Q & A: ስለምንታይ እቲ ኣሰር-ኣጻብዕቲ ኣብቲ መስርሕ ናይ ዑቕባ ምሕታት ይሕግዘካ

ኣብዚ ናይ ኣሰር-ኣጻብዕቲ ናይ ዕቕባ ሕቶ ጠለብ ብዙሕ ዝኾነ ፈጠራዊ ዝኾነን ዘይቅኑዕን ሓበሬታታት ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ተጠቃምነት ናይ ኣሰር-ኣጻብዕቲ በዚ ዝስዕብ ጸሚቕናዮ ኣሎና – ከምኡውን እቲ ሓገዝ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ሓበሬታ ክንህብ ኢና።

ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ ግናከ ዙይጽጹይ/ዘይቅኑዕ ሓበሬታ፡ ሓተቲ ዑቕባ ን ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ዝኾና ሃገራት ኣሰር-ኣጻብዕቶም ካብ ምሃብ ብሙቑጣብ ጥቕሚ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ኢዩ። ብብዝሒ ግዜ፡ እዚ ጌጋ ሓበሬታ ብሰንኪ ጌጋ ዝኾነ ምኽሪ ኢዩ ዝመጽእ፡ እዚ ድማ ኣሰር-ኣጻብዕ ካብቲ ናይ ሕብረት-ኤውሮጳ ተዓቂብሉ ዘሎ መኽዘን ሓበሬታ ክድምሰስ ዘለዎ ተኽእሎ ኢዩ፡ በዚ ውን ኣሰር-ኣጻብዕ ፍጹም ክድምሰስ ይኽእል ዝብል ማለት ኢዩ። በዚ ድማ ነቲ ወግዓዊ ምዝገባ ካብ ምግባር ምክልኻል ምግባር ከም ዘኽእል ኢዩ ዘስምዕ። እንተኾነ፡ ዝኾነ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ምስ ዝህበካ፡ ምስናይ ይቅሬታ እዚ ሓበሬታ ዘይቅኑዕ ሙኻኑን ዝተመስረሐ ሙኻኑን ክንሕብረካ ንፈቱ። እዚ ሕቶን መልሲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ እቲ ንጹር ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ኣሰር-ኣጻብዕ ምስ ዝህብ ጥቕሚ ይህልወኒ ዲዩ፥

ኣሰር-ኣጻብዕ ምሃብ ሓገዝ ንምርካብ ማዕጾ ክኸፍተልካ ይኽእል ኢዩ። ድሕሪ እቲ ወግዓዊ ዝኾነ ምዝገባ ምግባርካ፡ ነቲ ናይ ኣሰር-ኣጻብዕ ምሃብ ዘጠቃለለ፡ ኣብቲ ናይ ሃገረ ጀርመን ደገፍ ንምውሃብ መሰል ተዋሂብካ ኣሎኻ። Aእዚ ድማ ነቲ “Asylbewerberleistungen” ወይ ናይ ዕቅባ ሓተቲ ደገፋት (ከም ኣብነት መሰረታዊ ደገፍ) ዘጠቓለለ ኢዩ።

ንምንታይ ኢዮም ኣሰር-ኣጻብዐይ ከም ሓበሬት ዝዕቀቡ

ነፍሲ ወከፍ ሓታቲ ዑቅባ ናብ ኤውሮጳ ዝኣቱን፡ ናብታ ዝኣተወላ ቀዳመይቲ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘላ፡ ክምዝገብን፡ ናይ ዑቕባ ጠለብ ከቕርብን ኣለዎ። ኩሎም ሓተቲ-ዑቕባ እቲ ናቶም ኣሰር-ኣጻብዕ ክረጋገጽን ክዕቀብን ኣለዎ። እዚ እቲ መሰረታዊ ክፋል መስርሕ ናይ ዱብሊን (Dublin) ኮይኑ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ መሰረታዊ ናይ ዕቕባ ሕግታት ዝህብ ኣካል ኢዩ። በዚ መሰረታዊ ሕጋጋት ድማ፡ እታ ቀዳመይቲ ዝኣተኻላን ኣሰር-ኣጻብዕ ዝሃብካላን፡ ናይ ሕብረት-ኤውሮጳ ሃገር ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ንምምስራሕ ሓላፍነት ትስከም።

©dpa

ኣበየናይ እዋናት ወይ ግዚያት ኢየ ነቲ ናተይ ኣሰር-ኣጻብዕ ክዕቀብ/ክህብ ከፍቅድ ዘሎኒ፥

እቶም ወግዓውያን ናይ ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ተወከልቲ፡ ነቲ ኣሰር-ኣጻብዕካ ክሓቱልካ ዘኽእሎም ሰለስተ መሰረታውያን ኩነታት ኣለዋ፡

  1. እቲ ወግዓዊ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ናብቶም ዝምልከቶም ሰበስልጣን ምስ-ዝርከብ ወይ ምስ ዝወሃብ፡ ናይቶም ልዕሊ 14 ዝዕድሚኦም ሓተትቲ ጠለብ ኩሎም ኣሰር-ኣጻብዕ ክህቡ ግድነታዊ ኢዩ።
  2. ነቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ዶብ ብዘይ ሕጊ ክትሰግር ኣብ እትተሓዘሉ እዋን፡ እቶም ናይ ዶብ ሓለዋ ነቲ ናትካ ኣሰር-ኣጻብዕ ክረገግጽን ክዕቅብን ክሓቱኻ ኢዮም።
  3. ኩሎም ውልቀሰባት ኣብ ሃገራት ኣባላት ሕበረት ኤውሮጳ ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ዝነብሩ፡ ምስቶም ከባብያዊ በዓል-መዚታት ውይበዓል-ስልጣናት ክራኸቡ ምስ ዝጅምሩ፡ ነቲ ናቶም ኣሰር-ኣጻብዕ ከረክቡ ክሕተቱ ኢዮም።

ነቲ ናተይ ኣሰር-ኣጻብዕ ከይዕቀብ ክኣቢ ወይ ከይውሰደለይ ክቀወም ይኽእል ዶ፥

ኣይከኣልን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኩሎም ቶም ኣብቲ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኩነታት ክጸልዎም ዝኽእል፡ ነቲ ናቶም ኣሰር-ኣጻብዕ ንምርካብ ክእዘዙ ከም ኡውን ኣሰር-ኣጻብዖም ክዕቀብ ከፍቅዱን ብሕጊ ቅዩዳት ኢዮም።

ምትሕብባር ምስ ዝኣቢ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል፥

ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቓሰ ኩነታት፡ ኣሰር-ኣጻብዕ ምርካብ ግድነታዊ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ሰበስልጣን ብመሰረት ሕጋዊ ግቡእ መስርሕ፡ ነዚ ናይ ምልላይ መስርሕ ክቅጽል ከገድዱኻ ኢዮም።

እቲ ናተይ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ እዋን ወይ ክሳብ መዓስ ክዕቀብ ይኽእል፥?

እቲ ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ዑቕባ ሕቶ ሕቶኻ ካብ እተረክበሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ናትካ ኣሰር-ኣጻብዕ ንዝነውሐ እዋን 10 ዓመታት ኣብቲ ማእከላይ ናይ ሓበሬታ መዓቀቢ EURODAC ዝበሃል፡ ክዕቀብ ኢዩ። እቲ ናይ ዕቕባ ሕቶኻ እንተደኣ ተዓዊቱ፡ ጸኒሕካ ድማ ናይ ዜግነት ወረቀት፡ ብመሰረት ፍሉይ ጠለብካ፡ እንተደኣ ተዓዲልካ፡ እቲ ናትካ ዝተዓቀበ ሓበሬታ ካብቲ ናይ ዑቕባ ጠለብ መዓቀቢ ሓበሬታ ክድምሰስ ይኽእል ኢዩ። እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ናትካ ሓበሬታ ኣብዚ ማእከላይ መዓቀቢ ሓበሬታ ንዝነውሐ እዋን 18 ኣዋርሕ ክዕቀብ ኢዩ፡ ወይ`ውን ኣብ ፍሉያት እዋናት ሙሉእ ብ ሙሉእ ዘይክዕቀብ ተኽእሎታት ኣለዎ።

እቶም ናይ ጀርመን በዓል-መዚታት ወይ በዓል-ስልጣናት እቲ ናትካ ኣሰር-ኣጻብዕ ኣብ ካልኦት ኣባላት ሃገራት ሕረት ኤውሮጳ፡ ከም በዓል ግሪኽ ዝኣመሰላ፡ እንተደኣ ተዓቂቡ ኣሎ ክፈልጥዎ ተኽእሎታት ኣሎ`ዶ፥

እወ፡ ብልክዕ፡ እንተኾነ ምስቲ ኣዝዩ ረቂቕ ዝተኣሳሰረ ሕጋጋትን መምርሒታትን ብምትሕብባር። ናይ ኤውሮጳ ኣባላት ሃገራት፡ ኣብቲ ናይ ዑቕባ ጠለባት መስርሕ ብቀረባ ኢየን ዝተሓባበራን ዝተሓጋገዛን። እዚ ድማ እቲ ማእከላይ ናይ ኣሰር-ኣጻብዕ መዓቀቢ ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብቲ EURODAC ዝበሃል መዓቀቢ-ሓበሬታ የጠቃልል። በዚ ዲጂታላዊ መዓቀቢ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ግሪኽ ዝተወስደ ኣሰር-ኣጻብዕ ምስቲ ኣብ ጀርመን ዝተወስደ ወይ ብኣንጻሩ፡ ኣሰር ኣጻብዕ ክነጻጸር ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ እቶም ናይ ጀርመን በዓል-መዚታት ወይ ተወከልቲ በዓል ስልጣናት እዚ ምንጽጻር ኣብ ዝገብሩሉ እዋን በቲ ቅኑዕ ዝኾነ ኣገባብን ሕጊን ተመሪሖም ኢዮም። እዚ ድማ ሓደ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ዝሓተተ ውልቀ-ሰብ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግሪኽ ዑቕባ ሓቲቱ ምስ ዝነብር ነቶም በዓል መዚታት ናይቲ ሓታቲ ዑቕባ ናይ ዑቕባ ጠለቡ ናይ ግሪኽ ብቐጥታ ይበጽሖም። ኣብዚ እዋን ድማ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብቕጥታ ደው ይብል፡ ምኽንያት ቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኡ ሓንቲ ሃገር ክትምስርሖ ስለ ዘለዋ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓቲ ምስ ዝነብር ቀጺሉ ድማ ናብ ካልእ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት ሃገር ብዘይ ሕጊ ክ ኣቱ ማብ ዝፍትነሉ ምስ ዝተሓዝ እቶም ናይ ጀርመን በዓል-መዚታት ቕጥታዊ ዝኾነ ሓበሬታ ይበጽሖም።

©dpa

እቲ ኣሰር-ኣጻብዕ ክድምሰስ ወይ ክእለ ይኽእል ዲዩ፥

እቲ ኣብ ማእከላይ መዓቀቢ ቦታ ዝተዓቀበ ኣሰር-ኣጻብዕ ብጌጋ ምኹኑ ምስ ዝረጋገጽ ወይ`ውን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተዓቂቦም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ብንጡፍነት ክድምሰሱ ይኽእሉ ኢዮም። እንተደኣ ብፍላጥ ነቲ ኣሰር-ኣጻብዕካ ኣንቀሳቂስካዮ ወይ`ውን ክትድምስሶ እንተፈቲንካ፡ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ በቶም ተወከልቲ በዓል-መዚታት ክቃረጽ ይኽእል ኢዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 03.11.2020 ዝተሓትመሉ፥ 24.09.2020