ጀርመን ንስደተኛታት ኣብ ወጻኢ መምሃሪ ስኮላርሺፕ ትህብ እያ

ሳይሞን ማሮት ቱሎንግ፡ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብር ደቡብ ሱዳናዊ ስደተና ዘቕረቦ መደረ ኣብ ዓለም ለኻዊ ናይ መን እሰያት ጉባኤ [Global Refugee Youth Consultations. ©UNHCR ]

ጀርመን ካብ 12 000 ንላዕሊ ንዝቑጸሩ ስደተኛታት መምሃሪ ስኮላርሺፕ ከፊላ

The Albert Einstein German Academic Refugee Initiative (DAFI)  ስደተኛታት ኣብ ዩነቨርሲቲታት ዝተሰደዱሉ ሃገር ንኽመሃሩ ስኮላርሾፕ ትህብ

ሳይሞን ማሮት ቱሎንግ ሓደ ካብቶም ልዕሊ 12 000 ተጠቀምቲ ናይዚ ካብ 1992 ኣትሒዙ ንብዙሓት ስደተናታት ዓቕምታቶም ንኸማዕብሉ ዝሕግዝ መደብ እዩ፡፡ እዚ መንእሰይ እዚ ቀዳማይ DAFI ስኮላርሾፕ ዝረኸበ ደቡብ ሱዳናዊ ኮይኑ፡ “ኣብ ሂወትካ ሓንሳብ ዝርከብ ዓቢ ዕድል” ጌሩ እውን ይገልጾ።

DAFI ብደረጃ መንግስቲ ጀርመንን ብውልቀ መወልቲን ዝኽፈል መደብ እዩ። ንስደተኛታት ዓለም ስኮላርሽፕ እናሃበ፡ መመዝገቢኦም እናኸፈለ መብዛሕትኡ ወጻኢታቶም እናኸኣለ፡ ናውቲ ትምህርትን፡ መግብን መጉዓዝያን፡ መንበሪ ቦታን ካልእን እናማልአ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ንምኽፋት ዝኣለመ ድማ እዩ፡፡ መደብ DAFI ንስደተኛታት ኣብ ሰፊሕ ናይ ልዑል ትምህርቲ ባይታታት ኣሳቲፉ፡ ንዘዕቆብኦም ሃገራት ንምብርካት የብቅዖም።

ተመሃሮ DAFI ብተወሳኺ ረድኤትን ጽዑቕ ኣለያን፡ ናይ ኣካደምያ ምድላዋትን፡ ንተመሃሮ ዩነቨርስቲ ዘድልዩ ናይ ቋንቋ ትምህርትን ኮምኡ እውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዛትን፡ ኣለያን ምስ ብዙሓን እናኣዛመደን እናኣተኣሳሰረን ዕድላት ይፈጥር።

ስደተኛታት መን እሰያት ካብ ሩዋንዳ፡ ኮንጎ፡ ሶማልያን ኣንጎላን ኣብ ናይ ስደት ሂወት ተመኩርኦም ዝተመርኮሰ መዝሙር ጽሒፎም  ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ስደተኛታት መን እሰያት ጉባኤ (Global Refugee Youth Consultation) ኣብ ዛምብያ ኣቕሪቦም። ©UNHCR Photo

ሳይሞን ማሮት ቱሎንግ ሓደ ጽቡቕ ኣርኣያ ውጽኢት ናይዚ መደብ እዩ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣብታ ን 15 ዓመት ዝተቐመጠላ ሃገር መባእታ ትምህርቱ ጀሚሩ፡ ሸውዓተ ኪሎሚተር ንመዓልቲ እናተጉዓዘ ብንጉሆኡ መባእታ ትምህርቲ ተሳቲፉ፡. ብሓገዝ DAFI ን ብተወሳኺ ናይ ኣብ ሰላምን ውሕነትን ዘተኮረ ኣሳታፊ ዝኾነ ናይ “ኣፍሪቃን ነትወርክን” ናይ ረድኤት መደባት ንስደተኛታት መንእሰያት፡ ብሰንኪ ውግእን ሰኣ ዕድላትን ኣብ ተነካኢ ኩነታት ዝወደቑ  ዘተኮረ እዩ።

ተወሳኺ ስኮላርሺፕ – ተወሳኺ ዕድላት

ካብ 2016 ኣትሒዙ ጀርመን ባጀታዊ ሓገዛታ ኣዛይዳ፡ ኣስታት 6,700 ዝቑጸሩ ካብ 50 ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት 2017 ካብ DAFI ስኮላርሺፕ  ክረኽቡ ጌራ እያ።  ብናይ UNHCR ሰደተኛታት ናይ ምምላስ መደባት ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ካብ DAFI ስኮላርሺፕ ክሓቱ መሰል ኣለዎም።

መን ክሓትት ይኽእል?

ክትሓትት ዝኽእል ተሳታፊ ከማል ኦም ዘለዎም ነጥብታት፡

  • ተቐባልነት ዝረኸበ ስደተኛ ክኸውን ኣለዎ
  • ንዝምለሱ ኣብ ዝተዳለወ መደባት ዝካፈል ተመላሲ ክኸውን ኣለዎ
  • ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዓወት ዝዛዘመ ክኸውን ኣለዎ
  • ኣብ ዩነቨርስቲ እናተማህረ ክረኽቦም ዝኽእል ምንም ካልኦት ረድ ኤታት ክህልዎ የብሉን
  • ዝመርጾም ዓውደ ትምህርቲታት ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ሃገሩ ስራሕ ክረኽበሎም ዘኽእልዎ ትምህርቲታት ክሎኑ ኣለዎም
  • ሰለስተ ስጋብ ኣርባዕተ ዓመታት ዝወስዱ
  • ትምህርቲ ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ ዕድሚኡ ካብ 28 ዓመት ንላዕሊ ዘይኮነ
  • ናይ DAFI ስኮላርሽፕ ዝወስዱ ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ክህልዉዎ የብሎምን

መን ክሓትት ኣይክእልን?

  • ገና ከም ስደተኛታት ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሓተቲ ዑቕባ
  • ኣብ ስሉስ ሃገር ንኽጉዓዙ ኣብ ምጽባይ ዝርከቡ ስደተኛታት

ተወሳኺ ሓበሬታ

DAFI FAQ

The DAFI Programme at UNHCR

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 07.05.2018 ዝተሓትመሉ፥ 15.01.2018