ሓቂ`ዶ ሓሶት? ንዓድኻ ክትከይድ እናደለኻ`ዶ ጀርመን ናብ ካልእ ቦታ ክትሰደካ ትኽእል እያ? ኣይፋል ካብ ጀርመን ብወለንታኻ ክትወጽእ ፈቓደኛ እንተድኣ ኬንካ፡ ወይ ናብ ዓድኻ ወይ ውን ናብ ካልዕ ስሉስ-ሃገር፡ ማለት እታ ዓዲ ንኽትቅበለካ ድልውቲ ምስ እትኸውን፡ ጀርመን ናብኡ ክትሰደካ ትኽእል እያ፡፡ ቅድሚ ናብ ዓድኻ ምኻድካ ጀርመን ናብ ካልእ መሰጋገሪ ሃገር ክትሰደካ ትኽእል እያ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ እዩ።
ሃገረ-ጀርመን ኣብ ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስን ቱርኪን ንዝርከቡ ዕቑባት ስደተኛታት ደገፍ ትገብር ህይወት ብዛዕባ መግብን መጽለሊን ጥራይ ኣይኰነትን፤ እንተላይ ብዛዕባ ሓበን፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ስነ-ጥበብ፡ ባህልን ቋንቋ እውን ደኣ’ምበር።
ሓበሬታ ብዛዕባ ንዓደይ መምለሲ ዝኸውን ሓገዛት ኣበይ ክረክብ ይኽእል? ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ወይ ዓድኹም ክትምለሱ ትሓስቡ እንተሃሊኹም፡ ንዓኹም ክጠቅም ዝኽእል ሓበሬታ ኣለና።
ብወለንታኻን ተገዲድካን ናይ ምምላስ ዝምልከቱ ጭብጥታት ኣብ ጀርመን እንተድኣ ኣቲኻ ግን ከኣ መንበሪ መሰል እንተዘይረኺብካ፡ ብቕጽበት ዓዲ ገዲፍካ ክትወጽእ ትግደድ።
ሓቂ`ዶ ሓሶት? ዜጋታት ሃገራት ባልካን ንዝዀኑ’ሞ – ኣብ ክሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣትዮም ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕጋጋት ኣለዉ ዶ? ኣይፋል ኣይፋል። ናይ’ዚ ኣንጻር ዝዀነ ሓበሬታ ሰሚዕኩም ክትኰኑ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ንዜጋታት ናይ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ብፍላይ ዝምልከት ሕጊ የልቦን። ክሰርሑ እንተዀይኖም፡ ቪዛን ሰነድ ናይ ስራሕ ፍቓድን ከድልዮም እዩ። ነዚ ንኽረኽቡ ድማ ኣብ’ተን ኣብ ሃገራቶም ዝርከባ ኤምባሲታት ናይ ሃገረ-ጀርመን መመልከቲ ንኸቕርቡ ክግደዱ እዮም። ተወሳኺ »
ሓቂ`ዶ ሓሶት? ጋምብያ ዜጋታታ ናይ ምስጓግ ውዕል ምስ ጀርመን ተፈራሪማ ድያ? ኣይፋል ማዕከን ዜናታት ናይ ጀርመን ፕረዚደንት ፍራንክ-ቫልተር ሽታይንማየር ምስ ናይ ጋምብያ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮው 1:500 ዜጋታት ጋምብያ ካብ ጀርመን ናብ ጋምብያ ናይ ምምላስ ውዕል ተፈራሪሞም ክብላ ዝሓበርኦ ዜና ትኽክል ኣይኮነን። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጀርመን ኮነ ናይ ፕረዚደንት ኦፊስ ክልቲኦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል የለን ክብሉ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ናይ ጋምብያ ናይ ሓበሬታ ሚኒስትር ደምባ ጃዎ ብወገኑ ጋምብያ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተመልሱ ዜጋታት ጋምብያ ናይ ምቕባል ውዕል ከምዘይፈረመት ኣረጋጊጹ። ተወሳኺ »
ሓቂ`ዶ ሓሶት? ጀርመን ናብ ዓድኻ ክትምለስ ትሕግዘካ ድያ? እወ እወ፡ ናብ ዓድካ ክትምለስ እንተደሊካ ጀርመን ትሕግዘካ እያ። ብመንግስቲ ዝምወሉ፡ ንዓኻ ክሕግዙ ዝተዳእለዉ፡ ኣብኡ ድማ ናብራኻ ዳግመ ክትጅምር ዝተሓባበሩ ዝተፈላለዩ መደባት ኣለዉ። ተወሳኺ »
ጀርመን ኣብ ማ እከላይ ብብራቕ ስርሃት ትፈጥር „ጥረ ገንዘብ ስራሕ (Cash for Work“) ዝብል መደብ ል ዕሊ 56,000 ስርሓት ኣብ ከባቢ ሶርያ ፈጢሩ እዩ።
ዒራቕ እናተሃዳድአት ትኸይድ ኣላ ምእላይ ፈንጂታት ንውሕስነት ዘለዎ ምምላስ፡፡ ጀርመን ብኸመይ ኣገባብ ዳዕሽ ዘሪኦሞ ዝኸዱ ተባራዕቲ ፈንጅጋት ኣብ ከባቢ ሞሱልን ካልእን ተካይድ ከምዘላ