ንጀርመን ንምእታው ሎተሪ ኣሎ ዶ?

ናይ ሓሶት መድረ ገጽ (ስእሊ)

የለን! ሎተሪ ንጀርመን ክትነብሩ ትደልዩ ኣብዚ ብምጥዋቕ ትኣትዉ፡ ንክትሰምዖ ብ ጣዕሚ ጽቡቕ ዶኒ? እወ ሐሶት እዩ፡ ንጀርመን መእተዊ ዝኸውን ሎተሪ የለን. ኣስተውዕሉ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት መርበባትን (ዌብሳይት) ቤላቤለዉ ወረን ኣብ ምድረ ገጻት ዝወጽእ ተጠንቀቑ፡፡

ጌና እውን እንተኾነ ሓደ ዘየተኣማማኒ ዌብሳይት “ናብ ጀርመን ክንስድደኩም ” ከም ዝብል ኣብ ዘረባ ሰባት ይዘዋወር ኣሎ። እቲ ዌብሳይት፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ናብ ዘኽይድ ሎተሪ ቅድሚ ምምዝጋቡ ናብ 30 ናይ ዋትስኣፕ (Whatsapp) የዕሩኽካ ሓደ ባዕሉ ዘዳለዎ መልእኽቲ ንኽትልእኽ ይሓተካ። ብርግጽ እዚ ዌብሳይት እዚ ናይ ሓሶት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ዘሰድድ ሎተሪ ስለዘየልቦ።

ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዌብሳይታት ዘዳልዉ ሰባት፡ ዕላምኦም ንዓታትና ንምትላል እዩ። እቶም ኣብዞም ዌብሳይታት ዘለዉ መልሰግብሪ ወይ ድማ ርእይቶ-ዕግበት ናይ ሰባት፡ ዋላ እኳ ሓቀኛታት እንተ መሰሉ፡ ነቲ ዘለዉሉ ዌብሳይት ሓቀኛ ንምምሳል ተባሂሎም ዝተዳለዉ ናይ ሓሶት ርእይቶታት እዮም። ንሕና ግና ብቐሊሉ ክንታለል የብልናን፣ ሓደ ዌብሳይት ናይ ሃገረ ጀርመን ባንዴራ ስለዘለዎ ወግዓዊ እዩ ኣይበሃልን። በዚ ኮነ በቲ፡ መንግስቲ ጀርመን  እውን ናብ የዕሩኽካ ብላሽ መልእኽቲ ልኣኽ ኢሉ ብፍጹም ኣይእዝዝን እዩ።

በዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ጨወይቲ ሓሶታት ንከይንታለል ክንጥንቀቕ ይግበኣና! ስደት ንሂወትካ ምሉእ ዝትክፍ ኣዝዩ ዓቢ ውሳነ እዩ— ኩሎም ነገራት ሓቅነቶም ከየጻረና ከም ቀሊል ውሳነ ኣይንውሰዶ። ናብ ኤውሮጳ

ናይ ምስዳድ ሓሳብ እንተድኣ ሃልዩኩም፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ጽሑፋት ከገድሱኹም ይኽእሉ፡
https://rumoursaboutgermany.info/ti/life-situation/%e1%89%a5%e1%88%ad%e1%8c%8d%e1%8c%bd-%e1%8a%ad%e1%89%b5%e1%8c%89%e1%8b%93%e1%8b%9d-%e1%88%98%e1%8b%b2%e1%89%a5%e1%8a%ab/

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 06.04.2018 ዝተሓትመሉ፥ 14.03.2018