ናብራ ኣብ ኦይሮጳኸ ቀሊልዶ ይኸውን?

ስራሕ ኣልቦ ወጻ እተኛታት ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ኣብ በርሊን ©dpa

ምናልባት ናብራ ቀሊል እዩ ዝብል ወረ ሰሚዕካ ትኸውን። ኣብዚ ምስ ኣተዉ፡ ብዙሓት ዑቕበኛታት፡ ጉዳዮም ስጋብ ዝጽናዕ፡ ኣብ መጽለሊ ብዙሓን ክነብሩ ይግደዱ፡፡ ብዙሓት እውን ዑቕባ ንኽረኽቡ ዕድል ዝለ ዘይብሎም፡ ሓተትኦም ድማ ይንጸግ – ኣብዚ ንኽነብሩ ኣይፍቀደሎምን፡ ካብ ጀርመን ንኽወጹ ድማ ይግደዱ። ብዘይ ገንዘብ ተመሊሶም ድማ ካብ ዜሮ ሂወቶም ክመርሑ ክጅምሩ ይግደዱ። ናይ ዑቕባ መሰል እንተረኸቡ እውን፡ ስራሕ ክረኽቡ ጸገማት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ናብራ ክቡር እዩ፡ መናበሪኻ ዝኸውን ሰሪሕካ ከትምእርር ከቢድ እዩ፡፡ ስለምንታይ ደኣ እዮም፡ ብዙሓት ትሰምዖም ወረታት ጽቡቕ ዝመስሉ? ብዙሓት ወጻእተኛታት ናይ ገዛእ ርእሶም ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቤተሰቦም ገንዘብ ናብ ኦይሮጳ ንመጉዓዚ የጥፍእዎ። ኣብ ቅድሚ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራቤቶምን መሓዙቶምን/ ኣዕሩኽቶምን ተዓዊትና ክብሉ ይደልዩ – ወላ እኳ ኣብ ከቢድ ኩነታት ወዲቖም ዝርከቡ እንተኾኑ።

ዓወት ብቐሊል ዝጭበጥ ኣይኮነን

ብድሆታት ኣለዉ ን“ቐሊል“ ወይ “ፎኪስ“ ዝነበረ ሂወት ናብ ኣዝዩ ካብ ዝተጸበኻዮ ንላዕሊ ከቢድ ዝቕይሩ፡

ንጀርመን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ምስ እትኣቱ እሞ መንበሪ ፈቓድ ምስዘይትረክብ፡ ንዓድኻ ክትምለስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ፡ ወላ እኳ ንስኻን ስድራቤትካን ንመጉዓዝያኻ ብዙሕ ገንዘብ ኣፍሲስኩም እንተኾንኩም። ንዓድኻ ክትምለስ ተገዲድካ፡ ኣይተዓወትኩን ኢልካ ክትእመን ክትግደድ ኢኻ፡፡ ካብቲ ኣብ ዓድኻ መዋጽኦ ዕድላት ምንዳይ ዝኸፍአን ዝኸበደን ክኸውን እውን ይኽእል እዩ።

ቋንቋን ትምህርትን ዋና መዋጽ ኦ ፍታሕ እዮም – ዓዲ ንኽትለምድ ብዙሕ ግዜ ይወስድ

ስራሕ ክትረክብ ምጽባይ፡ ዑቕበኛታት ኣብ ኦይሮጳ ©dpa

ቋንቋ ጀርመን ዘይትመልኽ እንተኾንካ ወይ ውን ምዕቡል ደረጃ ትምህርቲ ዘይብልካ እንተኾይኑ፡ ስራሕ ንኽትረክብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓታቲ ዑቕባ፡ ናይ ሰራሕ ፈቓድ ስጋብ ዝወሃበካ፡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ማለት ድማ፡ እቶት ኣይትረክብን፡ ስጋብ ወጻኢታትካ ትትክእ ነዊሕ ግዜ ከድልየካ እዩ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ስጋብ ትረክብ ውን ነዊሕ ይወስድ። ስራሕ ኣልቦ ኮንካ፡ ንሓድሽ ባህልን ቋንቋን ክትገጥሞም፡ ዓቕሊ-ጽበት ክፈጥረልካን ክጽልምተካን ይኽእል እዩ።

ናይ ዑቕባ መሰል ዘለዎምን ኣብዚ ንኽነብሩ ዝፍቀደሎምን፡ ብዓወት ኣብ ሕብረተሰብ ኮና ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ጀርመን ንኽለምድዎ/ኢንተግረሽን ብዙሕ ሓገዛት ይግበረሎም፡፡ ጀርመን ናይ ቋንቋ ትምህርቲ መደባትን ካልኦት፡ ቀልጢካ ንኹነታት ብቐሊል ንኽገጥምዎ ዘኽእሉ ሓገዛት ኣለዉ። ብዕላዊ መንገዲ ተጓዒዝካ ክትመጽእ ንዓኻ እውን መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብዝያዳ፡ ናብይ ነዊሕ ዝጠመተ መደባትካ ናብ ጀርመን መጺእካ ኣብዚ ክትነብርን ብሞያኻ ክትሰርሕን እንተኾይኑ። ብሓጺሩ፡ ነብስኻ ኣብ ሓደጋኛ ጉዕዞ ኣይተእቱ፡ እንትደኣ ኣብዚ ክትነብር እትኽእለሉ ዕድላት ዘይትረክብ ኬንካ።

 

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017