icon-share

ጭብጥታት ፈትሽ - ወጻእተኛታት ክፈልጥዎ ዘለዎም ኣብዚ እንሀለ

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ዜግነትካ = ናይ ዑቕባ መሰላትካ፧

ኣይፋል

ስቓይ ዝወረዶም ወይ ውን ከይክህደኑን፡ ከቢድ ግፍዒ ከየጋጥሞምን ዘስግኡ ሰባት ጥራይ እዮም ዑቕባ ክረኽቡ መሰል ዘለዎም። በብውልቀ እውን ጉዳዮም ብረቂቕ ይጽናዕ፡፡ ነቲ ዘድሊ መዐቀኒታት ናይ ውዕል ጂነቫ ሕጊ ስደተኛታት ወይ ናይ ጀርመን ሕጊ ስደተኛታት ዘየማልኡ ምስ ዝኾኑ፡ ካብ ጀርመን ክወጹን መበቆል ሃገሮም፡ ወይ ናብቲ መጀመርያ ዝኣተውሉ ሃገር ክምለሱ ክግደዱ እዮም፡፡

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

መንግስቲ ጀርመን ስራሕ ይህበካ ድዩ፧

ኣይፋል

መንግስቲ ጀርመን ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ቦታ ኣይትህብን እዩ። ሓተቲ ዑቕባ ምስኣተዉ፡ ንግዚኡ ናይ ስራሕ ፈቓድ ኣይወሃቦምን እዩ፡ ወላ ውን ናይ ዑቕባ መሰልን፡ መንበሪ ፈቓድን ረኺቦም እንተኾኑን፡ ስራሕ ንኽትረክብ ብዙሕ ዓመታት ይወስድ።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ጀርመን ናብ ናይ መበቆልዓድኻ ክትምለስ ትሕግዘካ ድያ፧

እወ

ናብ ዓድኻ ክትምለስ ምስ እትደሊ፡ ጀርመን ዘድሊ ዘበለ ሓገዝ ክትገብረልካ ኢያ። ኣዝዮም ብዙሓት ደገፋት ብመንግስቲ ጀርመን ዝወሃቡ ኣለዉ፡ ንዓድኻ ንምምላስን፡ ናብ ንቡር ሂወትካ ንምክንዋንን።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ምስ ዝንጸግ ተገዲድካ ክትምለስ ትኽእል’ዶ?

እወ

ብሓይሊ ክትምለስ ክትግደድ ኢኻ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ እንተ ኣቲኻን ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ተነጺጉ፡ ብፍቶትካ ክትምለስ እውን ፈቓደኛ እንተዘይኬንካ? ኣብ ከምዚ ኩነት፡ ናብ ከባቢ ናይ ሸንገን ኣባላት ሃገራት ንኸይትኣቱ ንነዊሕ ግዜ ክትክልከል ትኽልከል። ተገዲድካ መምለሲኻ ወጻኢታት እውን ባዕልኻ ክትስከሞ ትግደድ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ናይ ስደተኛታት ፓስፕርት ግሪኽ = ሙሉእ ኣለያ ጥዕና ኣብ ኣብ ጀርመን?

ኣይፋል

ኣብ ግሪኽ ምዝጉባት ዑቕበኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ኦይርጳ እንኮላይ ናብ ጀርመን ክገሹሉ ዘኽእሎም ሰማያዊ ናይ ስደተናታት ፓስፖርት ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ንዑኡ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲ ብዘይ ቪዛ ናብ ካልእ ሃገር ኦይሮጳ ኮምኡ ውን ጀርመን ክጉዓዙ ይኽእሉ፡፡ እንተኾነ ግን ንመምጽኢኦምን ንመምለሲኦምን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ምስ ዝህልዎም ጥራይ እዩ ዝኸውን። ንሱ ምስ ዘማልኡ እውን ናይ ኣለያ ጥዕና መሰላቶም ድሩት ኮይኑ ዑቕባ ክሓቱ ድማ ኣይክእሉን እዮም።

ተወሳኺ »

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ድሕሪ 2 ሰዓት ኣብ ፕላስቲክ ጃልባ ምንስፋፍ መድሕን ትረክብ`ዶ?

ኣይፋል

ደለልቲ ኮምኡ እናበሉ እዮም ዝመባጽዑልካ። እንተኾነ ግን፡ ዘድሕኑ ሰባት ኣብታ ትርከበላ ጃልባ ክህልዉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ወላ እንተለዉ እውን፡ ብግዚኡ ረኺቦም ንኸድሕኑኻ ዘሎ ዕድል ብጣዕሚ ጸቢብ እዩ - ብዝያዳ ድማ፡ ደላሎ መርከብኩም ብዘይ ሞቶር እንተገዲፎማ። እቲ ጉዕዞ ብጣዕሚ ሓደገኛ ይኸውን፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ሂወት እውን ኣብኡ ይጠፍእ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ሓለዋ ዶብ ይረኽቡኻ`ዶ ይኾኑ?

እወ

ብመሬት ኮነ ብባሕሪ፡ ካብ ኦይሮጳ ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት ሓለዋ ዶባተን ኣጸንኪረን ይርከባ። ዘይሕጋዊ ስግረ ዶባት ናብ ኦይሮጳ መብዛሕትኡ ግዜ ወጻእተኛታት ምእሳር የጋጥሞም፡ ካብታ ኣብ ዶብ ኦይሮጳ ትርከብ ሃገር ክወጹ ኣብ ዘይክእሉሉ ኩነትን ይወድቁ። ዝበዝሕ ገንዘቦም ኣውጺኦሞ ስለ ዝኾኑ፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኩነታት ንላዕሊ ኣብ ዝጸንከረ ኩነታት ይወድቁ፡ እሞ እዚ ኩሉ ድማ ንዓዶም ክምለሱሉ ወይ ድማ ናይ ገንዘብ ረድኤት ክረኽቡሉ ኣብዘይክ እሉሉን ኩነት እዩ።

ሓቂ`ዶ ሓሶት?

ቤተሰብካ ካብቲ ተጨዊኻዮ ዘለኽ ነጻ ከውጽኡኻ ይኸፍሉልካ`ዶ ይኾኑ?

እወ

ናብ ኦይሮጳ ኣብ እትጉዓዙሉ ግዜ ሰባት ክምዝምዙኻ ዝኽእሉሎም ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ። ብሸፋቱ ትጭወ፡ መፍትሒኻ ገንዘብ ክሓቱ እውን ትሑዝ እዩ። ቤተሰብካ ገንዘብ ምስ ከፈሉ ጥራይ እዮም ዝፍንዉኻ። እቲ ዝሓትዎ ገንዘብ ካብቲ ንብሙሉኡ መጉዓዝያኻ መዲብካዮ ዝነበርካ ዝለዓለ ክኸውን ይኸእል እዪ፡፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣብ መንገዲ ጉዕዝኦም፡ ብዙሕ ገበናት ይወርዶም። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ መንገዶም ከጋጥም ዝኽእል እዩ።

ናብ ጸፍሒ ተመለስ