ደገፍ ንመንእሰያት ተረከብቲ መጻኢ

ኣስማ ራቢ፡ ዕድመ 22
ኣብ ፓኪስታን ትነብር ኣፍጋናዊት ስደተኛ ኮይና፡ ብዛዕባ ሜድያ (መራኸቢ ብዙሃን) ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብ።

ንሳ "ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርተይ ክከታተል ምሉእ ደገፍ ጌርለይ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ ትምህርተይ ዛዚመ ኣብ ሞያ ጋዜጠኛነት ክሰርሕ የ" ትብል።

ሂና ሺክሃኒ፡ ዕድመ 21
ኣብ ፓኪስታን ትነብር ኣፍጋናዊት ስደተኛ ኮይና ብ ምሕደራ ቢዝነስ ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብ።

ንሳ "ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ኣብ ሂወተይ ነጥበ መቀይሮ ዝረኸብኩሉ ዕድል ዩ" ትብል።

ዋሊድ፡ ዕድመ 23
ኣብ ፓኪስታን ዝነብር ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኮይኑ ፡ ናይ ማርኬቲን፡ ፋይናንስን ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ይርከብ።

ንሱ "ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ናይ ባችለር ትምህርተይ ክከታተል ንኹሉ ወጻኢታት ሸፊንለይ" ይብል።

ንስኻ’ኸ ከም ስደተኛ መንእሰይ ትምህርትኻ ንምቅጻል ተጸጊምካ ዶ? ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምጽንባር ቁጠባዊ ጸገም ኣጋጢምካ ዶ? መልስኻ እወ እንተኾይኑ ነጻ ማህደረ ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ንምርካብ ምስ DAFI ናይ UNHCR ፕሮግራም ክትላለን ክትፈልጦን ይግበኣካ። ሊንክ [https://www.unhcr.org/dafi-scholarships.html]. ን ሂወት ብዙሓት ክልውጥ ዝኽእል ኣገዳሲ ፕሮግራም ዩ።

ብኻልእ ኣሰያይማ DAFI (ዳፊ) “ኣልበርት ኣንስታይን ናይ ስደተኛታት መሰልጠኒ ማእከል ጀርመን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ወኪል ስደተኛታት ዝኾነ ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ብ ደገፍ መንግስቲ ጀርመንን ውልቃውያን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ልዕሊ 50 ዝበጽሓ ሃገራት ን መንእሰያት ስደተኛታት ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮሌጅን ማህደረ ትምህርቲ (ስኮላር ሺፕ) ይህብ።

ካብዚ ፕሮግራም ዝጀመረሉ ዓመተ 1992 ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 18,000 ኣብ ስደት ዝነብሩ መንእሰያት ትምህርቶም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክቅጽሉ በቂዖም።

ኣብ ዓመተ 2019 ጥራይ ፕሮግራም DAFI (ዳፊ) ንልዕሊ 8,200 ተመሃሮ ማህደረ ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ብምሃብ ክፍሊት ትምህርቲ፡ መጻሕፍቲ፡ መግቢ፡ መጓዓዝያ፡ ክራይ ቤትን ካልእ ወጻኢታትን ምሉእ ብምሉእ ሸፊንሎም።

ናይ ጀርመን ናይ ወጻኢ ፈደራል ኦፊስ ኣብ ዓመተ 2019 ጥራይ 16.25 ሚልዮን ዩሮ ነዚ ፕሮግራም ወጻኢታት ዝገበረ ኮይኑ፡ ንዝቅጽል ዓመታት ዉን ምወልኡ ክቅጽል ዩ።

ተመሃሮ DAFI (ዳፊ) ተወሳኺ ሓገዛት ብ ጥቡቅ ክትትልን ምድላዋትን ትምህርቲ ቋንቋ ከከም ድሌት ናይ ተምሃርኡ ይህብ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዝተጠቅሰ ከም ተወሳኺ ስነኣእምራዊ ሓገዝ፡ ምኽሪ፡ ዕድላት ኔትዎርኪን ካልእን ከከም ዘድልዮም ብ ጥቡቅ ክትትል ይወሃቦም። እዞም ዝተጠቅሱ ገለ ካብቶም በዚ ፕሮግራም ዝወሃቡ ተወሰኽቲ ረብሓታት ዮም።

ኣብ ዓመተ 2019 ዝበዝሐ ካብቲ ብ DAFI scholarships (ዳፊ) ዝተዋህበ ማህደረ ትምህርቲ ኣብዘን ዝስዕባ 5 ሃገራት ኔሩ።

  1. ኢትዮፕያ
  2. ቱርኪ
  3. ጆርዳን
  4. ኬንያ
  5. ፓኪስታን

እዞም ነዚ ዕድል ማህደረ ትምህርቲ ዝረኸቡ ተመሃሮ DAFI (ዳፊ) ድማ ዜጋታት ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ሃገረ ሱዳንን ዮም።Sudan.

ንዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ሰርች ብምግባር ተወከስ።

ንስኻ’ኸ ከም መንእሰይ ስደተኛ ማህደረ ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ትደሊ ዶ? ን ዝያዳ ሓበሬታ Scholarship portal ሊንክ ሰርች ብምግባር ምንባብ ይከኣል። ብ ተወሳኺ ኣብ ፈይስ ቡክ፡ ትዊተር ፎሎው ብምግባር ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 21.07.2020 ዝተሓትመሉ፥ 13.05.2020