ደቆም ንዕቑባት ስደተኛታት ኣብ`ዛ ሃገር ዝተወልዱ እንተዀይኖም፡ ኣብ ጀርመን ንኽጸንሑ ተፈቒዱሎም ዶ?

ኣይፋል። ህጻናት ዋላ`ውን ኣብ ጀርመን ዝተወልዱ ይኹኑ፡ ብቐጥታ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦም እዩ ማለት ኣይኰነን።

ክልቲኣቶም ወለዲ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ምስዝዀኑ ወይ ድማ ገና ኣብ መስርሕ ምቕራብ ሕቶ ዕቝባ ምስዝህልዉ፡ ውላዶም እውን ኣብ ጀርመን ንኽጸንሕ ክፍቀደሉ ተኽእሎ ኣሎ። ጉዳይ ውላዶም ብመንጽር ፍሉይ ሕጊ ሕቶ ዕቝባ ዝረአ ክኸውን እዩ። ወለዲ ወይ ዝምልከቶ ናይ ወጻኢ ትካል-መዚ ብዛዕባ ዕለት ልደት ናይ`ቲ ህጻን ንፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስደትን ዕቑባት ስደተኛታትን (BAMF) ክሕብር ይግባእ።

ኣብ ጀርመን ተወሊድካ ማለት፡ ዜግነት ናይ ሃገረ-ጀርመን © dpa ከምዝወሃበካ ትሑዝ እዩ ማለት ኣይኰነን

ሓደ ካብ ወለዲ ዜጋ ናይ ሃገረ-ጀርመን ምስዝኸውን፡ ነቲ ሓድሽ ውላድ እውን  ዜግነት ናይ ጀርመን ክወሃቦ እዩ። ጉዳያት ናይ ደቂ ዜጋታት ወጻኢ ብመንጽር ካልኦት ሕጋጋት ዝረኣዩ እዮም። ኣቦ ወይ ኣደ ናይ ዝምልከቶ ህጻን፡ እቲ ህጻን ኣብ ዝተወልደሉ እዋን፡ ኣብ ሃገረ-ጀርመን እንተወሓደ ንሸሞንተ ዓመታት ብሕጋዊ መገዲ ዝተቐመጠ እሞ ቀዋሚ መሰል ነባርነት ዘለዎ ምስዝኸውን ጥራይ፡ ንህጻን ብቐጥታ ዜግነት ናይ ጀርመን ይወሃቦ።

ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስደትን ዕቑባት ስደተኛታትን ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ከቕርብ ይኽእል እዩ፦

http://www.bamf.de/EN/Fluechtlingsschutz/FamilienasylFamiliennachzug/familienasyl-familiennachzug-node.html

ንዳግመ-ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፦

https://rumoursaboutgermany.info/rumours/do-all-refugees-in-germany-have-the-right-to-be-reunited-with-their-family-members/

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 11.01.2019 ዝተሓትመሉ፥ 23.11.2018