ፓስፖርት እንታይ እዩ፤ ስለምንታይ እየ ኸ ክገዝኦ ዘይክእል?

©dpa

ፓስፖርት ማለት ሓንቲ ሃገር ንዜጋታታ እትህቦ ውልቃውን ወግዓውን መለለዪ ሰነድ እዩ። `ዜጋታት` ክበሃል እንከሎ፡ ነቶም ድሒሮም ዜግነት እተዋህቡ ውልቀ-ሰባት እውን ዘጠቓልል እዩ። ፓስፖርት ሓደ ወናኒኡ ብሕጋዊ ኣገባብ ካብ`ታ ሃገር ዶብ ሰጊሩ ንክኸይድ ኰነ ናብ`ታ ዝምልከታ ሃገር ንኽኣቱ የኽእል። ወነንቲ ፓስፖርት ነዚ ሰነድ እዚ ተጠቒሞም ኣብ ቅድሚ ዝምልከተን ሃገራውያን ትካላት መዚ ድዩስ ኣብ ቅድሚ ናይ ብሕቲ ትካላት ወይ ውልቀ-ሰባት መንነቶም ከረጋግጹ ይኽእሉ። ስለዚ ውልቀ-ሓበሬታኦም ልክዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ነዚ ሰነድ እዚ ከርእዩ ዝከኣል እዩ።

ዋላ`ኳ ስም ወናኒ ፓስፖርት ኣብ`ቲ መለለዪ ሰነድ ባዕሉ ዝጥቀስ እንተዀነ፡ ወናኒኡ ግና እቲ ውልቀ-ሰብ ባዕሉ እዩ ማለት ኣይኰነን። ነፍሲወከፍ ፓስፖርት ንብረት ናይ`ታ ዝዓደለቶ ሃገር እዩ። ስለዚ ፓስፖርት ኣብ መሸጣ ክውዕል ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ ዝዀነ ይኹን ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ድዩስ ብመገዲ ውልቀ-ሃገራት ንመሸጣ ዝቐርብ ፓስፖርት ዝተሰርቀ ወይ እተተምየነ (ዝተሰንዐ) እዩ።

ፓስፖርትታት ካብ ትምየና ውሕስነት ንኽረኽቡ፡ መበቆላዊ ልክዕነት ዘረጋግጹ ረቀቕቲ መለለዪታት ይግበሩሎም፡  ©dpa 

ኵላቶም ፓስፖርትታት መበቆላዊ ልክዕነት ዘረጋግጹ ንጹራት ረቀቕቲ መለለዪታት ኣለውዎም። ስለዚ ትምዩናት ፓስፖርትታት እንተደኣ ተመርሚሮም ብቐጥታ እዩ ክቃልዑ ዝኽእሉ። ውልቃዊ ሓበሬታ ናይ ወናኒ ፓስፖርት ኣብ ሰነድ እዩስ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ ቅጥዒ ሰፊሩን ኣይሰፈረን ዘገድስ ጉዳይ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኤሌክትሮኒካዊ ውህሉል ሓበሬታ ዘይብሎም ፓስፖርትታት እውን ሕቡኣት ዝዀኑ መበቆላዊ ልክዕነት ዘረጋግጹ ረቀቕቲ መለለዪታት ኣለውዎም።

ወጻእተኛታት ውልቀ-ሰባት እተተምየነ ፓስፖርት ተጠቒሞም መንበሪ ፍቓድ ሃገረ-ጀርመን ሒዞም ምስዝጸንሑ፡ መንበሪ ፍቓዶም ኪሕደጉ ዝከኣል እዩ። ብተወሳኺ፡ ምውናን ይኹን ምጥቃም እተተምየነ ወይ እተመሓየሸ ፓስፖርት፡ ከምኡ`ውን ምውናን ይኹን ምጥቃም ፓስፖርት ናይ ካልእ ውልቀ-ሰብ፡ ብሓንሳብ ብዝተፈላለዩ ገበናዊ ተግባራት ዘሕትት ጉዳይ ክኸውን ይኽእል። ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ ሃገረ-ጀርመን፡ እዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ ተግባራት ብገበን ዘሕትቱ እዮም፦ ጸይቃዊ ምብልሻው ናይ ወግዓውያን መለለዪ ሰነዳት፡ ትምየና፡ ደይ-መደይ ኢልካ ኣብ ህዝባዊ ማዕከን ምዝገባ ግጉይ ሓበሬታ ከምዝምዝገብ ምግባር፡ ክሕተሙ ዝግብኦም ሰነዳት ከምዘይሕተሙ ምግባር፡ ኣብ ወግዓዊ መለለዪ ሰነዳት ጸይቃዊ ብልሽት ንምክያድ ምድላዋት ምግባር፡ ምውናን ግጉያት ወግዓውያን መለለዪ ሰነዳት፡ ንመለለዪ ሰነዳት ኣብ ግጉይ መዓላ ምውዓል፡ ኣብ ልዕሊ መዓርጋዊ መጸውዒታት፡ ሞያዊ ምድባት ይኹን ሕላገታት ዝፍጸሙ ግህሰታት፡ ውልቃዊ ኵነታት ንዘፍልጥ ሓበሬታ ናብ ግጉይ መልክዑ ምቕያር፡ ከምኡ`ውን ገበናውያን ውድባት ምቛም።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 11.12.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.11.2018