ብወለንታኻን ተገዲድካን ናይ ምምላስ ዝምልከቱ ጭብጥታት

ናብ ዓድኻ ምምላስ @dpa

ናብ ጀርመን መጺእካ ናይ ዑቕባ መሰል፡ ምስኡ ዝተኣሳሰረ ድማ ናይ መንበሪ ፈቓድ ዘይብልካ እንተ ኮይኑ እሞ ምሕደራታት ንኽትወጽእ ምስ ዝሓቱኻ፡ ብቕጽበት ዓዲ ገዲፍካ ክትወጽእ ኣለካ። ብሓይሊ ኣመሓደርቲ ተገዲድካ  እንተወጺእካ ግን፡ ንነዊሕ ግዜ ናብ ዞና ብሸንገን ጥርኑፋት ሃገራት ክትኣቱ ክልኩል ክትከውን ኢኻ። ክፍሊት መጉዓዝያ መምለሲኻ ባዕኻ ክትክእሎ  ክትግደድ ኢኻ።

ኣብ ከምዚ ኩነት እቲ ዝሓሸ ምርጫ፡ ብወለንታኻ ምምላስ እዩ። ካብ 2015 ኣትሒዙ ካብ ግፍዕታትን፡ ፖለቲካዊ ሃደንን፡ ወይ ውን ካብ ድኽነት ከምልጡ 1.1 ሚልዮን ሰባት ናብ ጀርመን ኣትዮም እዮም።  ብዙሓት ወጻእተኛታት ብወለንትኦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ወሲኖም እዮም። 2016 ጥራይ ኣስታታት 54.000 ሰባት ተመሊሶም። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ንዓድኻ ክትምለስ ኣብ እትደልየሉ ግዜ ቁጠባዊ ረድኤት ክህቡ ዝኽእሉ መፋነዊ መደባት ተዳልዮም ኣለዉ። ክትምለሱ ኣብ እትሓስቡሉ ግዜ – ወይ ውን ናይ ዑቕባ መሰል ንኽትረክብ ዕድል ዘይብሉ፡ ክምለስ ዝደሊ ሰብ ትፈልጡ እንተድኣ ኮንኩም ሓብርዎ – ብዛዕባ ብወለንታኻ ናይ ምምላስ ኣገባባትን፡ ናይ ረድኤት መዳያትን ካብ ንዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ተወከሱ።
www.ReturningfromGermany.de

ንሓበሬታኻ፡ ናብ ዓድኻ ክትምለስ እንተድኣ ደሊኻ፡ መንግስትኻ ክነጽገካን፡ ምቕባል ክኣብን ኣይክእልን እዩ፡፡ ብዓይኒ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ መንግስትታት ዜጋታቶም ክቕበሉ ሓላፍነት ኣለዎም።
ኣብ ጀርመን ናይ ዞና ሓለፍቲን ኣመሓደርትን ጉዳያት ወጻእተኛታት እዮም ነቶም መንበሪ ፈቓድ ዘይብሎም ሰባት ናይ ምምላሶም ሓላፍነት ዘለዎም። ሃገራዊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብጥብቂ ምትሕብባር ምስ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ብተወሳኺ ምስ ኩለን ዝመጻእኩምለን ዓድታት ተረዳዲኡ ንምምላስኩም ኣብ መስርሕ ይኣቱ።

መንግስቲ ጀርመን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ጀረምን ንዝነብሩ ሰባት ዝምልከት ጽንኩር መምርሕታት እናኣዳለወ ይርከብ፡፡ እዚ መምርሒታት ገና ሕጊ ኮይኑ ኣይጸደቐን ኣሎ። መዓስ ይጸድቁን ኣብ መስርሕ ይውዕሉን ኮምኡ ውን እንታይ ይመስሉን ምስ ነጸረ ክንሕብረኩም ኢና።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 24.06.2019 ዝተሓትመሉ፥ 13.09.2017