icon-share

ጭብጥታት ፈትሽ - ወጻእተኛታት ክፈልጥዎ ዘለዎም ኣብዚ እንሀለ

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ዜጋታት ሃገራት ባልካን ንዝዀኑ’ሞ – ኣብ ክሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣትዮም ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕጋጋት ኣለዉ ዶ?

ኣይፋል

ኣይፋል። ናይ’ዚ ኣንጻር ዝዀነ ሓበሬታ ሰሚዕኩም ክትኰኑ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ ንዜጋታት ናይ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ብፍላይ ዝምልከት ሕጊ የልቦን። ክሰርሑ እንተዀይኖም፡ ቪዛን ሰነድ ናይ ስራሕ ፍቓድን ከድልዮም እዩ። ነዚ ንኽረኽቡ ድማ ኣብ’ተን ኣብ ሃገራቶም ዝርከባ ኤምባሲታት ናይ ሃገረ-ጀርመን መመልከቲ ንኸቕርቡ ክግደዱ እዮም።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ናብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ምግዛእ ይክኣል’ዶ፧

ኣይፋል

ኣይፋሉን። ናብ ጀርመን ዘእቱ ቪዛ ንሓደ ዝተወሰነ ውልቀሰብ ፍሉይ መለለዪ ተገይርሉ ዝስራሕን ዝወጽእን እዩ። ቪዛታት ናብ ካልእ ሰብ ክሽየጡ ወይ ክውሃቡ ኣይክእሉን'ዮም። ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ጀርመን ኤምባሲታትን ሓፈሻዊ ቆንስላትን ጥራይ እየን ቪዛታት ከውጽኣ ዝኽእላ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ንጀርመን ንምእታው ሎተሪ ኣሎ ዶ?

ኣይፋል

የለን! ሎተሪ ንጀርመን ክትነብሩ ትደልዩ ኣብዚ ብምጥዋቕ ትኣትዉ፡ ንክትሰምዖ ብ ጣዕሚ ጽቡቕ ዶኒ? እወ ሐሶት እዩ፡ ንጀርመን መእተዊ ዝኸውን ሎተሪ የለን. ኣስተውዕሉ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት መርበባትን (ዌብሳይት) ቤላቤለዉ ወረን ኣብ ምድረ ገጻት ዝወጽእ ተጠንቀቑ፡፡

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

መንግስቲ ጀርመን መንበሪኻ ገንዘብ ይህበካ ድዩ?

ኣይፋል

ኣብ ጀርመን ሓተቲ ዑቕባ ገለ ሓገዛት ይረኽቡ እዮም። ግን ኣብ ጽንኩር ውሳኔታት ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ዝቖጠብዎ ኩሉ ምስተጠቐሙሉ እዩ ዝወሃቦም። ብተወሳኺ ኩሉ ሓገዛት ዝወሃበሉ መንገዲ ብመልክዕ መጽለሊ ቦታን፡ መትሓጻጸቢታትን ክዳውንትን እዩ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ደላሎ ኣብ ጉዕዞኻ ክሕልዉኻ ይኽእሉ ድዮም?

ኣይፋል

ክትፈልጦ ዘለካ፡ ደላሎ ኣካል ናይ ውዱባትን ጥርኑፋንትን ጃንዳ ገበናውያን ክመ ሙኻኖም እዩ። ንዖኦም ዘገድሶም እቶት ገንዘብ ጥራይ እዩ። መብዛሕትኦም እንተተሃረምካ ኮነ ኣብ መንገዲ እንተሞትካ ዘገድሶም ኣይኮነን። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንኦይሮጳ ወይ ንጀርመን ምስ እትመጽእ ንሂወትካ ኣብ ሓደጋ ተእትዋ ኣለኻ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ናብራ ኣብ ኦይሮጳኸ ቀሊልዶ ይኸውን?

ኣይፋል

ምናልባት ናብራ ቀሊል እዩ ዝብል ወረ ሰሚዕካ ትኸውን። ብዙሓት ዑቕበኛታት፡ ኣብዚ ምስ ኣተዉ ጉዳዮም ስጋብ ዝጽናዕ፡ ኣብ መጽለሊ ብዙሓን ክነብሩ ይግደዱ፡፡ ብዙሓት እውን ዑቕባ ንኽረኽቡ ዕድል ዝለ ዘይብሎም፡ ሓተትኦም ይንጸግ - ኣብዚ ንኽነብሩ ኣይፍቀደሎምን፡ ካብ ጀርመን ንኽወጹ ድማ ይግደዱ። ብዘይ ገንዘብ ተመሊሶም ድማ ካብ ዜሮ ሂወቶም ክመርሑ ክጅምሩ ይግደዱ። ናይ ዑቕባ መሰል እንተረኸቡ እውን፡ ስራሕ ክረኽቡ ጸገማት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ናብራ ክቡር እዩ፡ መናበሪኻ ዝኸውን ሰሪሕካ ከትምእርር ከቢድ እዩ፡፡ ስለምንታይ ደኣ እዮም፡ ብዙሓት ትሰምእዎም ወረታት ጽቡቕ ዝመስሉ? ብዙሓት ወጻእተኛታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቤተሰቦም ገንዘብ ንኦይሮጳ መጉዓዚ የጥፍእዎ። ኣብ ቅድሚ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራቤቶምን መሓዙቶምን/ ኣዕሩኽቶምን ተዓዊትና ክብሉ ይደልዩ - ወላ እኳ ኣብ ከቢድ ኩነታት ወዲቖም ዝርከቡ እንተኾኑ።

ተወሳኺ »

ናብ ጸፍሒ ተመለስ