ደላሎ ኣብ ጉዕዞኻ ክሕልዉኻ ይኽእሉ ድዮም?

ስደተኛታት ዝሓዛ ፕላስቲክ ጃልባታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ©dpa

ኣይፋል! ተጠንቀቕ፡ ደላሎ ኣካል ናይ ውዱባትን ጥርኑፋንትን ጃንዳ ገበናውያን ክመ ሙኻኖም ክትፈልጥ ኣለካ። ንዖኦም ዘገድሶም እቶት ገንዘብ ጥራይ እዩ።  መብዛሕትኦም እንተተሃረምካ ኮነ ኣብ መንገዲ እንተሞትካ ዘገድሶም ኣይኮነን። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንኦይሮጳ ወይ ንጀርመን ምስ እትመጽእ ንሂወትካ ኣብ ሓደጋ ተእትዋ ኣለኻ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ  ጉዕዞ ሓደገኛ ውሳኔ እዩ – ደላሎ ኣሚንካ ሂወትካ ኣብ ሓደጋ ተውድቓ ኣለኻ

ብዛዕባ ኣብ ጉዕዞኻ ዘጋጥሙ ኣስካሕካሕቲ ሓደጋታትን ድዝንተዉ ዛንታታት ብዙሓት እዮም። ብነጋዶ ደቂ-ሰባት ተጨዊኻን ተሼጥካን፡ ስጋብ ኣብ ናይ ጽዕነት ማካይን ተዓጺኻ ምስትንፋስ ትስእን ወይ ውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓል ብምኽንያት ካብ መጠን ንላዕሊ ዝመልኣ ጀልባት፡ ነዚ ታሪኻት እዚ ብርግጽ ንስኻ ባዕልኻ እውን ሰሚዕካዮ ኣለኻ።

YouTube

Mit dem Laden des Videos akzeptieren Sie die Datenschutzerklärung von YouTube.
Mehr erfahren

Video laden

ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፡ ግን መብዛሕትኡ ካብዞም ዝተጠቕሱ ሓቂ እዩ። UNHCR ንኣብነት ገለ ካብዞም ታሪኻት ካብ ኢትዮጵያውያን ሶማላውያንን ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኣብ „ሓቀኛ ታሪኽካ ምዝንታው “Telling the Real Story” ዝብል መደብ ኣኪቦሞ እዮም። ብዙሓት ወጻእተኛታት ካብ ብዙሓት ወገናት ዓለም ተመሳሳሊ መሪር ተመኩሮታት ኣጋጢምዎም እዩ። ብዙሓት ከምዚ ከምሙኻኑ እንተንፈልጥ ኔርና፡ ኣይምስተበገስናን ኔርና ይብሉ።

ንኣብነት ፊልሞን ኤርትራዊ  ድሕሪ ካብ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ሸገርኣብ ምጭዋዩ፡ ዝወረዶ ግፍዒ ደዘንትዎ ኣንብቦን ስምዓዮን።

ሓቀኛ ታሪኽካ ኣዘንቱ  ዝብል መደብ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተጸበይዎ መሪር ተመኩሮታት ዘጋጠሞም ወጻእተኛታት ተቐማጦ ታሕሪብ መቃልሒ ድምጾም ይኾኖም።

ደላሎ ደቂ ሰባት ገበነኛታት እዮም

ደላሎ ደቂ ሰባት ገበነኛታት ከምዝኾኑ ምርዳእ ኣድላዩ እዩ።  ጸረ ድራግስን ገበናትን ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት (UNIDC) ዘቕረቦ ንድለላ ደቂ ሰባት ዝምልከት  ዓለም ለኻዊ ጸብጻብ  ከምዝሕብሮ እዚ ልሙድ ኣገባባቶም ንገለ ገርሂታት ክጉ ዓዙ ንዝፍትኑ ንምምዝማዞም ይሕግዞም።

ግዳያት ክልምኑ ወይ ውን ናይ ሓሶት ቃልኪዳናት ክኣስሩን ዝግደዱ፡ ምትላላትን እናሰኣልካ ግዴታዊ ጾታዊ ግህሰታት(pornography): ስርቂ ናውቲ ኣካላትን ዝኣመሰሉ የስዕቡ፡ ገለ ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ።

„ምዝመዛታት ጾታዊ ግህሰታትን ግዴታዊ ጉልበታዊ ስርሓትን ዝውቱራት እዮም“ እንተኾነ ግን ብዙሓት ካልኦት ሜላታት „ለማናይ መሲሎም ክልምኑ ዝግደዱ ግዳያት፡ ናይ ሓሶት ቃል ኪዳናት ክኣስሩ ዝግደዱ፡ ምትላላት ግዴታዊ ጾታዊ ግህሰታት (pornography)፡ ስርቂ ናውቲ ኣካላት ዝኣመሰሉ የስዕቡ፡ ገለ ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ።“

ወላ እኳ ዕላማ ኩሎም ደላሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልኪ ኣብ ልዕሌኹም እንተዘይብሎም፡ ዝሓሸ ሂወት ክትመርሕ ንዘለካ ሕልሚ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ክምዝምዙ እንተዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ „ጥራይ“ ኣብ መርከቦም ክትስቀል ወይ ብምድረበዳ እንተመርሑኻ፡ ኩሉ እዚ ንጥቕሞም ጥራይ ኢሎም እዮም ዝገብርዎ።  ዝነኣሰት መርከብ ምስ እትኸውን ደላሎ ብዝወሓደ ዋጋ ይገዝእዋ፡ ኣብ ባሕሪ እትጥሕለሉ ዕድላት ድማ ዝለዓለ እዩ።

ናይ ምቕጥቃጥ ገበናትን፡ ካልኦት ተመሳሳሊ መንፈሳዊን ኣካላውን ግህሰታትን ወሪዱካ እንተኮይኑ፡ መንግሲት ጀርመን ናይ ሕክምና ረድኤታት ክገብረልካ ይኽእል ይኸውን እዩ።

YouTube

Mit dem Laden des Videos akzeptieren Sie die Datenschutzerklärung von YouTube.
Mehr erfahren

Video laden

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 02.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017