ከመይ ጌርኩም ንመጀመርታ ግዜ ስራሕ ከምእትጅምሩ።

ኣሳእል ካብ`ቲ ኣብ ዳካር – ሰኔጋል ዝርከብ ማእከል ምኽሪ እተወስደ ©GIZ

ክጸንሕ ዶ ክኸይድ? ብዛዕባ ናብ ሃገረ-መበቆል ምምላስ ዶ ናብ ጀርመን ምቕጻል ነግ-ፈረግ ኣብ እትብሉሉ እዋን፡ ንገዛእ-ርእስኹም ኣገደስቲ ሕቶታት ክትሓትዋ ይግባእ፦ ኣበይ ክሰርሕ እኽእል? ኣብ ናይ መበቆል ሃገረይ ወይ ኣብ ጀርመን ከመይ ዝኣመሰለ ዕድል ስራሕ እዩ ዘሎ?  እቶም ዝሕተቱ ቅድመ-ኵነታት ከ ከመይ ዝኣመሰሉ እዮም? ክወስዶም ዘለኒ ስጉምትታት ኣየኖት እዮም? ከመይ ዝኣመሰለ ሓገዝ ክረክብ እኽእል?

ፈደራላዊ ሚኒስትሪ ቍጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ኣብ`ቲ www.startfinder.de ዝብል ናቱ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ፡ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዝኸውን መልሲ ከስፍር እዩ።

እዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ ንዕድላት ስራሕ ብዝምልከት ሓበሬታን ኣድራሻታትን ዘስፈረ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ዝተወሰነና ናይ መበቆል ሃገራት ስደተኛታትን ኣብ ጀርመንን ዝግበር ደገፍ ከኣ ይሕብር። እዚ ማለት ድማ፡ ሰባት ብዝበለጸ ንመጻኢ ይዳለዉን ይሕገዙን ማለት እዩ። እዚ መገዲ እዚ ንጥርጥር ንምስዓር ዝሕግዝን ተኽእሎ ጸገም ኰነ ብስጭት ኣብ ምውጋድ ዝጠቅምን እዩ።  

ሰራሕተኛታት ናይ`ተን ማእከላት ምኽሪ ኣብ ጉዳያት ዕድል ስራሕ፡ ስደትን ዳግመ-ውህደትን፡ ብመገዲ እቶም ብመርበብ ሓበሬታ ዝግበሩ ቀጥታውያን ዝርርባት፡ ቅልጡፍን ውልቃውን ምኽሪ ይልግሱ። ኣብ ገለ እዋናት፡ እቶም ሰብ ፍሉይ-ሞያ ክኢላታት ኣብ`ቲ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ ክርከቡ ዝከኣል ኰይኑ፡ ንዝዀነ ይኹን ብውልቀ-ሰባት ዝቐርበሎም ሕቶ ድማ ይምልሱ።

ኣብ`ቲ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ www.startfinder.de፡ ነዘን ቀጺለን ዝዝርዘራ ሃገራት ዝምልከት ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ፦ ኣፍጋኒስታን፡ ኣልባኒያ፡ ጋምቢያ፡ ጋና፡ ዒራቕ፡ ኮሶቮ፡ ሞሮኮ፡ ናይጀሪያ፡ ሰኔጋል፡ ሰርቢያን ቱኒዝያን። ንግብጽን ፓኪስታንን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክስዕብ እዩ። እዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ`ዚ እዋን እዚ ብቛንቋታት እንግሊዝን ጀርመንን ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብኻልኦት ቋንቋታት እውን ክንበብ ክከኣል እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 20.03.2019 ዝተሓትመሉ፥ 12.03.2019