ሃገረ-ጀርመን፡ ንዕዳጋ ዕዮኣ፡ ዜጋታት ናይ’ተን ካብ ክሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት ንዝዀኑ ሞያውያን ሰባት ክፉት ትገብሮ።

ውዕል ስራሕ – ስነ-ኪነታዊ ስልጠና – ምርግጋጽ ተቐባልነት ናይ ምስክር ወረቐት – ቪዛ

ሞያዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ናብ ሃገረ-ጀርመን ንኽኣትዉ ዘፍቅዱ ሓደስቲ ሕጋጋት ኣብ ፈለማ ዓመተ-2020 ኣብ ተግባር ክውዕሉ እዮም። እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ዜጋታት ናይ’ተን ካብ ክሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት ዝዀኑ – ሞያዊ ምስክር ወረቐት ዘለዎም ሰባት፡ ናብ ሃገረ-ጀርመን መጺኦም ንኽሰርሑ ዕድል ዝኸፍት እዩ። 

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጋዊ መምርሒ ቪዛ ንኽወሃቦም ሕቶ ቅድሚ ምቕራቦም፡ ግዱሳት ዘበሉ ሰባት ዘለውዎም ሞያዊያን ወረቓቕቲ ምስክር ብዝምልከቶ ትካል ሃገረ-ጀርመን ወግዓዊ ተቐባልነት ከምዝረኽቡ ክገብሩ ግዴታዊ እዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ብዝምልከት፡ ሓበሬታ ኣብ www.anerkennung-in-deutschland.de. ክርከብ ይከኣል። ግዱሳት ሞያውያን ነዚ መስርሕ እዚ ተቓላጢፎም ክጅምርዎ ይግባእ። እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ተግባር ቅድሚ ምውዓሉ ነዚ መስርሕ እዚ ምጅማሩ እውን ዝከኣል እዩ።

ንዘለውዎም ወረቓቕቲ ምስክር ኣብ ጀርመን ተቐባልነት ከምዝረኽቡ ዝገበሩ ሞያውያን፡ ኣብ ሓደ ንጹር/ፍሉጥ ዝዀነን ዝምጥኖምን ዓይነት ስራሕ ተቘጺሮም ንምስራሕ ናብ ጀርመን ንኽመጹ ቪዛ ምእንቲ ክወሃቦም መመልከቲ ከቕርቡ ይኽእሉ። ዝምልከቶ ትካል ሃገረ-ጀርመን ንወረቓቕቲ ምስክር ናይ ሞያኦም ብኸፊል ጥራይ ተቐባልነት ዝሃቦ ግዱሳት ሰባት፡ ናብ ጀርመን ኣትዮም ተወሳኺ ስልጠናን ፈተናን ንኽወስዱ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ እናሰርሑ እውን ንኽጸንሑ፡ ቪዛ ክወሃቦም ተኽእሎ ኣሎ።

እኹል ደረጃ ምልከት ቋንቋ ጀርመንን ናይ መነባብሮ ገንዘብን ዘለዎም ሰባት እውን ከም ደለይቲ ስራሕ ናብ ሃገረ-ጀርመን ንኽኣትዉ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘገልግል ቪዛ ንኽወሃቦም ዕድል ኣለዎም። ትሕቲ-25-ዝዕድሚኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝዛዘሙ መንእሰያት፡ ዘለዎም ምስክር ወረቐት ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንኽኣትዉ ዘኽእሎም እንተዀይኑ፡ እሞ ላዕለዋይ ብቕዓት ምልከት ዘረባ ቋንቋ ጀርመን (ደረጃ B2) ዘለዎምን ብዛዕባ ገንዘብ ዝመጸ ርእሶም ዝኽእሉን ምስዝዀኑ፡ ዕድል ስልጠና ሃሰው ንኽብሉ ኣብ ጀርመን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኽጸንሑ ዕድል ኣለዎም።

ነቶም ዕድሚኦም ካብ 45 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሞያውያን ዝምልከቱ ሕጋጋት ፍልይ ዝበሉ ክዀኑ እዮም። ናብ ጀርመን መጺኦም ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ እንተዀይኖም፡ ገለ መጠን ዝወሓደ ደሞዝ ድዩስ እኹል ክፍሊት ጥሮታ ከምዘለዎም ዘረጋግጹ ሰነዳት ውዕል ስራሕ ከቕርቡ ከድልዮም እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ተመልከቱ፦

www.make-it-in-germany.com ነቶም ናብ ጀርመን መጺኦም ኣብ ስራሕ ንኽዋፈሩ ድልየት ዘለዎም ሞያውያን ሰራሕተኛታት ብዝምልከት ዝበለጸ ጠቓሚ ሓበሬታ የስንቕ።

ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ምርግጋጽ ተቐባልነት ናይ ሞያዊ ምስክር ወረቐት፦
www.anerkennung-in-deutschland.de.

ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ምርግጋጽ ተቐባልነት ናይ ምረቓዊ ምስክር ወረቐት፦
www.anabin.kmk.org.

ሓበሬታ ብዛዕባ ቋንቋ ጀርመን ከተጽንዑሎም እትኽእሉ ቦታታት፦
ኣብ ሃገርኩም ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ-ጀርመን፡ ነቶም ቋንቋ ጀርመን ከተጽንዑሎም እትኽእሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርኩም ዝርከቡ ቦታታት ብዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታ ይህብ እዩ። https://www.auswaertiges-amt.de/de/ReiseUndSicherheit/deutsche-auslandsvertretungen/03-webseitenav

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 09.10.2019 ዝተሓትመሉ፥ 28.08.2019