icon-share

ስደት ንሂወትካ ወሳኒ እዩ፡ መጀመርያ ጭብጥታት ኣጽንዕ

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ንጀርመን ንምእታው ሎተሪ ኣሎ ዶ?

ኣይፋል

የለን! ሎተሪ ንጀርመን ክትነብሩ ትደልዩ ኣብዚ ብምጥዋቕ ትኣትዉ፡ ንክትሰምዖ ብ ጣዕሚ ጽቡቕ ዶኒ? እወ ሐሶት እዩ፡ ንጀርመን መእተዊ ዝኸውን ሎተሪ የለን. ኣስተውዕሉ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት መርበባትን (ዌብሳይት) ቤላቤለዉ ወረን ኣብ ምድረ ገጻት ዝወጽእ ተጠንቀቑ፡፡

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ጋምብያ ዜጋታታ ናይ ምስጓግ ውዕል ምስ ጀርመን ተፈራሪማ ድያ?

ኣይፋል

ማዕከን ዜናታት ናይ ጀርመን ፕረዚደንት ፍራንክ-ቫልተር ሽታይንማየር ምስ ናይ ጋምብያ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮው 1:500 ዜጋታት ጋምብያ ካብ ጀርመን ናብ ጋምብያ ናይ ምምላስ ውዕል ተፈራሪሞም ክብላ ዝሓበርኦ ዜና ትኽክል ኣይኮነን። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጀርመን ኮነ ናይ ፕረዚደንት ኦፊስ ክልቲኦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል የለን ክብሉ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ናይ ጋምብያ ናይ ሓበሬታ ሚኒስትር ደምባ ጃዎ ብወገኑ ጋምብያ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተመልሱ ዜጋታት ጋምብያ ናይ ምቕባል ውዕል ከምዘይፈረመት ኣረጋጊጹ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ምስ ዝንጸግ ተገዲድካ ክትምለስ ትኽእል’ዶ?

እወ

ብሓይሊ ክትምለስ ክትግደድ ኢኻ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ እንተ ኣቲኻን ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ተነጺጉ፡ ብፍቶትካ ክትምለስ እውን ፈቓደኛ እንተዘይኬንካ? ኣብ ከምዚ ኩነት፡ ናብ ከባቢ ናይ ሸንገን ኣባላት ሃገራት ንኸይትኣቱ ንነዊሕ ግዜ ክትክልከል ትኽልከል። ተገዲድካ መምለሲኻ ወጻኢታት እውን ባዕልኻ ክትስከሞ ትግደድ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

መንግስቲ ጀርመን መንበሪኻ ገንዘብ ይህበካ ድዩ?

ኣይፋል

ኣብ ጀርመን ሓተቲ ዑቕባ ገለ ሓገዛት ይረኽቡ እዮም። ግን ኣብ ጽንኩር ውሳኔታት ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ዝቖጠብዎ ኩሉ ምስተጠቐሙሉ እዩ ዝወሃቦም። ብተወሳኺ ኩሉ ሓገዛት ዝወሃበሉ መንገዲ ብመልክዕ መጽለሊ ቦታን፡ መትሓጻጸቢታትን ክዳውንትን እዩ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ዜግነትካ = ናይ ዑቕባ መሰላትካ?

ኣይፋል

ስቓይ ዝወረዶም ወይ ውን ከይክህደኑን፡ ከቢድ ግፍዒ ከየጋጥሞምን ዘስግኡ ሰባት ጥራይ እዮም ዑቕባ ክረኽቡ መሰል ዘለዎም። በብውልቀ እውን ጉዳዮም ብረቂቕ ይጽናዕ፡፡ ነቲ ዘድሊ መዐቀኒታት ናይ ውዕል ጂነቫ ሕጊ ስደተኛታት ወይ ናይ ጀርመን ሕጊ ስደተኛታት ዘየማልኡ ምስ ዝኾኑ፡ ካብ ጀርመን ክወጹን መበቆል ሃገሮም፡ ወይ ናብቲ መጀመርያ ዝኣተውሉ ሃገር ክምለሱ ክግደዱ እዮም፡፡

ተወሳኺ »

ናብ ጸፍሒ ተመለስ