መንግስቲ ጀርመን ስራሕ ይህበካ ድዩ፧

ኣብ ናይ ምዝገባ ሰንተራት ክምዝገቡ ዝጽበዩ ወጻእተኛታት @dpa

መንግስቲ ጀርመን ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ቦታ ኣይትህብን እዩ። ሓተቲ ዑቕባ ምስኣተዉ፡ ንግዚኡ ናይ ስራሕ ፈቓድ ኣይወሃቦምን እዩ፡ ወላ ውን ናይ ዑቕባ መሰልን፡ መንበሪ ፈቓድን ረኺቦም እንተኾኑን፡ ስራሕ ንኽትረክብ ብዙሕ ዓመታት ይወስድ።

ብዙሕ ተወሳኺ ዝበሃልን የለን – መንግስቲ ጀርመን ናይ ስራሕ ቦታ ወይ ዕድል ኣይህበካን እዩ፡፡

ምዝገባ ሓተቲ ዑቕባ ©dpa

ንጀርመን መጺእካ ክትሰርሕ ክትክእል፡ ክትክተሎም ዘለካ ንጹራት መምርሒታት ኣለዉ። እተን መሰረታውያን ቅድመ ኩነት፡ ዜግነት ሓንቲ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኦይሮጳ (EU)፡ ወይ ኣብ ኤኮኖሚ ዝተመርኮሰ ሕብረት ኦይሮጳውያን ሃገራት (EEA) ዝምልከት ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ዜጋ ስዊዘርላንድ ወይ ካልእ “ሳልሳይ ሃገር” ምስ እትኸውን እዩ።
ንመጻኢ ግን፡ ሓዲ ናይ ክኢልታት ናይ ስደተኛታት ግብሪ/መስርሕ፡ ኣብ መጋቢት 1 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ፡ ናይ ስራሕ ብቕዓት ዘለዎም ውልቀሰባት ናብ ጀርመን ክ ኣትዉን ክሰርሑን ዘፍቅድ ናይ መስርሕ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ።

ናይ ስራሕ ፈቓድ ኣብ ጀርመን ንኽትረክብ ስለምንታይ እዩ ከቢድ

ነዚ ካብ ኣንበብካ፡ ካብቶም ናብ ዳሕረዋይ ዝተጠቕሱ ጃንዳ ከይኮንካ ኣይትተርፍን ኢኻ። ከም ካብ ሳልሳይ-ሃገር ዝመጽእ ሰብ፡ ኣብ ጀርመን ክትሰርሕ እንተደሊኻ ክትፈልጦ ዘለካ፡ መንበሪ ፈቓድ ከም ዘድልየካን፡ ብኡ መሰረት ድማ ናይ ሰራሕ ፈቓድ ከም እትረክብን እዩ።ነዚ ናይ መንበሪ ፈቓድ ንኽትረክብ ከተማልኦም ዘለካ ሓፈሻዊ ቅደመ ኩነት ኣለዉ። ብመጀመርያ መጉዓዝያ ፓስፖርት የድልየካ፡ ብተወሳኺ፡ ኣብዚ መጺእኩሉ ወጻ ኢታት ናይ ነብስኻ ባዕልኻ ክትሽፍኖ ከም እትኽእል ከተርኢ ኣሎካ:ንመንበሪኻ እኹል“ ገንዘብ ከምዘለካ (ኣብቲ ኣብዚ ትጸንሓሉ እዋን ድማ ነቲ ናይ ነፍስኻ ወጻኢታት ኩሉ እትሽፍነሉ ዓቕሚ ናይ ገንዘብ ከተርኢ ኣሎካ) ክህልወካ ኣለዎ።

ከም ዜጋ ስሉ-ሃገር እሞ ንግዚ ኡ ኣብ ወጻ ኢ ሃገር ዝርከብ፡ ናብ ጀርመን ብምኽንያት ሰራሕ ንኽትኣቱ ዘፍቅደልካ ቪዛ የድልየካ። ኣብ ክንዲ „ስቕ ኢልካ ክትፍትን“ ምምጻእ እሞ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ኣብ ዓድኻ ኴንካ ስራሕ ከተናዲ ክትጅምር ኣለካ፡፡ ገና ኣብ ዓድኻ እንከለኻ ስራሕ ኣብ ጀርመን እተናድየሉ መንገድታት ኣለዉ። ብመርበብ ሓበሬታታት ኣኪብና ኣቕሪብናዮ ዘለና ሓበሬታት ተመልከት፡እዚ ድማ ካብ ብዘይ መደብ ናይ ዓዲ ምቅያር‚‘‘ፈተነ ምግባር‘‘ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ከናግፈካ ይኽእል።

ኣብ ጀርመን ስራሕ ክትረኽበሎም እትኽእለሎም መንገድታት ኣለዉ። ብኸመይ ቪዛ ክትረክብ ትኽእል ንኽትፈልጥ፡ ከይተሰከፍካ ነቶም ኣዳሊናዮም ዘለና ሓበሬታታት ዝሓዙ ሰንሰለታዊ ምትእስሳራትን ሳጹናትን ረኣዮም፡ ቪዛ ንኽትረክብን ኣብ ጀርመን ኣቲኻ ንኽት ዕወንት እንታይ ቅድመ ኩነት ከተማልእ ኣለካ፡ ተመልከት።

ጀርመን ኣብዚ ሕጂ እዋን ክ ኢላታት ስደተኛታት ኢያ ትደሊ ዘላ፡ እዝ ኦም ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ሞያ ክህ፡ዎም ይኽእል።ንዝያዳ ሓበሪኣታ ኣብዚ ፈትሽ፡ www.make-it-in-germany.com.

YouTube

Mit dem Laden des Videos akzeptieren Sie die Datenschutzerklärung von YouTube.
Mehr erfahren

Video laden

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 10.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017