ሃገረይ ዜጋታታ ናብ ሃገራት ሸንገን ብዘይ ቪዛ ንኽንኣቱ ዘኽእል ስምምዕ ኣለዋ። ኣነ ከም ዜጋ ኣብ ሃገራት ሸንገን ንዝደለኽዎ እዋን ክጸንሕ ይኽእል ዶ?

ጀርመን ኣካል ሃገራት ሸንገን ከም ምዃና መጠን ን ዜጋታት ዝተወሰና ሃገራት ብዘይ ቪዛ ናብ ግዝኣታ ክኣትዉ ተፍቅድ ያ። እንተኾነ ግን ወላ ዉን ዜጋ እዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት እንተኾንካ ንዘይተወሰነ ግዜ ክትጸንሕ ግን ኣይፍቀደካን ዩ። ናብ ሃገራት ሸንገን ንክትመጽእ ቪዛ ዘድልየካ እንተኾይኑን፡ ቅድሚ ምምጻእካ ክትፈልጦ ዝግበኣካ ሕግታት ንክትፈልጥን ሓበሬታ ምውካስ የድልየካ።

ዜጋታት ሃገራት ሸንገን ብዘይ ቁጽጽር ፓስፖርት ካብን ናብን ዶብ ሸንገን ሃገራት ክሰግሩ ይኽእል ዮም። ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ምስ ዝኾኑ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ን ሓጺር ምብጻሕ ናብ ሃገራት ሸንገን ንክፍጽሙ ክሳብ ን 90 መዓልታት ዘገልግል ናይ ሸንገን ቪዛ የድልዮም። ብተወሳኺ ዜጋታት ገለ ሃገራት ናብ ሃገራት ሸንገን ንምጋሽ ቪዛ ዘይሕተቱ ኣለዉ። ገለ ካብዘን ሃገራት ንምጥቃስ ኣልባንያ፡ ቦዝንያን ሀርዘጎቪና፡ ሰሜን ማስዶንያ፡ ጆርጂያ፡ ማልዶቫ፡ ሰርቢያ፡ ዩክረይንን። ምሉእ ዝርዝር ናይተን ሃገራት ንምርካብ ኣብዚ ምውካስ ይከኣል። https://ec.europa.eu/home-affairs/sites/homeaffairs/files/what-we-do/policies/borders-and-visas/visa-policy/apply_for_a_visa/docs/visa_lists_en.pdf

ሃገራት ሸንገን ንጀርመን፡ ኦስትርያ፡ በልጁም፡ ቸክ ሪፓፕሊክ፡ ዴንማርክ፡ ኤስቶንያ፡ ፊንላንድ፡ ፍራንስ፡ ግሪኽ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ጥልያን፡ ላቲቭያ፡ ሊቸተንስተይን፡ ሊትወንያ፡ ላክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ነዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ስሎቫክያ፡ ስሎቨንያ፡ ስፐይን፡ ስዊድንን ስዊዘርላንድን የጠቃልል።

ዜጋ ናይዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ምስ ትኸውን ን ነዊሕ ወይ ዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ሃገራት ሸንገን ምጽናሕ ከምዘይፍቀደካ ምስትውዓል ይግበኣካ። ልክዕ ከም ኣብ ሸንገን ንምጽናሕ ቪዛ ዝሓዘ ሰብ ክሳብ 90 መዓልታት ኣብ ነፍሲወከፍ 6 ወርሒ ክትጸንሕ ይፍቀደካ።

መደብካ ንነዊሕ እዋን ምጽናሕ ምስ ዝኸውን ግን ሃገራዊ ቪዛ ምሕታት ከድልየካ ዩ። ዝያዳ ሓበሬታን ምርጫታትን ንምርካብ ኣብ ሃገርካ ካብ ዘሎ ኤምባሲ ጀርመን ምርካብ ይከኣል። ቅድሚ ምጋሽካ ምሉእ ሓበሬታ ምርካብ ኣገዳሲ’ዩ ምኽንያቱ ሓንሳብ ናብ ሃገራት ሸንገን ምስ ገሽካ ዘለካ ግዜ ምንዋሕ ስለ ዘይከኣል።

ካብ ዝተፈቅደለይ መዓልቲ ንላዕሊ ተጸኒሐ እንታይ የጋጥመኒ?

ካብ ዝተፈቅደልካ ግዜ ንላዕሊ ምጽናሕ ክልኩል ዩ። ዋላ ውን ናብ ሃገራት ሸንገን ንምብጻሕ ቪዛ ናይ ዘይሕተታ ሃገራት ዜጋ እንተኾንካ። ዝተፈቅደልካ ግዜ ቅድሚ ምውድኡ ካብ ሃገራት ሸንገን ብቅልጡፍ ክትወጽእ ኣለካ። ኣስተውዕል።

  • ግዜኡ ዘሕለፈ ሰብ ከይተፈልጠ ክወጽእ ኣይክእልን’ ዩ። ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃገራት ሸንገን ዝገይሽ ሰብ ክኣቱን ክወጽእን ብ ኣባላት ኢሚግረሽን ኣብ ዳታበይዝ (ማዕከን ዳታ) ምዝጉብ ዩ። ወላ ዉን ሓንቲ መዓልቲ ዘሕለፈ ሰብ ምዝጉብ ዩ።
  • ካብ ዝተፈቅደሉ ዕለት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘሕለፈ ገያሺ ከይተቀጽዐ ከምልጥ ኣይክእልን ዩ። ከም ውጽኢቱ ከከም ኣድላይነቱ ብ ገንዘባዊ መቅጻዕቲ፡ ምጥራዝ፡ ወይ ናብ ሃገራት ሸንገን ንዝተወሰነ ግዜ ንከይኣቱ ብምኽልካል መቅጻዕቱ ይቅበል።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ኣንብብ።

https://www.auswaertiges-amt.de/en/aamt/zugastimaa/buergerservice/faq/-/606848

ዝጸንሓሉ ግዜ ንከናውሕ እንታይ ሰነዳት የድልየኒ (ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ጥራይ)?
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዌብሳይት (ድሕረ ገጽ) ቤትጽሕፈት ኢሚግሬሽን በርሊን ወይ ኣብ ዝምልከቶ ቤትጽሕፈት ምውካስ ይከኣል። ሊንክ ተመልከት
https://service.berlin.de/dienstleistung/324785/standort/327589/en/

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 21.07.2020 ዝተሓትመሉ፥ 14.05.2020