ሞያ ን’ዘለዎም ሰራሕተኛታት’ን ን’ሉዑል-ኪኢላታት’ን፤ ንጀርመን ዘእትው ሽድሽተ-ዓይነት ናይ ምእታው ሜላታት።

ኪኢላታት ናይ ICT አብ ስራሕ @jacoblund / istock
ኪኢላታት ናይ ICT አብ ስራሕ @jacoblund / istock

ካብ ወርሒ-ሰለስተ 2020 ጀሚሩ፤ ካብ አውሮጳ-ሕብረት ወጻኢ ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት፤ ንሃገር ጀርመን ብሕጊ-አትዮም ንኽሰርሑ፤ ክቐልለሎም ኢዩ።

ብመጀመሪያ ደረጃ፤ ተገዳስነት-ዘለዎም ተወዳደርቲ፤ ነቲ ናይ ሞያ ስልጣኔ’ኦም፤ በቲ ብ’ናይ ጀርመን ተቛማት ዝተዋህበ ሕጋዊ-ዝኾነ መለክዒ-መጠን፤ ተቐባልነት ክህልዎ አለዎ።

ውልቃዊ-ዝኾኑ መስርሐት፤ ቁሩብ ፍልልያት ኽህልዎም ይኽእል’ዩ። እዚ ናይ ተቐባልነት መስርሕ፤ አብ’ቲ ናይ ትውልዲ-ሃገርኩም ኽጅምር አለዎ ~ እዚ’ድማ ነዊሕ ቅድሚ ቪዛ ምሕታትኩም’ዩ።

አብ’ሃገር ጀርመን ከም ሞያዊ-ሰራሕተኛ ዲኹም ትፍለጡ?

ናይ ጀርመን ተቛማት ከም ሞያዊ-ሰራሕተኛ ክቕበሉኹም ዝኽእሉ፤ ባዓል-ሞያ ኾይንኩም፤ ተቐባልነት ዘለዎ አካደሚካዊ-ዲግሪ ወይድማ ብውሕዱ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ክልተ-ዓመት ሞያዊ-ስልጠና ናይ ጀርመን፤ ክህልወኩም አለዎ። ቪዛ-ንምውሳድ መመልከቲ ቅድሚ- ምቕራብ፤ ተወዳደርቲ፤ ካብቲ ዝምልከቶ ናይ ጀርመን ተቛማት፤ ሕጋዊ-ዝኾነ ናይ’ሞያ ተቐባልነት ክህልዎም አለዎ። www.anerkennung-in-deutschland.de. አብ ቴክኖሎጂ ናይ ሐበሬታ’ን መራኸቢታት’ን (ICT) ን’ዝሰልጠኑን፤ እኹል ዝኾነ ተሞክሮ ንዘለዎም ኪኢላታት’ን፤ ልዑል-ዝኾነ ትጽቢታት አሎ።

ንዝያዳ ሐበሬታ አብ፡ https://rumoursaboutgermany.info/facts/germany-opens-labour-market-for-skilled-workers-from-non-eu-countries

ን’ኻብ አውሮጳ-ሕብረት ወጻኢ ዝመጹ ስብ-ሞያ፤ ንጀርመን ብሕጋዊ ዝኾነ ቪዛ ኽእትውሉ ዝኽእሉ፤ ሽድሽተ-ዓይነትሜላታት አለው። እቲ ቪዛ ትሐቱሉ መመልከቲ፤ አብ’ቲ አብ ሃገርኩም አብ’ዝርከብ ናይ ጀርመን ቆንስላዊ-ቤት/ጽ፤ ክቐርብ አለዎ።

ቅድሚ ቪዛ ምሕታትኩም፤ ክትፈልጡዎ ዘለኩም ነገራት፡

1. ምእታው ናይ ሞያዊ-ስልጠና ድሕሪ-ባይታ ዘለዎም ሞያውያን፤

ከም ባዓል-ሞያ ኸብቃዓኩም ዝኽእል፤ ብዓወት ዝዛዘምኩሞ ሞያዊ-ስልጠና ሃሊዩኩም-እሞ፤ አብ’ጀርመን መጺኹም ንኽትሰርሑ፤ ድልየት አለኩም’ዶ? ድልየትኩም እንተኾይኑ፤ ሞያዊ-ስልጠናኹም፤ ኻብ’ቲ ዝምልከቶ ናይ ጀርመን ተቛማት፤ ሕጋዊ ዝኾነ ተቐባልነት ንኽረክብ፤ እቲ መስርሕ ኸትጅምሩዎ አለኩም። ሐንሳብ ሕጋዊ ተቐባልነት ምስ’ትረኽቡ፤ ኾምኡውን ኻብ ሐደ ናይ ጀርመን ዋሃቢ-ስራሕ በቲ’ሞያኹም ጭቡጥ-ዝኾነ ናይ ስራሕ-አቕርቦት ምስ’ዝመጻኩም፤ ቪዛ ኽትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም።

2. መእተዊ ናይ ወግዓዊ-ዘኾነ ትምህርቲ/ስልጠና ንዘይብሎም ናይ ICT ኪኢላታት፤

ኪኢላ ናይ ቴክኖሎጂ ናይ ሐበሬታ’ን መራኸቢታት’ን ዲኹም? አብ’ዚ ዘርፊ/ሞያ’ዚ፤ ዋላውን ወግዓዊ-ዝኾነ ዲግሪ ከይረኸብኩም፤ ብ’ውሕዱ ናይ ሰለስተ-ዓመት ዝኸውን ናይ-ስራሕ-ልምዲ ኸተመስክሩ ትኽእሉ’ዶ? ካብ ጀርመን ብሞያኹም ትሰርሑሉ ጭቡጥ-ዝኾነ ናይ ስራሕ-ቀረብ፤ አብ’ዓመት ብውሕዱ 49,680 አውሮ ትኽፈሉሉ ኾምኡውን እኹል ክእለት ናይ ቋንቋ ጀርመን (ደረጃ-B1) አለኩም’ዶ? ክም’ዚ እንተኾይኑ፤ አብ’ቲ ናይ ትውልዲ ሃገርኩም ዝርከብ ናይ ጀርመን ቆንስላዊ-ጽ/ቤት፤ ቪዛ ኽትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም።

3. መእተዊ ናይ አካዳሚካውያን’ን ዘይ-አካዳሚካውያን’ን ደለይቲ-ስራሕ፤

ሞያዊ-ትምህርትኹም አብ’ናይ ትውልዲ ሃገርኩም ወዲእኩም አለኹም። አብ ጀርመን ስራሕ ክትረኽቡ ትደልዩ’ዶ? ዩኒቨርሲቲ ወዲእኩም፤ ስራሕ ትደልዩ አለኹም? ዲግሪኹም ወይድማ ምስክርነት ናይ ሞያዊ-ስልጣነኹም፤ ሐንሳብ ብ’ናይ ጀርመን ተቛማት ሕጋዊ ተቐባልነት ምስ’ዝረኽቡ፤ አብ ጀርመን ሐድሽ-ዕድላት ንኽትረኽቡ፤ ናይ ሽድሽተ-ወርሒ ግዝያዊ-ዝኾነ ቪዛ ኽትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ተወዳደርቲ፤ እኹል ክእለት ናይ ጀርመንኛ-ቋንቋ ኸም’ዘለዎም’ን ባዕሎም ነብሶም ክመሐድሩ ከም’ዝኽእሉ’ን፤ ከመስክሩ አለዎም።

https://www.auswaertiges-amt.de/de/ReiseUndSicherheit/deutsche-auslandsvertretungen/03-webseitenav

4. መእተዊ ናይ ላዕለዋይ-ደረጃ ትምህርቲ-ቤት ወዲኦም፤ ናይ ስልጠና-ትምህርት ዝደልዩ፤

ላዕለዋይ-ደረጃ ትምህርቲ-ቤት ዝወድኡ፤ ዕድሚኦም ካብ 25 ንታሕቲ ዝኾኑ ሰባት፤ ናይ ስልጠና-ትምህርቲ ን’ምርካብ፤ ን’ሽድሽተ-ወርሒ ዝአክል-ግዜ፤ ንጀርመን ክአትው ይኽእሉ’ዮም። ሰለስተ ናይ ምምልካት ዋና-ኹነት፡ ምስክርነቶም፤ ዩኒቨርሲቲ ን’ኽአትው የፍቅደሎም’ዩ፤ ምዕቡል-ደረጃ ዘለዎ ክእለት ናይ ቋንቋ ጀርመን (ደረጃ B2) ኾምኡውን ነብሶም ኸመሐድሩ፤ እኹል ገንዘብ ክህልዎም አለዎ።

https://www.auswaertiges-amt.de/de/ReiseUndSicherheit/deutsche-auslandsvertretungen/03-webseitenav

5. መእተዊ ናይ ሙሉእ ተቐባልነት ናይ ሐደ ሞያዊ-ትምህርቲ ንምርካብ ዝኸውን፤ ተወሳኺ ስልጠና’ን ትምህርት’ን፤

አብ’ሐደሐደ ጉዳያት፤ ሙሉእ ተቐባልነት ቅድሚ ምርካብኩም፤ ንጀርመን ንምእታው፤ ሕጂ’ውን ዕድላት አሎ። አብ’ቲ ናይ ተቐባልነት-መስርሕ፤ እንተድአ ዝኾነ ናይ ጀርመን ባዓል-ስልጣን/ተቛም ሙሉእ ተቐባልነት (“ሐደ-ኽፋል ተቐባልነት”) ንምርካብ ተወሳኺ ስልጠና ወይድማ ትምህርቲ ኸም-ዘድልየኩም ሐቢሩኩም እሞ፤ ኻብ ዝኾነ ዋሃቢ-ስራሕ፤ ነዚ ተወሳኺ ሞያዊ ትምህርቲ ዘማልእ ሐደ ናይ ስልጠና-ዕድል ምስ’ዘቕርበልኩም፤ ነቲ መስርሕ ናይ ሙሉእ-ተቐባልነት ንምፍጻም/ንምዝዛም፤ ቪዛ ንኽወሃበኩም ከተመልክቱ/ኽትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ተወሳኺ ትምህርቲ እንዳ’ተኸታተልኩም እንከለኹም፤ አብ ሃገር ጀርመን፤ አብ’ውሱን ዝኾነ ኹነታት፤ ቑጽሪ አብ’ዘይብሉ መዳያት/ሞያታት፤ ስራሕ ንኽትሰርሑ ፍቓድ ክወሃበኩም ኢዩ።

6. ዝተቓለለ ናይ መእተዊ ቅጥዓውነት ናይ ጥዕና’ን ናይ መውዓሊ-ሕጻናት ኪኢላታት’ን፤

ብ’ፍላይ’ድማ፤ እዚ ጥራይ-እውን ዘይኮነ፤ አብ መዳያት ናይ ጥዕና’ን ናይ መውዓሊ-ሕጻናት’ን፤ እቲ ፌዴራላዊ ናይ ስራሕ ወኪል ወይድማ መንግስታዊ-ቤት/ጽ.፤ ምስ’ቶም ብቕዓት ዘለዎም ሰበ-ስልጣናት ናይ ካልኦት ሃገራት ስምምዓት ንኽውስን፤ ስልጣን ተዋሂቡዎ’ዩ። አብ’ከምዚኦም ዓይነት መዳያት/ሞያታት ዝሰልጠንኩም ሰራሕተኛ እንተድአ ኾይንኩም፤ ካብ’ዚ ንጀርመን-ዘእቱ፤ ዝተቓለለ መስርሕ ናይ ቪዛ ምርካብ፤ ረብሐ ክትረኽቡ ስለ’ትኽእሉ በተወሳኺ’ውን፤ ሐንሳብ አብዚ ምስ’አተኹም፤ ሞያዊ-ትምህርትኹም ተቐባልነት ንኽረክብ፤ ክትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኻልእ ነገራት’ውን ርኸቡ፡

ብዛዕባ ን’ጀርመን ምእታው/ምግዓዝ ናይ ሞያ/ስልጠና ዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝወጸ ሐደስቲ ሕግታት ብዝምልከት፤ ተወሳኺ ሐበሬታ ንምርካብ፤ አብ’ዚ ዝኽተል እተው፡
https://rumoursaboutgermany.info/facts/germany-opens-labour-market-for-skilled-workers-from-non-eu-countries/

www.make-it-in-germany.com ነቶም ሞያ/ስልጠና ዘለዎም’ን ንጀርመን ክአትው ዝደልዩ ሰራሕተኛታት’ን ዝምልከት፤ አገዳሲ/አድላዪ ዝኾነ ሐበሬታ የቕርብ’ዩ።

ብዛዕባ ተቐባልነት ናይ ትምርታዊ-ስልጠና ዝምልከቱ ሐበሬታታት፡
www.anerkennung-in-deutschland.de

ብዛዕባ ተቐባልነት ናይ ዲግሪ-ምስክክርነት ዝምልከቱ ሐበሬታታት፡
www.anabin.kmk.org

ብዛዕባ ቋንቋ ጀርመን ትመሃሩሉ ቦታ፡
አብ ትውልዲ-ሃገርኩም ዝርከብ ኤምባሲ ናይ ጀርመን፤ አብ ሃገርኩም አብይ-ቦታ ቋንቋ ጀርመን ከም’ትመሃሩ፤ ብዙሕ ሐበሬታ ኽህበኩም’ዩ:
https://www.auswaertiges-amt.de/de/ReiseUndSicherheit/deutsche-auslandsvertretungen/03-webseitenav

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 13.11.2019 ዝተሓትመሉ፥ 31.10.2019