ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ጀርመን ከንቀሳቕሰካ ይኽእልዶ?

ስደተኛታት ብ „ስግረዶብ (Crossborders“ ትበሃል ብ ተበግሶ ተመሃሮ ዩነቨርስቲ ዝተመስረተት ማሕበር ዝዳሎ ናይ ቋንቋ ጀርመን ኮርስ ይሳተፉ። ስእሊ፡ ኡቨ ኣንሽፕራኽ (Uwe Ansprach)/©dpa-Bildfunk

ኣይፋል፡ ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ኣመሓደርቲ ምሕደራታትን መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ካምፓኒታት ቋንቋ ጀርመን ጥራይ ዝዛረቡ። ብጣዕሚ ሒደት ናይ ስራሕ ዕድላት ቋንቋ ጀርመን ኣጸቢቕካ ከይመለኽካ ዝርከቡ።

መን እሰያት ብዝያዳ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ደሓን ዝኾነ ኣፍልጦ ቋንቋ እንግሊዝኛ እኳ እንተለዎም፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መላእ ሃገር ቋንቋ ጀርመን ጥራይ እዮም ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም ዝዛረቡ። መብዛሕት ኦም ናይ እንግሊዝ ፊልማት ናይ ቴሌቭዥን መደባትን እውን ከይተረፈ፡ ናብ ቋንቋ ጀርመን እዮም ዝትርጎሙ። ብዙሓት ቦታታት ኣብ ጀርመን ኣለዎ፡ ተቐማጥኦም ቋንቋ ጀርመን ክሰም ዑን ክዛረቡን ዝጽግሞም።  ናይ ምሕደራ ቤት ጽሕፈታት ኮኑ ጎረባብትኻ ምስ ኦም ብቋንቋ ጀርመን ክትዛረቦም ይጽበዩኻ ይኾኑ እዮም።

YouTube

Mit dem Laden des Videos akzeptieren Sie die Datenschutzerklärung von YouTube.
Mehr erfahren

Video laden

ቦታ ክትመርጽ ኣይከኣልን እዩ

ከተስተብህለሉ ዘለካ፡ ንጀርመን ሓታቲ ዑቕባ ኬንካ ክትመጽእ እንከለኻ ትነብረሉ ቦታ ነጻ ክትመርጽ ኣይክትክእልን ኢኻ። ብዘይ መንበሪ ፈቓድ ዝርከቡ ስደተኛታት ወይ ውን ካልኦት፡ ብቐጥታ ናብ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መቐበሊ ሰንተር ናይታ ዝምልከታ ዞና ይመሓላለፉ።  ሰባት ኣብ ሙሉእ ሃገር ንምዝርጋሕ ዝተዳለወ ብልሓት መስርሕ ኣሎ፡ በቲ መምርሒ ዝሕብሮ ኣገባብ ከም ሓታቲ ዑቕባ ናብ ጀርመን ምስ እት ኣቱ፡ ናብቲ ሓደ መቐበሊ ሰንተር ናይ ዝምልከቶ ዞና ክትከይድ ክትሕተት ኢኻ። እዚ ማለት፡ ናብ ሓደ ገጠር ዝኾነ ቦታ፡ ሰባት ቋንቋ እንግሊዝኛ ዘይዛረቡሉ ቦት፡ ክትምደብ ከገጥመካ ይኽ እል እዩ፡ ስለዚ ናይ ቋንቋ ጀርመን ኣፍልጦኻ ብጣዕሚ ኣድላዪ ክኸውን እዩ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017