ስደተኛታት ምኽሪ ክውከስዎ ዝኽእሉ ማእከል ኣለዉ‘ዶ?

ልዝብ ኣብ መወከሲ ማእከል ©dpa

ኣብ ምኽሪ መወከሲ ማእከል ንውልቅኻ ዘድልየካን፡ ንኽትምለስ ዘሎ መንገድታትን ይሕብረካ።  ኣብ ሃገሮም ስራሕ ንዘናድዩ ኮነ፡ ብዕላዊ መንገዲ ንወጻኢ ሃገር ክኸዱ ንዝደልዩ ዝሕብራን ዘማኽራን  ከምዚ ዝኣመሰላ ማእከላት ብሓገዝ ናይ ሚኒስትሪ ኤኮኖሚኣዊ ምትሕብባርን ምዕባሌታትን (BMZ) ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣልባንያ፡ ጋና፡ ዒራቕ (ኢርቢል ከምኡ‘ውን ባቕዳድ)፡ ኮሶቮ፡ ሞሮኮ፡ ናይጀሪያ (ኣቡጃ፡ በኒን-ሲቲ፡ ሌጎስ)፡ ሰኔጋል፡ ሰርቢያ ከምኡ‘ውን ቱኒዝያ ድሮ ስርሐን ጀሚረን ኣለዋ። ከምዚ ዝኣመሰላ ማእከላት ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምትካል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

 

እዘን ማእከላት ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት የቕርባ፡-

  • ዕድል ስልጠና
  • ምድላይ ስራሕን ምደባን
  • ንደገፍ ምምስራት ትካል ዝምልከት ምኽሪ (ለቓሕን ወ.ዘ.ተ)
  • ምኽሪ ብዛዕባ ናብ ጀርመን ከም ስደተኛ እትኣትዉሉ ስሩዕ መገዲ
  • ተንቀሳቓስን ናይ-ርሕቀት (ቪርቹዋል)ን ናይ ሓበሬታ ነቝጣታት
  • ንሰራሕተኛታት ትካል ዕዮ ዝወሃብ ስልጠና
  • ካልኦት ኣገደስቲ ዝኾኑ፡ ሃገረ-ጀርመን ንእትምውሎም ፕሮጀክትታት ዝምልከቱ ሓበሬታት

ኣብ‘ዚ ግዜ እዚ ካብ ጀርመን ወጻኢ ዝርከባ ማእከላት እዘን ዝስዕባ እየን፦

ኣፍጋኒስታን
ተሌፎን፦ +93 79 904 7915
ኢ-መይል፦ reintegration-afghanistan@giz.de

ኣልባንያ
ተሌፎን፦ +355 69 7060 005 (ተንቃሳቓሲት ተሌፎን)
ኢ-መይል፦ dimak-albania@giz.de

ኮሶቮ
ተሌፎን፦ +383 38 22 33 44
ኢ-መይል፦ dimak-kosovo@giz.de

ሰርቢያ
ተሌፎን፦+381 11 24 01 681
ኢ-መይል፦ dimak-serbia@giz.de

ቱኒዝያ
ተሌፎን፦ +216 71 842 590
ኢ-መይል፦ tuniso-allemand@giz.de

ሞሮኮ
ተሌፎን፦ + 212 522271743
ተሌፎን፦ + 212 522490069
ኢ-መይል፦ maroco-allemand@giz.de

ዒራቕ
ተሌፎን፦ ‎+964 (0)770 668 56 26 (ኢርቢል)
ተሌፎን፦ +964 (0)770 668 56 26 (ባቕዳድ)
ተሌፎን፦ +964 751 741 1655
ኢ-መይል፦ mac-iraq@giz.de

ጋና
ተሌፎን፦: + 233 556 7585 16
ተሌፎን፦ + 233 556 7585 18
ኢ-መይል፦ migrationadvicecentreghana@giz.de

ናይጀሪያ
ተሌፎን፦ ‎+234 70 87 14 01 79 (ኣቡጃ)
ተሌፎን፦ ‎+234 81 54 99 08 88 (ሌጎስ)
ተሌፎን፦ ‎+234 70 53 49 31 68 (በኒን-ሲቲ)

ሰኔጋል
ተሌፎን፦ +221 33 825 87 21
ኢ-መይል፦ senegalo-allemand@giz.de

ኣብ ሃገርኩም ንስደተኛታት ንዝወሃብ ምኽሪ ብዝምልከት፡ ብመገዲ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ www.startfinder.de ድዩስ ቀጥታዊ መስመር ተሌፎን ወይ ንማእከል ምኽሪ ንተመለስቲ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም (ኣብ ላዕሊ ተመልከቱ)  

ተወሳኺ ሓበሬታ፦ http://www.bmz.de/en/issues/Sonderinitiative-Fluchtursachen-bekaempfen-Fluechtlinge-reintegrieren/deutsche_politik/aktionsfeld_4/index.jsp


Brochures: “Returning to New Opportunities”

Last update: 08/03/2018

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 07.11.2019 ዝተሓትመሉ፥ 13.09.2017