icon-share

ጭብጥታት ፈትሽ - ወጻእተኛታት ክፈልጥዎ ዘለዎም ኣብዚ እንሀለ

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

መንግስቲ ጀርመን ስራሕ ይህበካ ድዩ?

ኣይፋል

መንግስቲ ጀርመን ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ቦታ ኣይህብን እዩ። ሓተቲ ዑቕባ ምስኣተዉ፡ ንግዚኡ ናይ ስራሕ ፈቓድ ኣይወሃቦምን እዩ፡ ወላ ውን ናይ ዑቕባ መሰልን፡ መንበሪ ፈቓድን ረኺቦም እንተኾኑን፡ ስራሕ ንኽትረክብ ብዙሕ ዓመታት ይወስድ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ዩነቨርስቲታት ጀርመን ንኹሉ ሰብ ክፉት ድዮም?

ኣይፋል

ብሓፈሽ ኡ ዩነቨርስቲታት ጀርመን ንኹሉ ክፉት ኣይኮነን፡ ገለ ቤት ትምህርቲታት ፍሉይ ናይ ምዝገባ ፕሮግራማት ንወጻእተኛታት እኳ እንተኣለዉዎም፡ ኣብዘን ቤት ትምህርቲታት ንኽትኣቱ መንበሪ ፈቓድ የድልየካ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ጀርመን ናብ ዓድኻ ክትምለስ ትሕግዘካ ድያ?

እወ

እወ፡ ናብ ዓድካ ክትምለስ እንተደሊካ ጀርመን ትሕግዘካ እያ። ብመንግስቲ ዝምወሉ፡ ንዓኻ ክሕግዙ ዝተዳእለዉ፡ ኣብኡ ድማ ናብራኻ ዳግመ ክትጅምር ዝተሓባበሩ ዝተፈላለዩ መደባት ኣለዉ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ንዓድኻ ክትከይድ እናደለኻ`ዶ ጀርመን ናብ ካልእ ቦታ ክትሰደካ ትኽእል እያ?

ኣይፋል

ካብ ጀርመን ብወለንታኻ ክትወጽእ ፈቓደኛ እንተድኣ ኬንካ፡ ወይ ናብ ዓድኻ ወይ ውን ናብ ካልዕ ስሉስ-ሃገር፡ ማለት እታ ዓዲ ንኽትቅበለካ ድልውቲ ምስ እትኸውን፡ ጀርመን ናብኡ ክትሰደካ ትኽእል እያ፡፡ ቅድሚ ናብ ዓድኻ ምኻድካ ጀርመን ናብ ካልእ መሰጋገሪ ሃገር ክትሰደካ ትኽእል እያ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ እዩ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ካብ 18 ንታሕቲ ዝኾኑ ቆልዑት ኩሎብ ብርግጽ ዑቕባ ክረኽቡ እዩም?

ኣይፋል

ዝቐርቡ ጉዳያት በብሓደን ብውልቀን ይረኣዩ፡ ብዘየገድስ ኣየናይ ዕድመ ኣለዎም። ዕድመ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ወሳኒ ግደ የብሉን። ንቖልዑት መንበሪ ፈቓድ ብርግጽ ክወሃቦም እዩ ዝምበሃል ነገር የለን።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ጀርመን ከንቀሳቕሰካ ይኽእልዶ?

ኣይፋል

ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ኣመሓደርቲ ምሕደራታትን መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ካምፓኒታት ቋንቋ ጀርመን ጥራይ ዝዛረቡ። ብጣዕሚ ሒደት ናይ ስራሕ ዕድላት ቋንቋ ጀርመን ኣጸቢቕካ ከይመለኽካ ዝርከቡ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ሓለዋ ዶብ ይረኽቡኻ`ዶ ይኾኑ?

እወ

ብመሬት ኮነ ብባሕሪ፡ ካብ ኦይሮጳ ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት ሓለዋ ዶባተን ኣጸንኪረን ይርከባ። ዘይሕጋዊ ስግረ ዶባት ናብ ኦይሮጳ መብዛሕትኡ ግዜ ወጻእተኛታት ምእሳር የጋጥሞም፡ ካብታ ኣብ ዶብ ኦይሮጳ ትርከብ ሃገር ክወጹ ኣብ ዘይክእሉሉ ኩነትን ይወድቁ። ዝበዝሕ ገንዘቦም ኣውጺኦሞ ስለ ዝኾኑ፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኩነታት ንላዕሊ ኣብ ዝጸንከረ ኩነታት ይወድቁ፡ እሞ እዚ ኩሉ ድማ ንዓዶም ክምለሱሉ ወይ ድማ ናይ ገንዘብ ረድኤት ክረኽቡሉ ኣብዘይክ እሉሉን ኩነት እዩ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ደላሎ ኣብ ጉዕዞኻ ክሕልዉኻ ይኽእሉ ድዮም?

ኣይፋል

ክትፈልጦ ዘለካ፡ ደላሎ ኣካል ናይ ውዱባትን ጥርኑፋንትን ጃንዳ ገበናውያን ክመ ሙኻኖም እዩ። ንዖኦም ዘገድሶም እቶት ገንዘብ ጥራይ እዩ። መብዛሕትኦም እንተተሃረምካ ኮነ ኣብ መንገዲ እንተሞትካ ዘገድሶም ኣይኮነን። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንኦይሮጳ ወይ ንጀርመን ምስ እትመጽእ ንሂወትካ ኣብ ሓደጋ ተእትዋ ኣለኻ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ቤተሰብካ ካብቲ ተጨዊኻዮ ዘለኽ ነጻ ከውጽኡኻ ይኸፍሉልካ`ዶ ይኾኑ?

እወ

ናብ ኦይሮጳ ኣብ እትጉዓዙሉ ግዜ ሰባት ክምዝምዙኻ ዝኽእሉሎም ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ። ብሸፋቱ ትጭወ፡ መፍትሒኻ ገንዘብ ክሓቱ እውን ትሑዝ እዩ። ቤተሰብካ ገንዘብ ምስ ከፈሉ ጥራይ እዮም ዝፍንዉኻ። እቲ ዝሓትዎ ገንዘብ ካብቲ ንብሙሉኡ መጉዓዝያኻ መዲብካዮ ዝነበርካ ዝለዓለ ክኸውን ይኸእል እዪ፡፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣብ መንገዲ ጉዕዝኦም፡ ብዙሕ ገበናት ይወርዶም። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ መንገዶም ከጋጥም ዝኽእል እዩ።

ናብ ጸፍሒ ተመለስ