ኣብ ጀርመንመን ክነብር ይፍቀደሉ ንመንከ ኣይፍቀደሉን፧

መንበሪ ፈቓድ ኣብ ጀርመን (ስም መንበሪ ፈቓድ ተቐይሩ እዩ) @dpa

መን እዩ ስደተኛ? መን´ከ ናይ ዑቕባ ወይ ውን ካልእ ተመሳሳሊ ናይ ጽላል መሰል ኣብ ጀርመን ኣለዎ? መን`ከ እዩ ኣብ ጀረመን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ስለ ዘሎ፡ ንዓዱ ንኽምለስ ዝግደድ? ኣብ መንጎ ኣጠቓቕማ መዓልታዊ ቃላትን ኣብ መንጎ ትኽክል ዝኾኑ ሕጋውያን ቃላትን ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ኣሎ። ኣብ ጀርመን ንኽትነብር መሰል ዘውህባኻ ኣርባዕት ዝተፈላለየ ናይ ዑቕባ መንገድታት ኣለዋ። እቶም ስራሕን ዝሓሸ ሂወት ንምንዳይ ንጀርመን ዝመጹን፡ ናይ ዑቕባ መሰላት ንከምኦም ዝኣመሰሉ ከምዘይወሃብ፡ ከምኡውን ብግድነት ንዓዶም ክምለሱ ክግደዱ ሙዃኖም፡ ንመጻኢ ውን ኣጋይሽ ኮይኖም ኣትዉ ክኽልከሙ ከም ሙኻኖም ምስ ዝሰምዑ፡ ይስንብዱን ይገርሞምን ። ተስፍኦም ኣብ ዘይተተጋገጸ ወረ ዝተመርኮሰ ስለ ዝነበረ። ጭብጢታት እንሀለዉ።

ዝርዝር ትሕዞት

  1. መሰል ውሕስነት
  2. መሰል ዑቕባ
  3. ሳብሲድያርይ (መተካእታ/ግዝያዊ) ውሕስነት
  4. ገዲድካ ምምላስ ብደረጃ ሃገር ክልኩል እዩ

1- መሰል ውሕስነት

ኣብ መዓልታዊ ኣበሃህላ ስደተኛ ዝብል ቃል ንኹሉ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ሃገሩ ዝተባረረ መጸውዒ ቃል እዩ። ካብቶም ኣሽሓትን ሚልዮናትን ሰባት፡ ወጻኢ ካብ ሃገሮም ዝነብሩ፡ ውሑዳት እዮም ንስደተኛዊ መንነት ዝበቕዑ። ብሕቡራት መንግስትታት ከም ዝግለጽ፡ ስደተኛ ሓደ ወጻኢ ካብ ሃገሩ፡ “ብምኽንያት ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ብሄራዊ መንነቱ፡ ኣካል ሓንቲ ሕብረተ-ሰብ ብምዃኑ ወይ ውን ኣብ ፖለቲካዊ ራኢኡ ዝተመርኮሰ” ካብ ሃገሩ ዝተሃድነ ወይ ውን ኣካላዊ ገበን ከስዕበሉ ዝኽእል ምስ ዝኸውን እዩ። ምናልባት “ስነ-ቁጠባዊ ስደተኛ” ኬንካ ዑቕባ ክሕተት ይከኣል እዩ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ሰሚዕካ ኔርካ ትኸውን፡ ከምዚ ዝበለ ሕጋዊ መንገዲ ግን የለን። ስነ-ቁጠባዊ ጸበባ ኣብ መስመር እተን ዑቕባ ዘውህባኻ ነጥብታት የለን። ብዓይኒ ዓለም-ለኻዊን ናይ ሃገረ-ጀርመንን ሕጊን፡ ብስነ-ቁጠባዊ ጸበባ ምኽንያት፡ ናብርኦም ንምምሕያሽ ካብ ሃገሮም ዝወጹ፡ ስደተኛታት ኣይበሃሉን እዮም።

ስደተኛዊ መንነት ኣብቲ 1951 ኣብ ጂነቫ ተፈሪሙ ዝጸደቐ ውዕል ሕጊ-ስደተኛታት ተወሲኑ እዩ፡ ብኡ ኣገባብ ነቶም ብዝያዳ ኣብ ተኣፋፊን ሓደገናን ኩነታት ዘለዉ ሰባት ውሕስነት ይወሃብ። ኣብ ጀርመን ኮምኡ ውን ኣብ ኩለን ነዚ ውዕል ሕጊ-ስደተኛታት ዝፈረሙ ካልኦት ሃገራት፡ ስደተኛታት ውሕስነታዊ ዑቕባ ይረኽቡ፡ ስጋብ ኣብ ሃገሮም ዝህደኑሉ ተኣፋፊ ኩነት ዘሎ፡ ናብኡ ምምላሶም ክልኩል እዩ። ናይ ጀርመን ምሕደራታት ንስደተኛታት ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፈቓድ ወረቐት ይህብዎም፡ ብድሕሪኡ ክናዋሕን ከይናዋሕን ድማ ደጊሙ ይጽናዕ።

2- መሰል ዑቕባ

ዑቕባ ሓደ ተወሳኺ ዓይነት ውሕስነት ብመሰረት ሕጊ ጀርመን ንዝተወሰኑ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ዝተሃድኑ ሰባት ዝወሃብ እዩ። ዑቕባ ንምርካብ፡ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዓዱ በቲ መንግስቲ ከምዝህደን ከተኣማምን ኣለዎ፡፡ ኣብ ተግባር እዚ ዓይነት ዑቕባ ዝውቱር እኳ እንተዘይኮነ፡ ምስ ዝወሃብ ግን፡ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፈቓድ ዘሰነየ ኮይኑ፡ ጉዳይ ዑቕባኡ ዳግመ መጽናዕቲ ይግበረሉ።

3- ሳብሲድያርይ (መተካእታ/ግዝያዊ) ውሕስነት

ሓተቲ ዑቕባ፡ ናይ መሰል ውሕስነት ወይ ውን መሰል ዑቕባ ዘይረኸቡ፡ ሳብሲድይርይ (መተካእታ/ግዝያዊ) ውሕስነት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዝወሃበሉ፡ እቲ ሰብ ኣብ ሃገሩ መሪር ግፍዒ ኣጓኒፍዎ እንተኔሩ እዩ፡ ንኣብነት ፍርዲ-ሞት፡ መግፋዕቲን ዘይሰባዊ መቕጻዕቲ ወይ ውን ብረታዊ ጎንጺ ኣብ ሃገርካ ወይ ኣብ ወጻኢ፡ ንዓድኻ ንምምላስካ ዘየፍቅዱ ኩንተኣት ምስ ዝህልዉ እዩ። ሱብሲድያርይ (መተካእታ/ግዝያዊ) ውሕስነት ኣብ ሓደ ዓመት ዝተደረተ መንበሪ ፈቓድ እዩ፡ ብድሕሪኡ ጀርመናውያን ኣመሓደርቲ ክናውሓልካን ከይናውሓልካን መዚኖም ይውስኑ።

4- ገዲድካ ምምላስ ብደረጃ ሃገር ክልኩል እዩ

እዚኣ እታ ናይ መወዳእታ ዓይነት ዑቕባ ክትረኽበላ እትኽእል መንገዲ እያ፡ኣብ ውሱን ኩነት ጥራይ ድማ ትወሃብ። ጀርመናውያን ኣመሓደርቲ ሓደ ሓደ ግዜ ገዲድካ ናይ ምምላስ ኣገባብ የፍቅዱ። እዚ ማለት እቲ ስደተኛ ብቐሊል ክምለስ ዘይክእል ምስ ዝኸውን፡ ማለት ወላ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ናይ ዑቕባ መሰላት ዘይትግብኦ እውን እንተኾይና ዝወሃብ እዩ። እዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መዳይ፡ እቶም ኣመሓደርቲ ነዚ ሰብ ናብ ዓዱ ምምላሱ፡ ምስቲ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኦይሮጳ ውዕል ሕጊ-ስደተኛታትን፡ መሰረታዊ ነጻነታትን (ECHR)ዝጻረር ኮይኑ ምስ ዝረኽብዎ ወይ ውን ተሪር ጭብጢታት፡ ኣካላውን ናይ ሂወቱን፡ ሰብኣዊ ነጻነቱን ሓደጋ ዘስዕብ ምስ ዝኸውን እዩ። ሓታቲ ዑቕባ ንሓደ ዓመት መንበሪ ፈቓድ ይረክብ፡ ብድሕሪኡ ግን እቲ ንምምላሱ ዝኽልክል ውሳኔ ዳገም ርእይቶ ይግበረሉ።

 

ገዲድካ ምምላስ ብደረጃ ሃገር ክልኩል እዩ © dpa

እዚ ኹሉ ንዓኻ እንታይ ትርጉሙ እዩ፧

መደምደምትኡ እዚ ዝስዕብ እዩ። ሓደ ካብዘን ኣርባዕተ ናይ ዑቕባ መንገድታት ዝረኸቡ ጥራይ እዮም ናብ ጀርመን መንበሪ ፈቓድ ዝወሃቦም – ብኻልእ መንገዲ ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ወጻእተናታት ኩሎም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ጀርመን ይነብሩ ኣለዉ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ብቕጽበትን ንዓዶም ክምለሱ ኣለዎም – ብወለንትንኦም ወይ ድማ ብሓይሊ ፖሊስ ብዝትግበር ኣገባብ። ኩሉ ውሳኔታት ሃገራዊ ምሕደራ ናይ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ጀርመን (BAMF) ብረቂቕ መጽናዕቲን ኣገባብን ዝውሰነ ኮይኑ፡ ውልቀ ሓተታ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳኔ ይወሃቦ። እዚ ውሳኔ እዚ ረቂቕ መጽናዕቲ ኩነት ናይ ዝመጻእኩሙሉ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ዑቕባ ዝወሃበካ፡ ኣብ ዓድኻ ብሙሉኡ፡ መጉዳእትን ሃደንን ወይ ውን ኣሰካፊ ሓደጋታትን ምስ ዝህሉ እዩ። ገለ ቦታታት ዘየስግኡ ምስ ዝኾኑ ግን፡ ወጻእተኛታት ናብዚአን ቦታታት ክምለሱ ይግደዱ – ኣብ ጀርመን ዑቕባ ኣይረኽቡን። ኣብ ቀረባ ግዜ መስርሕ ሓተታ ብጣዕሚ ፈጢኑ ይርከብ፡ መንግስቲ ጀርመን ናይ ዑቕባ መሰል ሕግታቱ ኣጸንኪርዎ እዩ። ንኣብነት ምሕደራታት መንነት ሓታቲ ዑቕባ ንምጽራይ ተወሳኺ መዐቀኒታት ይጥቀሙ።

ርግጽ እዩ፡ ደላሎ ሂዋት ተጉዓዝቲ ዘይኮነ፡ ገንዘብ እዩ ዘገድሶም፡ ኣብ መንጎ ወጻእተኛታት/ተጉዓዝትን ኣብ መንጎ ስደተናታትን ዘሎ ፍልልይ ክመዛበልን ኣብ ጀርመን ዑቕባንክትረኽቦ ዘሎካ ዕድል ብጌጋ ክርድኦን እውን ድልየቶም እዩ፡፡ ኣይትእመኖም። ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ናይ ዑቕባ ውሕስነት ኣይረኽቡን እዮም፡ ንዓዶም ክምለሱ ውን ይግደዱ – ወጻኢታቶምን ዝሓለፍዎም ሓደጋታትን ንብላሽ ይኸውን።

ብመንጽር ናይይቶም ኣብ ገርመን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝነብሩ ዘለዉ ውልቀሰባት፡ መንግስቲ ገርመን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዝዮም ጽንኩራትን ከበድትን ሕጋጋት ኣተኣታትዩ ኔሩ። መንግስቲ ገርመን ነዞም ሕጋጋት እዚ ኣቶም ብተኸታታሊ ኢዩ ዝግምግሞም፡ በዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዞም ሕጋጋት መሊሱ ከትርሮም ተዳልዩ ኣሎ፡ እዚ ድማ መንግስቲ ጀርመንነቶም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ጀረምን ንዝነብሩ ሰባት ዝምልከት ኢዩ ፡፡

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 09.02.2021 ዝተሓትመሉ፥ 12.10.2017