ናይ ስደተኛታት ፓስፕርት ግሪኽ = ሙሉእ ኣለያ ጥዕና ኣብ ኣብ ጀርመን?

ኣይፋል፡ ኣብ ግሪኽ ምዝጉባት ዑቕበኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ኦይሮጳ እንኮላይ ናብ ጀርመንን ክገሹሉ ዘኽእሎም ሰማያዊ ፓስፖርት ንኽወሃቦም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም እዮም፡፡ንዑኡ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲ ብዘይ ቪዛ ናብ ካልእ ሃገር ኦይሮጳ ኮምኡ ውን ጀርመን ክገሹ ይኽእሉ፡ እንተኾነ ግን ንመምጽኢኦምን ንመምለሲኦምን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ምስ ዝህልዎም ጥራይ እዩ ዝኸውን። ንሱ ምስ ዘማልኡ እውን  ናይ ኣለያ ጥዕና መሰላቶም ድሩት ኮይኑ ዑቕባ  ክሓቱ ድማ ኣይክ እሉን እዮም።

ኣብ ግሪኽ ዘይተኣማመነ ወረ ይውረ ኣሎ። „ኣብ ግሪኽ ብዙሓት ዑቕበኛታት ናይ ስደተኛታት „ውዕል ጂነቫ 1951“ ዝብል ኣብ ዝባኑ ዝተጻሕፎ  ሰማያዊ ፓስፖርት ይሓቱ እሞ“ ትብል ናብቲ ቦታ ዝተመደበት UNHCR „እዞም ሰባት ነዚ ፓስፖርት ምስ ተዋህቦም ብዕሊ ንጀርመን ከይዶም ኣብኡ ሙሉእ ናይ ሕክምና ኣገልሎት ዝግበረሎምን ክረኽቡ ዝኽእሉን ይመስሎም፡፡“

እዚ ወረ እዚ ዓቢ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ። ንእሽቶይ ክፋል ናይቲ ትሕዝቶኡ ጥራይ እዩ ሓቂ። ብሓደ ሃገር ኦይርጳ ዝተዋህበ መጉዓዝያ ፓስፖርት ዝሓዙ ምዝጉባት ስደተኛታት፡ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገራት ኦይሮጳ ክገሹ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ግን ነቲ ናይ ጉዕዞ መምርሒታት ምስ ዘማልኡ ጥራይ እዩ። ኣብ ግዜ መገሻኦም መቐነዪኦም ዝኸውንን፡ ንዓዶም – ማለት ንግሪኽ መምለሲ ዝኸውንን እኹል ገንዘብ ከምዘለዎም ከርእዩ ግድን እዩ። ንጀርመን ንኽኣትዉ እንተተፈቐደሎም፡ “ሙሉእ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብነጻ“ ክረኽቡ ዝብል ወረ ሓቅነት የብሉን። ብናይ ስደተናታት ኣብ ውዕል ጂነቫ 1951 ዝተመርኮሰ ፓስፖርት ጌሾም ንጀርመን ዝመ‘ጹ ካብ ኣገልግሎት ረድኤታት ብሕጊ ግሉላት እዮም።

እኹል መእለይኻ ዝኸውን ገንዘብ ዘይብልካ ናብ ጀርመን መጺእካ፡ ብዕዳ መግስቲ  ሕክምና ክትራክብ ምፍታን ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ሕጋዊ ሳዕቤናት እውን ከስዕበልካ ይኽእል እዩ።  ብዕሊ ዘይተደረተ መንበሪ ፈቓድ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ሙሉእ ናይ መንበርን ናይ ሕክምናን ረድኤታት ክግበረሎ ዝፍቀድ። እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ምስቲ ንነበርቲ ዜጋታት ዝወሃብ ክወዳደር ዘይክእል ትሑት ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እዩ ዝግበረልም።

ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ መሰጋገሪ ካምፕ ግሪኽ @ dpa

ኣብ ግሪኽ ምዝጉባት ስደተኛታት፡ ኣብ ግሪኽ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ ከምዝኾኑ ከስተብህሉ

ብኣቋራጭ ኣብ ጀርመን ክርከብ ዝኽእል መሰል ዑቕባ የለን።

እቲ ኣገዳሲ፡ ሰመያዊ ናይ ዑቕበኛታት ፓስፖርት ተጠቒሞም ንጀርመን ወይ ውን ናብ ካልኦት ሃገራት ኦይሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ኣብኡ ናይ ዑቕባ ሓተታ ከቕርቡ ዘይከኣል ሙዃኑ እዮ። እዚ ምስ ዝስ ዝኸውን፡ ሓተትኦም ብቐጥታ እዩ ዝንጸግ፡፡ ከም ስደተኛታት አብ ዝተመዝገቡሉ ሃገር – ናብ ግሬኽ ንኽምለሱ ድማ ይግደዱ። ካብ ጀርመን ምልቃቕ እንተ አብዮም ድማ  ብሓይሊ ክምለሱ ክግበር ይከኣል እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 05.10.2017