ጀርመን፤ 25% ካብቶም ኩሎም እቶም ብ’ዓዲ-ጥልያን ጌሮም ን’አውሮጳ ዝአተው ስደተኛታት፤ ተቐባልነት ኽትህብ’ድያ?
አይፋልን ! ጀርመን’ን ኻልኦት ብዙሐት ሃገራት ናይ አውሮጳ-ሕብረትን፤ አብ’ማእከላይ ባሕሪ ሒይወት-ንምድሐን ተባሂሉ፤ ንግዚኡ ዝኸውን ሐደ-ዓይነት ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም ንኽጥቀሙ ተሰማሚዖም ኢዮም። ሃገር-ጀርመን፤ ካብ ዓዲ-ጥልያን ኽትቅበሎም ትደሊ፤ ሐደ ውሱን-ዝኾነ ኮታ ወይድማ ቁጽሪ ናይ ስደተኛታት የለን።
አብ’ታ ሒይወት ተድሕን ዘላ መርከብ ዝአትው ስደተኛታት፤ ስሞም ብድሕሪ ምምዝጋብ፤ ድሕሪ-ባይቶኦም ንምርግጋጽ፤ ቁጽጽር ይግበለርሎም። ብድሕር’ዚ ድማ፤ አብ’ሐጺር እዋን ክቕበላ ድሉዋት ናብ’ዝኾና ካልኦት ሃገራት ናይ አውሮጳ-ሕብረት፤ ይላአኹ። አብ’ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እተኻፈላ ሃገራት ከም ፈረንሳይ፤ ጀርመን፤ ጣልያን ኾምኡውን ማልጣ ኢየን።
ናብ ሃገር ጀርመን ዝተላእኹ ስደተኛታት፤ እቲ መስርሕ ናይ ዑቕባ-ምሕታት፤ አብ’ዝቐልጠፈ ኢዮም ዝጅምሩዎ። ምናልባት ሙሉእ-ዝኾነ ዑቕባ ንኽትወስዱ መሰል እንተዘይሃሊዩኩም፤ አብ’ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ናይ ትውልዲ-ሃገርኩም ኽትላአኹ ኢኹም።
እዚ ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም ዘገልግለሉ ግዜ፤ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ/Okt. 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ፤ ንሽድሽተ-ወርሒ ኢዩ። እዚ’ድማ፤ ብስምምዕ ናይ’ቶም ተኻፈልቲ-አካላት፤ ክናዋሕ ይኽእል’ዩ። እቲ ቑጽሪ ናይ ስደተኛታት ኻብ-መጠን ንላዕሊ ምስ’ዝውስኽ ግን፤ ዝኾነት ሃገር፤ ነቲ ስምምዕ ብ’ናታ ወገን ከተቋርጾ ትኽእል’ያ።
ብኽብረትኩም ሕሰቡሉ፡ እዚ ግዝያዊ-ዝኾነ ናይ ሐደጋ-ሜካኒዝም፤ ነዚ ምስ’ዚ ንሒይወትካ ሐደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ናይ ማእከላይ-ባሕሪ ዝተሐሐዙ ስግአታት፤ ዝቕንስ አይኮነን።
ዝያዳ ሐበሬታ ትረኽቡሉ አብ፡
ብዛዕባ ገበነኛ ዝኾኑ ተግባራት ናይ ንግዲ-ደቂ’ሰባት/ደቂ’ሰብ-ምስግጋር ብዝምልከት፤ አብ’ትሕቲ፡
ኻልእ፤ ብዛዕባ’ቲ ናይ አብ’ካልእ ሃገራት ተቐባልነት ንዘለዎም ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ መወዳእታ ምዕባሌታት ናይ ጀርመን ዑቕባ-መመልከቲ ዝምልከት ተወሳኺ ሐበሬታታት ትረኽቡዎ፤ አብ’ትሕቲዚ ዝቕጽል ኢዩ፡
ብዛዕባ ምትኽኻል ናይ ዑቕባ-መመልከቲ ሐላፍነት ትወስድ (ናይ ዳብሊን መስርሕ) ሀገር ናይ አውሮጳ-ሕብረት ወይድማ ኖርወይ፤ አይስላንድ፤ ስዊዘርላንድ ወይድማ ሊሽተን’ሽታይን፤ አብ’ትሕቲዚ ዝቕጽል ኢዩ፡