ናብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ክትገዝእ ይከኣልዶ፧

ተልእኾታት ወጻኢ ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ጥራይ እየን ቪዛታት ከውጽኣ ©dpa

ኣይፋሉን። ናብ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ንሓደ ዝተወሰነ ውልቀሰብ ፍሉይ መለለዪ ተገይርሉ ዝስራሕን ዝወጽእን እዩ። ቪዛታት ናብ ካልእ ሰብ ክሽየጡ ወይ ክውሃቡ ኣይክእሉን’ዮም። ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ኤምባሲታትን ሓፈሻዊ ቆንስላትን ጥራይ እየን ቪዛታት ከውጽኣ ዝኽእላ። ኣብ ገለኢን ሃገራት፡ ብመንገዲ ሓደ ግዳማዊ ወሃቢ ኣገልግሎት ቪዛታት ክወሃቡኻ ምሕታት ይክኣል’ዩ – ይኹን እምበር፡ እቶም በቲ ጀርመናዊ ተልእኾ ውጻኢ ውዕል ዝተገብረሎም ጥራይ እዮም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ። ካብቶም ኣብቶም መርበባት ሓበሬታ ተዘርዚሮም ዘለዉ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ወይ ትካል ቪዛታት ከውጽእ ኮነ ናይ ቪዛ መምልከቲ ቆጸራታት ክሕዝ ኣይክእልን። ቪዛታት ናይ ጸረ-ምድንጋር ጠባያት ኣለውዎም። ስለዚ ንሳቶም ክትምየኑ ኣይክእሉን እዮም። ዝተተምየኑ ብቕጽበት ኣብቲ ዶብ ክልለዩ እዮም።

ሓደ ቪዛ ንምንታይ የድሊ፧

ብዙሓት ናብ ጀርመን ክኣትዉ ዝደልዩ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምኡ ንምግባር ወግዓዊ ፍቓድ የድልዮም፡ ብመልክዕ ቪዛ። እቲ ቪዛ ናብ ጀርመን ቅድሚ ምብጻሕካ ክትሓዝ ኣለዎ። ብዘይ ቪዛ ምእታው ዘይሕጋዊ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ሸንገን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዝህሉ ክሳብ 90 መዓልታት ናይ ምጽናሕ መደብ፡ እቲ ብዛዕባ ቪዛ ክወጽእ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝውሃብ ውሳነ ብመሰረት ዘይቀያየር መለክዒታት እዩ ዝውሰድ። እቲ ከባቢ ሸንገን 26 ሃገራት ኤውሮጳ ዘጠቓለለ እዩ። መብዛሕትአን ካብዚኣተን ኣባላት ናይቲ ኤውራጳዊ ሕብረት (EU) እየን። ሓደ ሸንገን ቪዛ እቲ ቪዛ ብቑዕ ክሳብ ዝኾነ ንተሓዚኡ ኣብቲ ከባቢ ሸንገን ንኽጸንሕ መሰል ይህቦ። ግን ኣብ ዝኾነ ናይ 180-መዓልቲ ግዜ ካብ 90 መዓልታት ዘይበዝሕ። ሓደ ቪዛ ኣብ ዝውሃበሉ እዋን፡ ንዙረት፡ ምብጻሕ ኣዕሩኽን ስድራቤትን፡ ከምኡ’ውን ንግዲ ንምክያድ ዝዓለሙ ጽንሖታት ብሓፈሻ ፍቑዳት እዮም። ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) ናይ ቪዛ ሕግታት ዝርዝር ናይ ዜጋታተን ቪዛ ዘድልዮምን ዜጋታተን ቪዛ ዘየድልዮምን ናይ ሳልሳይ ኣካል ሃገራት ዝሓዘ እዩ (https://www.auswaertiges-amt.de/en/einreiseundaufenthalt/-/231148).

ኣመልከትቲ ሸንገን ቪዛ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ጠለባት ከማልኡ ኣለዎም ።

  1. 1. ናብ ጀርመን ትኸደሉ ዘለኻ ዕላማ ዝእመንን ንምርድኡ ዝክኣልን ክኸውን ኣለዎ።/li>
  2. እቲ ኣመልካቲ ናይ መነባብሮን ናይ መጓዓዝያን ወጻኢታቱ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ/ርእሳ ማዕከን ወይ ኣታዊ ዝሽፍን ወይ ዝኽፈል ክኸውን ኣለዎ። ገሊኦም ኣመልከትቲ ነዚ ውሕስነት’ዚ ባዕሎም ከቐርቡ ኣይክእሉን። ንኣኣቶም፡ ሓደ ኣብ ጀርመን ዘሎ ዝፈልጥዎ ሰብ ወይ ዘመድ ናይቲ ዝጸንሑሉ ወጻኢታት ክሽፍንሎም ክሰማማዕ ይኽእል – እዚ ግን ኣብ ሓደ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ወግዓዊ መፍለጢ ናይ መብጽዓ ብምግባር ጥራይ ይፍጸም።
  3. ናብ ጀርመን ክኸይድ ዝደሊዝኾነ ሰብ ናቱ/ናታ ሸንገን ቪዛ ግዚኡ ድሕሪ ምውድኡ ንሱ/ንሳ ካብታ ሃገር ክወጹ ምዃኖም ከርእዩ ወይ ከብርሁኣለዎም።
  4. ቪዛ ንምርካብ፡ ንብምልኡ ኣብ ጀርመን ትጸንሓሉ እዋን ዝሽፍን ሰነዳዊ ናይ መጓዓዝያ ጥዕናዊ መድሕን ክቐርብ ኣለዎ። እቲ መድሕን ኣብ ብምልኡ እቲ ከባቢ ሸንገን ዝሰርሕ ክኸውን ኣለዎ፡ ከምኡ’ውን እንተውሓደ 30,000 ዩሮ ክሽፍን ኣለዎ። ካብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንላዕሊ
    ልዕሊ 90 መዓልታት ኣብ ዝኾነ ናይ 180-መዓልታት እዋንምጽናሓት በቲ ናይ ሸንገን መስርሕ ኣይምሓደርን እዩ። ነዚ፡ ሃገራዊ ሕግታት ኣብ ግብሪ ይውዕሉ። ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ዳርጋ ክሎም ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) ዘይኮኑ ሰባት ቪዛ ክሕዙ ትጠልብ። ኣስተውዕል፥ ዝነውሑ ጽንሖታት ንከም ምስ በዓል ሓዳርካ
    ምጽንባር፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር ወይ ንስራሕ (ብፍላይ ምርምር ዘካይዱን ልዑል ክእለት ዘለዎም ሰራሕተኛታትን) ዝኣመሰሉ ውሱናት ዕላማታት ጥራይ ይፍቀድ። ኣብቲ መንበሪ ቦታ ብምምርኳስ፡ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ኲነታት ክማልኡ ኣለዎም፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ሰነዳት ክቐርቡ ኣለዎም። ሓደ ኣመልካቲ ቪዛ ክውሃቦ ድዩ ኣይክውሃቦን በቲ ዝምልከቶ ክፍሊ ቪዛ እዩ ዝውሰን፡ ኣብቶም ዝቐረቡ ሰነዳት ብምምርኳስ። እቶም ነዚ ዝሕተቱ ሰነዳት፡ ኣብቲ ጒዳይ ብምምርኳስ፡ ዝተፈላለዩ እዮም።

ቪዛ ብኸመይ ክርከብ ይኽእል፧

ንኽልቲኡ ንሸንገንን ሃገራውን ቪዛታት፡ ዝኾነ ከመልክት ዝደሊ ሰብ ናብ ሓደ ጀርመናዊ ተልእኾ ወጻኢ ብኣካል ክኸይድ ኣለዎ። ቆጸራ ይሕተት እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ናይ ቪዛ መመልከቲታት ብመንገዲ በቲ ጀርመናዊ ተልእኾ ወጻኢ ውዕል ዝተገብረሉ ሓደ ግዳማዊ ወሃቢ ኣገልግሎት ክቐርቡ ይኽእሉ። ኣብ ገሊአን ተልእኾታት ናይ ወጻኢብኢንተርነት እውን ቆጸራ ክትሕዝ ይክኣል። ኣብ ካልኦት፡ ደዊልካ ቆጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ንኽሎም ኣድለይቲ ሓበሬታን ቊጽርታት ተሌፎንን፡ ኣብቲ ከተምልክተሉ ትደሊ ሃገር ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ናይተን ተልእኾታት ብጻሕ። ኣቐዲምካ ቅድሚ ነዊሕ ቆጸራ ምሓዝ ከድልየካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ናይ ብሓቂ ቆጸራኻ ድሕሪ ደዊልካ ምስራዕካ ድሕሪ ብዙሕ ሰሙናት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብቲ ኣብ ሃገርካ ትረኽቦ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ጀርመናዊ ተልእኾ ዘለዉ ኣገልግሎታት ቪዛ ጥራይ ተጠቐም።

እቲ ቆጸራ ኣዚኻ ኣቀዲምካ ክትሕዝ ኣሎካ። ኣብ ገለ ገለ እዋን ድሕሪ ተለፎን ምድዋልካ፡ እቲ ቆጸራኻ ድሕሪ ገለ ሰሟት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ናይ ጀርመን ልኡኽ ወጻኢ ኣብ ሃገርካ፡ ኣብ እትረኽቦ ሓበሬታ ናይ ወብሳይት ብምጥቃም ጥራይ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

ቆጸራታት በቲ ተልእኾ ወጻኢ ጥራይ እዮም ዝስርዑ። ኣመልከትቲ ብቐጥታን ብኣካልን ቆጸራ ክሕዙ ኣለዎም። ሓጺር ቆጸራ ክሕዘልካ ይኽእል እየ ዝብል ዝኾነ ወኪል እየ በሃላይ ኣይትእመን። ከምኡ ኣይክኣልን እዩ።

ክሎም ኣድለይቲ ሰነዳት ናብቲ ቆጸራኻ ምሳኻ ሒዝካዮም ክትመጽእ ኣለካ። እቶም ዝሕተቱ ሰነዳት ኣየኖት ምዃኖም ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ሓበሬታ። እዚ’ውን ኣብቶም መርበባት ሓበሬታ ናይተን ተልእኾታት ወጻኢ ክርከብ ይኽእል።

እቲ ቪዛ ክወጽእ ድዩ ኣይክወጽእን ንኽውስን ነቲ ናይ ቪዛ ክፍሊ ክንደይ ይወስደሉ፧

ብሓፈሻ፡ ተልእኾታት ወጻኢ ናይ ክሳብ 90 መዓልታት ጽንሖታት ዝኾኑ ቪዛታት ውሳነ ንኽህቡ ካብ ክልተ ክሳብ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልታት ይወስደሎም። ንዝነውሑ ጽንሖታት፡ ሓደ ውሳነ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል፡ ምኽንያቱ ሰብ መዚ ጀርመን ክሳተፉ ስለዘድልዮም።

ናይ ቪዛ ክፍሊት ኣሎ’ዶ፧

ናይ ሓደ ሸንገን ቪዛ ክፍሊት 80 ዩሮ እዩ። ንቡር ክፍሊት ናይ ሓደ ንጀርመን ዝኸውን ሃገራዊ ቪዛ 75 ዮሮ እዩ። እቲ ክፍሊት ብናይቲ ሃገር ባጤራ’ውን ክኽፈል ይክኣል’ዩ። ንኣብነት፡ ኣመልከትቲ ናይ ሞያዊ ስልጠና ወይ ናይ ትምህርቲ ቪዛ ክፍሊት ክኸፍሉ ኣይሕተቱን እዮም። ትሕቲ ዕድመ ጎደሎ ይኸፍሉ። ናይ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ጽንሖታት ተወሳኺ ዋጋ የኽፍሉ፡ ከም በዓል ክፍሊት ናይ ጀርመናዊ መንበሪ ፍቓድ ዝኣመሰሉ።

ቪዛይ ተነጺጉ እንተነይሩ፡ ደጊመ ከመልክት ይኽእል’ዶ፧

እወ። ኩሉ ሰብ ኣብ ናይ ወጻኢ ናይጀርመንልኡኽ ቪዛ ክሓትት ማዕጾ ርሑው’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኣቐዲሙ ናይ ቪዛ መመልከቲኻ ተነጺጉ እንድሕር ኣሎ፡ እቲ ናይዚ ምንጻግ ምኽንያት ሕጂ ከምዘየሎ ከተርኢ ኣለካ። ዝበዝሐ መመልከቲታት ብዘእተኻሉ መጠን እዚ ዝያዳ እናኸበደ ይኸይድ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕግታት፡ ኣብዚ ብጽሑ፥
https://www.auswaertiges-amt.de/en/einreiseundaufenthalt/visabestimmungen-node

ተውሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጀርመን ናይ ቪዛ ጠለባት፥ https://www.bmi.bund.de/EN/topics/migration/law-on-foreigners/visa-policy/visa-policy.html

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 10.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 21.08.2018