ብዛዕባ ጀርመን ብሓጺሩ

Handbookgermany.de ዝብል ዌብሳይት ብ ሸውዓተ ቋንቋታት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ይህብ። © Handbook Germany (ሃንድ ቡክ ጀርመን) | ሌላ ኣህማድዛይ

Handbook Germany >ን ሓደስቲ ናብ ጀርመን ንዝመጹ ስደተኛታት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንምሃብ ዝተመስረተ መድረኽ እዩ። ዕላምኡ ድማ ንሓደስቲ ስደተኛታት ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ፡ ብኸመይ ኣብ ዝተፈልየ ሕብረተሰብ ሓድሽ ሂወት ትጅምር ቅልጡፍ ሓበሬታ ይህብ።Handbook Germany (ሃንድቡክ ጀርመን) ን ኣብ ውሽጢ ጀርመን ዘለዉ ስደተኛታት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህብ እንከሎ፡ ካብ ጀርመን ወጻኢ ዘለዉን ን ጀርመን ክመጽኡ መደብ ዝሓዙን ድማ Rumours about Germany – Facts for Migrants > (ሓቅታት ብዛዕባ ሃገረ ጀርመን) ኣብ ዝብል ሊንክ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ምርካብ ይኽእሉ። ሞያውያን ስደተኛታት ድማ “make it in Germany ” (ኣብ ጀርመን ብኸመይ ትብገስ ወይ ትዕወት) ኣብ ዝብል ሊንክ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል። >ኣብዚ ግዜ’ዚ መርበብ ሓበሬታ Handbook Germany, ንኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስደተኛታት ንመዓልታዊ ሂወቶም ዝጠቅም ቅኑዕ ሓበሬታን ውሳነታትን ኣብ ምሃብ ዓቢ ተራ ኣብ ምጽዋት ይረክብ።

ሓደስቲ ንጀርመን ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዙሕ ሕቶታት ክህልዎም ይኽእል ዩ። ንኣብነት፡ ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዘጋጥመኒ ንመን ክውከስ ይኽእል? ስራሕ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል? ቋንቋ ጀርመን ኣበይ ክመሃር ይኽእል? ደቀይ ንከምህር ኣየናይ ኢንስትዩት ክሕግዘኒ ይኽእል? እዞም ዝተጠቅሱ ሕቶታት ንዝኾነ ካብ ኩናት፡ ግፍዒን፡ ማእሰርትን፡ ግብረሽበራን ሃዲሙ ዝመጸ ስደተኛ ተወሳኺ ጭንቀትን ተጽዕኖን ክፈጥሩ ይረኣዩ።

መርበብ ሓበሬታ Handbook Germany (ሃንድቡክ ጀርመኒ), ነዞም ዝተጠቅሱ ሕቶታትን ካልእን ንምምላስ ርትዓውን ሓቀኛን ሓበሬታ ይቅርብ። ዋና ኣቅራብን ኤዲተርን መርበብ ሓበሬታ (ዌብሳይት) Handbook Germany ዝኾነ “ሞስጅካን እህራሪ” ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣነባብራን ባህልን ሕብረተሰብ ጀርመን ምስ እትፈልጥ፡ ብዘይ ጸገም ነብስኻ ክኢልካን ካብ ጽግዕተኝነት ተገላጊልካን ዕዉት ዝኾነ ሂወት ክትጅምር ከም ትኽእል ይገልጽ።

ካብ እሙናት ጋዜጠኛታት ዝተዋህበ ምስክርነትን ርእይቶታትን ንርአ።

ኣብዚ መርበብ ዝርከብ ኩሉ ሓበሬታ ብ ቋንቋ ናይቶም ብቁጽሪ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ማለት ዓረብ፡ ፋርስ፡ ፍሬንች፡ ፓሽቶ፡ ቱርኪሽ ከምኡ ዉን ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊሽን ይውሃብ። ሞስጅካን እህራሪ፡ “ዌብሳይትና ቅኑዕን ርትዓውን ሓበሬታ ብምቅራብ ንሰባት ካብ ጌጋ ሓበሬታን ውሳነታትን ንምግልጋል ኢና ንሰርሕ፡” ይብል። እዚ ፕሮጀክት ኣብ መፋርቅ ዓመተ 2017 ብሰንኪ ቅልውላው፡ ብዙሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ተንቀሳቃሲ ቴለፎናት ዝውንኑን ዋይ ፋይ ዝጥቀሙን እኮ እንተነበሩ፡ ብገዛእ ቋንቋኦም ሓቀኛ ሓበሬታ ብዛዕባ መዓልታዊ ሂወት ኣብ ጀርመን ንምርካብ ይጽገሙ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ዋና ኣሰናዳእን ኤዲተርን ናይዚ ዌብሳይት ዝኾነ ሞስጅካን እህራሪ፡ ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ብ ኦንላይን ብፍላይ ብ ፈይስቡክ ዝዝርጋሕ ዘይተረጋገጸ፡ ናብ ጌጋ ዝመርሕን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ከም ዘሎ ይገልጽ። ኤዲተራት ናይ መርበብ ሓበሬታ Handbook Germany, ተጠቀምቲ መርበባቶም ብዝኾኑ ስደተኛታት ልዑል እምነትን ክብርን ዩ ዝወሃቦም። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብዘለዎም ልዑል ናይ ጋዜጠኝነት ተመኩሮን ንባዕሎም መብዛሕትኦም ብስደት ዝሓለፉ ምዃኖምን ዩ። ሞስጅካን እህራሪ፡ ኣባላቱ ተመሳሳሊ ናይ ስደት ተመኩሮ ብምሕላፍ ሕጂ ስጡምን ውሁድን ናብራ ኣብ ሕብረተሰብ ጀርመን ክምስርቱ ከም ዝበቅዑን፡ ሃገረ ጀርመን ከም ገዝኦም ከም ዝርእይዋን ይዛረብ።

ቀዳማይ ብስደተኛታት ዝህሉ ምጥርጣር፡ ኣብ ጀርመን ናይ ምጽናሕ መሰል

ምስ ግዜ ተገዳስነትን ጉዳይን ስደተኛታት እናተቀያየረ ምምጽኡ ይፍለጥ። ኣብዚ ግዜ ዚ መብዛሕቶም ምስ ኤዲተራትን ኣዳለውትን Handbook Germany ዝሳተፉ ተጠቀምቲ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ተገዳስነቶም እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። መርዓን ፍትሕን፡ ፕሮፈሽናል ዝኾነ ናይ መምዘኒ ብቅዓት ፕሮግራማት፡ ሓደ ሰብ ፕሮፌሽናል ዝኾነ መምዘኒ እንተጠሊቡ ኸ እንታይ የጋጥም፡ ኣብ ጀርመን ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ወይ መሰል ከ ከመይ ዩ? ዝብሉን ካልእ ተመሳሳሊ ሕቶታትን ብብዝሒ ብተጠቀምቲ ዝቀርቡ ጉዳያት ዮም።

Reporter Sharmila Hashimi from Handbookgermany.de sitting in her office holding a microphone in front of her desktop computer in preparation for a show.
ሻርሚላ ሃሺሚ፡ ጋዜጠኛን ኤዲተርን መርበብ ሓበሬታ Handbookgermany.de እያ። ©Handbook Germany | ዓሊ እስታዝግህ

ኣብዚ ግዜ’ዚ ጉጅለ Handbook Germany 12 ምዱባትን፡ ዝተወሰኑ ግዜያውያን ሰራሕተኛታትን የጠቃልል። ንዝተወሰነ ጉጅለ ድማ ዘድልዮ ኣዝዩ ምሩጽ ትሕዝቶ ይቅርብ። እዚ ብብዙሕ ቋንቋ ዝቀርብ መርበብ ሓበሬታ ድማ ዝርጋሐኡ እንወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክሳብ 1.5 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ዌብሳይት ይጥቀሙ። ብተወሳኺ 190,000 ዝበጽሑ ተጠቀምቲ ብመገዲ ፈይስቡክ ስሩዕ ሓበሬታ ይረኽቡ። ሞስጅካም እህራሪ ከም ዝገልጾ ርትዓውን ቅልጥፉን ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ጉጅለ ኣብ ምትሕልላፍ ፈይስቡክ እቲ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ እዩ። እዚ ብ ፈይስቡክ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ብምቅጻል ናብ ዌብሳይት ብቅልጡፍን ብጻዕቅን ይዝርጋሕ።

እዞም ዝተጠቅሱ ክልተ መርበብ ሓበሬታ ማለት Rumours about Germany – Facts for Migrants ን፡ Handbook Germany ቀንዲ ዕላምኦም ንስደተኛታትን ተመዛበልትን ቅድሚ ናብ ጀርመን ምብጋሶም፡ ኣብ ግዜ ጉዕዞ፡ ከምኡ ዉን ኣብ ጀርመን ምስ በጽሑ ርትዓውን ቅኑዕን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ የተኩር። ሞስጅካም እህራሪ ከም ዝገልጾ በዚ ፕሮጀክት እዚ ገና ንመጻኢ ዉን ብዙሓት ስደተኛታትን ተመዛበልትን ትኽክለኛ ሓበሬታ ክረኽቡ ምዃኖም ይገልጽ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 28.08.2020 ዝተሓትመሉ፥ 16.06.2020