ሱዳን፡ ንመጻኢ ዕብየት ብዘርኢ ምዝራእ

ሓደ ሓረስታይ ኣብ ገጠር ጥቓ ክሆር ኣበቸ ©dpa

ካብ 46,000 ንላዕሊ ዝኾኑ ተመሃሮ ትምህርቲ ሕርሻ ቀሲሞም

ጀርመን ኣብ ሱዳን ትምህርቲ ሕርሻ ንልምዓት ኣብ ባይታ ካብ 2008 ኣትሒዛ ክትተሓባበር ጸኒሓ እያ። ተሳተፍቲ ናይዚ መደባት ዘጥረይዎ ዓቕምታት ንኻልኦት ሓረስቶት ይምህሩሉን የካፈልዎን፡፡ በዚ ኣገባብ ኣብ ግዜ ሓድሕዳዊ ውግእ ብራት ብዝዓጠቑ ጃንዳታት ዝተባረሩ ሰባት፡ ዝበልዕዎ ከፍርዩሉ ዝኽእሉሉ ዓቕምታት የጥርዩን መናበሪኦም ዝኸውን እቶት ውን ይምእርሩ። ዘርኢ ኣተሓራርያን፡ ነቲ ዘርኢ ዝመችአ መሬት ኣለሊኻ ኣብ ምዝራእን፡ ነቲ ፍረ እቶቶም ብልክዕ  ኣብ ምኽዛንን፡ ኣብ ናይ ከባቢኦም ዕዳጋ ናይ ምውራዱ ዓቕምታት እውን የጥርዩ። ሓደ ካብቶም 206 ጀርመን ትሕግዞም ናይ ሕርሻ ትምህርቲታት ክትበጽሕ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ዘርኢ ኣተሓራርያን፡ ነቲ ዘርኢ ዝመችአ መሬት ኣለሊኻ ኣብ ናይ ምዝራእን፡ ነቲ ፍረ እቶት ብልክዕ ምኽዛንን፡ ኣብ ናይ ከባቢኻ ዕዳጋ ናይ ምውራድ ዓቕምታትን እውን ተጥሪ።

“ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ባዕልና ነብስና ክንኣሊ፡ ክንክእል ኢና”

ሰቨሪና ዊልያምስ፡ ተሳታፊት

ሓፈሻዊ ቁጽሪ ተጠቀምቲ እዚ መደባት ዝኾኑ፡ ምስ ስድራቤቶም፡ ካብ 46,000 ንላዕሊ እዩ። እዚ መደብ ንተሳተፍቲ ዘርኢን መሳርሒ ናውትን ይህቦም ኣስታታት 10,000 ወረቓቒቲ (vouchers) ከም መበገሲ ረድኤት ተዓዲሎም። ካብ ለስለስታ መክላኸሊ ከረጺታት፡ መጥሓኒ ፉልን፡ ማሕረሻታትን፡ ናይ ዘርኢ ማሽናትን ተዓዲለን። ብሓፈሽኡ፡ ትሽዓተ ናይ ኣትክልቲ መብቆሊ ሽፉናት ጀራዲን ተተኺለን፡ ብዙሓት ዘርእታት ኣትክልቲ እውን ተዳልዮም ተዓዲሎም።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017